መዝሙር 80
“የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ክቡር’ዩ ኣገልግሎትና፣
ንፈትዎ’ና ንስብከትና።
ንያህ ንውፊ ግዜ ዓዲግና፣
ንጽዕር ዚከኣለና።
(ኣዝማች)
‘ንዑ ጥዓሙ፡ ’ወ ርኣዩ፡
የሆዋስ ሕያዋይ’ዩ።’
ረብሓ ኣለዎ ምዃን ውፉይ፡
ኣምላኽ’ዩ ’ዚ ቓል ኣትዩ።
2. ምሉእ ግዜኦም ዚህቡ፡
ይፈስሰሎም’ዩ በረኸት።
ንኣምኖ ኢና ኸም ዚሓልየልና፡
ስለዚ ኣሎና ዕግበት።
(ኣዝማች)
‘ንዑ ጥዓሙ፡ ’ወ ርኣዩ፡
የሆዋስ ሕያዋይ’ዩ።’
ረብሓ ኣለዎ ምዃን ውፉይ፡
ኣምላኽ’ዩ ’ዚ ቓል ኣትዩ።
(ማር. 14:8፣ ሉቃ. 21:2፣ 1 ጢሞ. 1:12፣ 6:6 እውን ርአ።)