ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 12-13
  • ብህይወት ምንባር ምስ ዚጽልኣካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብህይወት ምንባር ምስ ዚጽልኣካ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓገዝ ኣበይ ከም ዚርከብ
  • ነባሪ ፍታሕ ኣለዎ ድዩ፧
  • ኵላትና ንኣምላኽ ክንውድሶ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
    ንቕሑ!—2017
  • ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • 13 ስለምንታይ ኢየ ኣዝየ ዝጭነቕ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 12-13
ሓንቲ ኣብ ጥቓ ሰደቓ ኾፍ ዝበለት ሰበይቲ እተቐልዐ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኸላ ናብ ማዕዶ ትጥምት

ብህይወት ምንባር ምስ ዚጽልኣካ

ኣብ ብራዚል እትነብር ኣድሪያና፡ “እዚ ስምዒታት እዚ ሓያል እዩ። ስለዚ፡ ህይወተይ እንተ ኣጥፋእኩ ኸም ዚሓይሽ ደምዲመ” ትብል።

ኣመና ሕማቕ ስለ እተሰምዓካ፡ ብህይወት ምንባር ዘይደለኻሉ ግዜዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንስምዒት ኣድሪያና ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ብብርቱዕ ጭንቀትን ብጓህን ብምቝራጽ ተስፋን ትሳቐ ነይራ እያ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሕዱር ጭንቀት ከም ዘለዋ ብሰብ ሞያ ተፈሊጡ።

ሓደ ንዝሓመሙ ኣረጋውያን ወለዱ ዚኣሊ ካኦሩ ዝስሙ ጃፓናዊ እውን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ስራሕ ብርቱዕ ጸቕጢ ነይሩኒ። እናሓደረ ሸውሃተይ ተዓጽዩ፣ ጽቡቕ እውን ክድቅስ ኣይከኣልኩን። እንተ ሞይተ ኽሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ኸም ዝረክብ ድማ ሓሲበ።”

ኦጀቦዲ ዝስሙ ናይጀርያዊ ኸኣ፡ “ወትሩ ብዙሕ እጕሂ ብምንባረይ እነብዕ ነይረ፣ ስለዚ፡ ህይወተይ ከጥፍእ መገዲ ኣናድየ” ይብል። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኦጀቦዲን ካኦሩን ኣድሪያናን ህይወቶም ኣየጥፍኡን። ይኹን እምበር፡ ዓመት ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ርእሶም ይቐትሉ እዮም።

ሓገዝ ኣበይ ከም ዚርከብ

ካብቶም ርእሶም ዚቐትሉ ሰባት፡ መብዛሕትኦም ሰብኡት እዮም፣ ብዙሓት ካባታቶም እውን ሓገዝ ምሕታት የሕፍሮም እዩ። የሱስ፡ ሓኪም ንሕሙማት ከም ዜድልዮም ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 5:31) ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ንምሕታት በጃኻ ኣይትሕፈር። ብዙሓት ብሕዱር ጭንቀት ዚሳቐዩ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካቦም፡ ንጭንቀቶም ኪጻወርዎ ሓጊዝዎም እዩ። ኦጀቦዲን ካኦሩን ኣድሪያናን ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ሓገዝ ረኺቦም እዮም፣ ሕጂ ድማ ነቲ ጸገሞም ብዝሓሸ ይጻወርዎ ኣለዉ።

ሓካይም ንሕዱር ጭንቀት ንምሕካም፡ ኣፋውስ ወይ ሕክምናዊ ዝርርብ ወይ ከኣ ክልቲኡ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ እቶም ሕዱር ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ካብ ስድራ ቤቶምን ካብ ፈተውቶምን ሓልዮትን ትዕግስትን ክንክንን ይደልዩ እዮም። ሓደ ሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኺህልዎ ዚኽእል ብሉጽ ፈታዊ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ድማ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዜደንቕ ሓገዝ ይህብ እዩ።

ነባሪ ፍታሕ ኣለዎ ድዩ፧

ግዳያት ሕዱር ጭንቀት ብዙሕ ሳዕ ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ሕክምና እዩ ዜድልዮም፣ ኣብ ኣነባብራ ህይወቶም ምትዕርራያት ብምግባር ከኣ ከመይ ገይሮም ከም ዚጻወርዎ ኺፈልጡ የድልዮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ሕዱር ጭንቀት እትቃለስ ዘለኻ እንተ ዄንካ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ኸተተኵር ትኽእል ኢኻ። ኦጀቦዲ ኸምኡ እዩ ገይሩ፣ ከምዚ እውን ይብል፦ “እቲ ኣብ ኢሳይያስ 33:24 ዚርከብ ኣብ ምድሪ ሓደ እኳ ‘ሓሚመ’ ዘይብለሉ እዋን ከም ዚመጽእ ዚገልጽ ትንቢት ኪፍጸም ብሃንቀውታ እጽበ እየ።” ንስኻ እውን ከም ኦጀቦዲ፡ በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኽትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ “ሓዳስ ምድሪ” “ስቓይ” ኣይኪኸውንን እዩ። (ራእይ 21:1, 4) እዚ ኸኣ ንዅሉ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ እውን ዜጠቓልል እዩ። እቲ ዜሳቒ ስምዒትካ፡ ንሓዋሩ ኣይኪህሉን እዩ። እወ፡ እቲ ዜሳቒ ስምዒትካ “ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17።

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣምላኽ ንስምዒታትካ ይርድኦ እዩ።

“ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13።

የሆዋ ንስምዒታትና ኻብ ዝዀነ ንላዕሊ ይርድኦ እዩ፣ ኪሕግዘና እውን ይደሊ እዩ።

ንቓል ኣምላኽ ኣስተንትነሉ።

“[ኤልያስ፡] ‘ኦ የሆዋ፡ . . . ሕጅስ ንህይወተይ ኣጥፍኣያ” ኢሉ . . . ኺመውት ለመነ።”—1 ነገስት 19:4።

ኦጀቦዲ፡ “ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምስትንታነይ ሓጊዙኒ እዩ። ነብዪ ኤልያስ ሓደ ግዜ ኸምኡ ተሰሚዕዎ ምንባሩ ፈሊጠ” ይብል።

ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር።

“ኣነ [የሱስ] ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ [ጴጥሮስ] ተማህሊለ።”—ሉቃስ 22:32።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ምስ ከሓዶ፡ ኣመና ተጨኒቑን ኣምሪሩ በኽዩን እዩ። ካኦሩ፡ “ተመክሮ ጴጥሮስ፡ የሆዋን የሱስን ንስምዒታት ጴጥሮስ ከም ዚግደሱ ኽርኢ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኣተባቢዑኒ እዩ” ይብል።

እቲ ዜሳቒ ስምዒትካ “ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