ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/8 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/8 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት ንሕጸ ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኖም ክርእይዎ ይግባእ፧

ሕጸ ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚ እኳ እንተዀነ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ጕዳይ እውን ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ብሱል ክርስትያን ብዘይረብሕ ምኽንያት ክገድፎ ዝኽእል ገይሩ ብምውሳድ ንሕጸ ኣቕሊሉ ክርእዮ የብሉን። እቲ ከም ሕጹያት ኰይኖም ዘሕልፍዎ እዋን ቅድሚ ምምርዓዎም ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ንኽፋለጡ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም እውን ኢዩ።

ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ክንዘራረብ ከሎና ንመርዓ ዝምልከት ማሕበራዊ ልምድን ናብኡ ዝመርሕ መስርሓትን ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ግዜ ናብ ግዜን ኣጸቢቑ ክፋላለ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ የብርሆ ኢዩ።

እተን “ሰብኣይ ዘይፈለጣ” ክልተ ደቂ ሎጥ ንኽልተ ደቂ እቲ ከባቢ ሰብኡት ተሓጽየን ነበራ። ‘እቶም ነዋልዱ ዘእትዉ ሰብኡት’ ነቲ ሕጸ ስለምንታይ ወይ ብኸመይ ከም ዝገበርዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረበሉን ኢዩ። እተን ኣዋልድ በጽሕታት ድየን ነይረን፧ ንመን ክምርዓዋ ከም ዘለወን ተሰማዕነት ነይርወን ድዩ፧ ገለ ማሕበራዊ ነገራት ብምግባር ድየን ተሓጽየን፧ ብዛዕባ እዚ እንፈልጦ ነገር የለን። (ዘፍጥረት 19:⁠8-14) ያእቆብ ንኣቦ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኣገልገሎ ንራሄል ክምርዓዋ ምዃኑ ስምምዕ ከም ዝገበረ ኢና እንፈልጥ። ያእቆብ ቅድሚ ምምርዓዎም ንራሄል “ሰበይተይ” እኳ እንተበላ: ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ዋላ ሓንቲ ጾታዊ ርክብ ኣይፈጸሙን። (ዘፍጥረት 29:⁠18-21) ካልእ ኣብነት ከኣ: ዳዊት ንጓል ሳኦል ቅድሚ ምምርዓዉ ንፍልስጥኤማውያን ክስዕሮም ነበሮ። ዳዊት ነቲ ሳኦል ዝበሎ ምስ ፈጸመ: ንሚካል ጓል ሳኦል ክምርዓዋ ክኢሉ ነበረ። (1 ሳሙኤል 18:⁠20-28) እዚ “ሕጸታት” እዚ ሓደ ካብቲ ሓደ ከምኡውን ካብቲ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘሎ ልምዲ ይፍለ ኢዩ።

ሕጊ ሙሴ ንመርዓን ሕጸን ዝምልከት መምርሒታት ኣለዎ። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ኣንስቲ ክህልዋኦ ይኽእል ነበረ፣ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ንሰበይቱ ክፈትሓ ይኽእል ነይሩ: ሰበይቲ ግን ክትፈትሖ ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ። (ዘጸኣት 22:⁠16, 17፣ ዘዳግም 24:⁠1-4) ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ድንግል ምስ ዘስድዓ ኣቦኣ እንተድኣ ተሰማሚዑ ክምርዓዋ ነበሮ: ክፈትሓ ኸኣ ኣይክእልን። (ዘዳግም 22:⁠28, 29) ጾታዊ ርክብ ዘይፍጸመሉ እዋንን ካልእ ናይ መርዓ ሕግታትን እውን ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 12:⁠2, 5፣ 15:⁠24፣ 18:⁠19) ንሕጸ ዝምልከት መምርሒታትከ እንታይ ኢዩ፧

