መዝሙር 98
ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ቃል ኣምላኽ ይህብ’ዩ ብርሃን፣
ነእጋርና’ውን ይመርሐን።
’ተ ሓሊናዮ ተጊህና፡
ሓቂ ሓራ ተውጽኣና።
2. ካብ ኣምላኽ’ዩ ’ቲ ቓላቱ፣
ይገልጸልና መልእኽቱ።
ንሰናይ ይድርኸና፣
ተግሳጽ ሂቡ የቕንዓና።
3. በዚ ጽሑፋት’ዚ ጌርና፡
ፍቕሪ ኣምላኽ ፈሊጥና።
ንመርምሮ ዕለት ዕለት፣
ክንረክብ’ውን ኢና ህይወት።
(መዝ. 119:105፣ ምሳ. 4:13 እውን ርአ።)