ብህይወት ምንባር ምስ ዚጽልኣካ
ኣመና ሕማቕ ስለ እተሰምዓካ፡ ብህይወት ምንባር ዘይደለኻሉ ግዜዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንስምዒት ኣድሪያና ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ብብርቱዕ ጭንቀትን ብጓህን ብምቝራጽ ተስፋን ትሳቐ ነይራ እያ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሕዱር ጭንቀት ከም ዘለዋ ብሰብ ሞያ ተፈሊጡ።
ሓደ ንዝሓመሙ ኣረጋውያን ወለዱ ዚኣሊ ካኦሩ ዝስሙ ጃፓናዊ እውን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ስራሕ ብርቱዕ ጸቕጢ ነይሩኒ። እናሓደረ ሸውሃተይ ተዓጽዩ፣ ጽቡቕ እውን ክድቅስ ኣይከኣልኩን። እንተ ሞይተ ኽሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ኸም ዝረክብ ድማ ሓሲበ።”
ኦጀቦዲ ዝስሙ ናይጀርያዊ ኸኣ፡ “ወትሩ ብዙሕ እጕሂ ብምንባረይ እነብዕ ነይረ፣ ስለዚ፡ ህይወተይ ከጥፍእ መገዲ ኣናድየ” ይብል። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኦጀቦዲን ካኦሩን ኣድሪያናን ህይወቶም ኣየጥፍኡን። ይኹን እምበር፡ ዓመት ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ርእሶም ይቐትሉ እዮም።
ሓገዝ ኣበይ ከም ዚርከብ
ካብቶም ርእሶም ዚቐትሉ ሰባት፡ መብዛሕትኦም ሰብኡት እዮም፣ ብዙሓት ካባታቶም እውን ሓገዝ ምሕታት የሕፍሮም እዩ። የሱስ፡ ሓኪም ንሕሙማት ከም ዜድልዮም ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 5:31) ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ንምሕታት በጃኻ ኣይትሕፈር። ብዙሓት ብሕዱር ጭንቀት ዚሳቐዩ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካቦም፡ ንጭንቀቶም ኪጻወርዎ ሓጊዝዎም እዩ። ኦጀቦዲን ካኦሩን ኣድሪያናን ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ሓገዝ ረኺቦም እዮም፣ ሕጂ ድማ ነቲ ጸገሞም ብዝሓሸ ይጻወርዎ ኣለዉ።
ሓካይም ንሕዱር ጭንቀት ንምሕካም፡ ኣፋውስ ወይ ሕክምናዊ ዝርርብ ወይ ከኣ ክልቲኡ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ እቶም ሕዱር ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ካብ ስድራ ቤቶምን ካብ ፈተውቶምን ሓልዮትን ትዕግስትን ክንክንን ይደልዩ እዮም። ሓደ ሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኺህልዎ ዚኽእል ብሉጽ ፈታዊ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ድማ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዜደንቕ ሓገዝ ይህብ እዩ።
ነባሪ ፍታሕ ኣለዎ ድዩ፧
ግዳያት ሕዱር ጭንቀት ብዙሕ ሳዕ ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ሕክምና እዩ ዜድልዮም፣ ኣብ ኣነባብራ ህይወቶም ምትዕርራያት ብምግባር ከኣ ከመይ ገይሮም ከም ዚጻወርዎ ኺፈልጡ የድልዮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ሕዱር ጭንቀት እትቃለስ ዘለኻ እንተ ዄንካ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ኸተተኵር ትኽእል ኢኻ። ኦጀቦዲ ኸምኡ እዩ ገይሩ፣ ከምዚ እውን ይብል፦ “እቲ ኣብ ኢሳይያስ 33:24 ዚርከብ ኣብ ምድሪ ሓደ እኳ ‘ሓሚመ’ ዘይብለሉ እዋን ከም ዚመጽእ ዚገልጽ ትንቢት ኪፍጸም ብሃንቀውታ እጽበ እየ።” ንስኻ እውን ከም ኦጀቦዲ፡ በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኽትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ “ሓዳስ ምድሪ” “ስቓይ” ኣይኪኸውንን እዩ። (ራእይ 21:1, 4) እዚ ኸኣ ንዅሉ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ እውን ዜጠቓልል እዩ። እቲ ዜሳቒ ስምዒትካ፡ ንሓዋሩ ኣይኪህሉን እዩ። እወ፡ እቲ ዜሳቒ ስምዒትካ “ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17።