ሓንቲ እተሓጽየት እስራኤላዊት ካብ ሓንቲ ዘይተሓጽየት እስራኤላዊት ፍልይ ዝበለ ሕጋዊ ቦታ ኢዩ ነይርዋ፣ ብገለ መዳይ ከም ምርዕውቲ ትሕሰብ ነበረት። (ዘዳግም 22:⁠23-29፣ ማቴዎስ 1:⁠18, 19) እስራኤላውያን ንኣዝማዶም ብፍላይ እኳ ነቶም ናይ ቀረባ ኣዝማድ ክሕጸዩ ወይ ክምርዓዉ ኣይፍቀድን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ገለ ሕጸን መርዓን ብምኽንያት መሰል ውርሻ እውን እተኸልከለ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 18:⁠6-20፣ ናይ 15 መጋቢት 1978 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 25-8 ርአ።) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሕጸ ኣቕሊሎም ክርእይዎ ከም ዘይነበሮም ግልጺ ኢዩ።

እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ እዚ ዅሉ ስርዓታት ኢዮም ነይሮም: ክርስትያናት ግን ነቲ ንመርዓ ወይ ሕጸ ዝምልከት ስርዓታት እውን ወሲኽካ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እቲ ኣይኰኑን። (ሮሜ 7:⁠4, 6፣ ኤፌሶን 2:⁠15፣ እብራውያን 8:⁠6, 13) አረ የሱስሲ ንመርዓ ዝምልከት ካብ ሕጊ ሙሴ እተፈልየ ስርዓት ኢዩ ሂቡ። (ማቴዎስ 19:⁠3-9) ገና ግን ነቲ መርዓ ይኹን ሕጸ ዘለዎ ርዝነት ኣቕሊሉ ኣይረኣዮን። ስለዚ እምበኣር: ሕጸ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውልቀ-ሰባት ንመን ከም ዝምርዓዉ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫታት ኢዮም ዝገብሩ። ወድን ጓልን ክመራዓዓዉ ከም ዝዀኑ መብጽዓ ምስ ዝተኣታተዉ: ከም ሕጹያት ኢዮም ዝቝጸሩ። መብዛሕትኡ እዋን ሕጸ ንምምልካት ተወሳኺ ወግዓዊ ስጕምቲ ምውሳድ ኣየድልን ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እቲ ሰብኣይ ከም እተሓጸያ ንምርግጋጽ ካትም ክህባ ልሙድ ኢዩ። ወይ ምስ ወለድን ኣዕሩኽን ኣብ ዝግበር ዕድመ ወይ ንኣሽቱ ምትእኽኻባት እቲ ሕጸ ክንገር ልሙድ ኢዩ። እዚ ብሕታዊ ምርጫታት ድኣ እምበር ግድን ክግበር ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝግበር ስምምዕ ኢዩ።a

ሓደ ክርስትያን ናብ ምልላይ: ሕጸ: ወይ መርዓ ክህወኽ የብሉን። ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ምልላይ ክጅምሩ ድዮም ኣይጅምሩን ወይ ናብ ሕጸን መርዓን ክስጕሙ ድዮም ኣይስጕም ብጥበባዊ መገዲ ንምውሳን ክሕግዞም ዝኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ንሓትም ኢና።b እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ምኽሪ ኸኣ ናይ ሓደ ክርስትያን መርዓ ነባሪ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠24፣ ማርቆስ 10:⁠6-9

ክልተ ክርስትያናት ክሕጸዩ ቅድሚ ምሕሳቦም ኣጸቢቖም ክፋለጡ ይግብኦም። ነፍሲ ወከፎም ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም:- ‘ብዛዕባ መንፈሳውነታ ወይ መንፈሳውነቱ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘለዋ ወይ ዘለዎ ተወፋይነት ርግጸኛ ድየ፧ ብህይወት ክሳዕ ዘሎኹ ምስኡ ወይ ምስኣ ኰይነ ንየሆዋ ከገልግሎ እኽእል ድየ፧ ናይ ንሓድሕድና ባህርያት ብዝግባእ ንፋለጥ ዲና፧ ንሓዋሩ ተጋጢምና ከም እንነብር እምንቶ ኣሎኒ ድዩ፧ ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ ተግባራትናን ሕጂ ዘሎ ኵነታትናን ኣጸቢቕና ንፋለጥ ዲና፧’

