መዝሙር 126
ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. በርትዑ፡ ሰብኡት’ውን ኩኑ፡ - ኣጆኹም ንቕሑ፡ ጽንዑ፣ - ዓወትኩም ዘይተርፍ እዩ፡ - ኣይትሸበሩ፡ ትብዑ። - ትእዛዛት ክርስቶስ ንሕሉ፣ - ኣብ ጐድኑ ኢና፡ ኣብ መትከሉ። - (ኣዝማች) - በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ! - ብትብዓት’ውን ወስኑ! 
- 2. ብንቕሓት ተመላለሱ፡ - ንበሩ ተጠንቂቕኩም፣ - ስዓቡ መምርሒ የሱስ፡ - ባርያኡ ዚህበኩም፣ - ንሽማግለታት’ውን ስምዑ፣ - ዚኣልዩ ነተን ኣባጊዑ። - (ኣዝማች) - በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ! - ብትብዓት’ውን ወስኑ! 
- 3. ብንቕሓት ተመላለሱ፡ - ንበሩ ብሓድነት፣ - ጸላኢ እኳ እንተሎ፡ - ስበኹ’ቲ ብስራት፣ - ኣውጁ፡ ንምድሪ ምልእዋ፣ - ቀሪባ መዓልቲ የሆዋ! - (ኣዝማች) - በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ! - ብትብዓት’ውን ወስኑ! 
(ማቴ. 24:13፣ እብ. 13:7, 17፣ 1 ጴጥ. 5:8 እውን ርአ።)