ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 95
  • እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ኻብ እምነታቶም ዝቐየሩ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንሓቂ ኣጥርያ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • በታ እናወሰኸት እትበርህ ዘላ መገዲ ምምልላስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 95

መዝሙር 95

እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(ምሳሌ 4:18)

  1. 1. ነብያት ኪፈልጡ ሃንቀውታ ኣሕዲሮም፣

    ነቲ ተስፋ እተገብረሉ፣

    መንፈስ ኣምላኽና ኣነጺሩ ነይሩ፡

    እቲ መድሓኒ ዝመጸሉ።

    ግዜ ኣኺሉ፡ መሲሕ ዚነግሰሉ፣

    ኣብዚ ኸም ዘሎ ርግጽ’ዩ።

    ብዛዕባ’ዚ’ዩ ኸምዚ ዚብል ዘሎ፦

    ‘መላእኽቲ’ኳ ይምነዩ።’

    (ኣዝማች)

    ብቐትሪ ኢና ’ንመላለስ፣

    በሪሃ’ላ መገድና።

    ’ንሆ ይገልጸልና ኣምላኽና፣

    ይመርሖ ንስጕምትና።

  2. 2. ጐይታና ሸይሙ ኣስተውዓሊ ባርያ፡

    ብግዜኡ ዚምግበና።

    ድሙቕ ብርሃን ሓቂ ይበርህ ኣሎ፣

    ብቐሊሉ ዚርድኣና።

    ትበርህ ኣላ ’ታ መገዲ ጻድቃን፣

    ቀትሪ ዀይና መገድና።

    ምስጋና ይኹን ነቲ ምንጪ ሓቂ፡

    ንየሆዋ ልዑል ኣምላኽና።

    (ኣዝማች)

    ብቐትሪ ኢና ’ንመላለስ፣

    በሪሃ’ላ መገድና።

    ’ንሆ ይገልጸልና ኣምላኽና፣

    ይመርሖ ንስጕምትና።

(ሮሜ 8:22፣ 1 ቈረ. 2:10፣ 1 ጴጥ. 1:12 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