መዝሙር 8
የሆዋ እዩ መዕቈቢና
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(መዝሙር 91)
1. የሆዋ መዕቈቢና፡
’ንኣምኖ ኣምላኽና።
ትሕቲኡ’ና ንነብር፡
ኣብኡ ተማዕቊብና።
ይሕልዎም ንፈተውቱ፡
ይሰድደሎም መላእኽቱ፣
የሆዋ’ዩ ዕርድና፣
ፍትሓዊ’ዩ ሓላዊና።
2. ኣሽሓት ኪወድቁ’ዮም፡
ዋላ ኣብ ጐድንና።
ንቕመጥ ምስ ዓቃላት፡
እወ፡ ኣስተርሒና።
ኣይኪረኽበናን’ዩ ጥፍኣት፣
ኣይኪቐርበናን’ዩ መዓት።
የሆዋ’ዩ ዋልታና፣
ብኣኽናፉ ዜጽልለና።
3. ይሕሉ የዕቍብ’ዩ፡
ካብ ሽበራ ለይቲ።
የናግፍ ካብ ዚውርወር
ፍላጻ መዓልቲ።
የሎን ጸገም ዘይንወጾ፡
ዜፍርሃና ዘይንረግጾ።
የሆዋ’ዩ ጸግዕና፣
ወትሩ እሙን መዕቈቢና።
(መዝ. 97:10፣ 121:3, 5፣ ኢሳ. 52:12 እውን ርአ።)