መዝሙር 41
ጸሎተይ ስማዕ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(መዝሙር 54)
1. ለዋህ ኣቦይ፡ ስማዕ መዝሙረይ።
ንዓኻ’የ ዝህብ ኣምልኾይ።
ስምካ ግሩም፡ ቅዱስ’ዩ፡ ዓብዪ፣
(ኣዝማች)
ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ።
2. ኦ ኣምላኸይ፡ ምስጋና ’ብጻሕካ፣
ብርሃን ርእየ፡ ሳላ ብርሃንካ።
እፈልጥ’የ ኸም ’ትሓልየለይ፣
(ኣዝማች)
ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ።
3. ትምኒተይ’ዩ ቕኑዕ ክገብር፣
ስርዓታትካ ወትሩ ኽምርምር።
ደግፈኒ ኣብ ኵሉ ጾረይ፣
(ኣዝማች)
ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ።
(ዘጸ. 22:27፣ መዝ. 106:4፣ ያእ. 5:11 እውን ርአ።)