ክልተ ክርስትያናት ሓንሳብ ምስ ተሓጽዩ: ንሶም ይኹኑ ካልኦት መርዓ ክግበር ክጽበዩ ቅኑዕ ኢዩ። የሱስ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን” ብምባል ምዒዱ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:37 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም እተሓጽዩ ክርስትያናት ነዚ ኣርዚኖም ክወስድዎ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ሳሕቲ እተሓጽዩ ክርስትያናት ከይተዘራረብሉ ወይ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ዘይብሉ ነገር ከም ዘሎ ይፈልጡ ይዀኑ ኢዮም። እቲ ሓደ ሕጹይ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቱ ዓመጸኛ ወይ ስነ⁠-​ምግባር ዝጐደሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝፈለጠ ካልኣይ ወገን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክውስን ይግባእ። ምናልባት ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቖም ብምምይያጥ ሕጸኦም ክቕጽልዎ ይሰማምዑ ይዀኑ። ወይ ነቲ ዝነበሮም ርክብ ከቋርጽዎ ይሰማምዑ ይዀኑ። እዚ ካልኦት ጣልቃ ክኣትውሉ ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም ግምታት ክህብሉ ወይ ክፈርዱ ዘይግባእ ብሕታዊ ጕዳይ እኳ እንተዀነ ከቢድ ውሳነ ኢዩ። እቲ ሓደ ወገን ከቋርጾ እንተ ዘይደለየ እውን ከይተረፈ እቲ ከቢድ ጕዳይ ከም ዘሎ እተረድአ ብብሕቱ ከቋርጾ ክግደድ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኣብ ናይ 15 ሰነ 1975 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ቅድሚ መርዓ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ዘርኢ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። የሱስ ሓደ ሰብ ተፋቲሑ እንደገና ንኽምርዖ ምኽንያት ዝዀኖ እንኮ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ፖር·ንያ ʹ ማለት በቲ ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ዝፍጸም ከቢድ ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባር ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠32፣ 19:⁠9) ሓዲኦም ቅድሚ መርዓ ከቢድ ግድል ወይ ሓጢኣት ምፍጻሙ ድሕሪ መርዓኦም እንተድኣ ተፈሊጡ እቲ ሕጋዊ መርዓ ብፍትሕ ክውዳእ ይኽእል ኢዩ ኣይበለን።

ንኣብነት: ኣብ ግዜ የሱስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ደዌ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ናይ መርዓ ብጸይቱ ክትመርዓዎ ከላ (ትፍለጥ ኣይትፍለጥ ብዘየገድስ) ሕማም ደዌ ምስ ዝነብራ: ንኽፈትሓ ምኽንያት ነይርዎዶ ኢዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እቲ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ክፈትሓ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: የሱስ ግን ሰዓብቱ ከምኡ ክገብሩ ከም ዘይብሎም ኢዩ ተዛሪቡ። ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ከጋጥም ዝኽእል ኵነታት እውን ርአ። ሓደ ፍንጣጣ: ኣብ ብልዕቲ ዝወጽእ ቍስሊ: ኤች.ኣይ.ቪ: ወይ ካልእ ተመሓላላፊ ሕማም ዘለዎ ሰብኣይ ብዛዕባ እዚ ከይተዛረበ ይምርዖ ይኸውን። ምናልባት ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ምሕጻዩ ወይ ተሓጽዩ ከሎ ዝገበሮ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ሰበይቲ ጸኒሓ ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ወይ ቅድም ዝፈጸሞ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት (ከም ዝመኸነ ወይ ከጥንስ ከም ዘይክእል ምስ ዝፍለጥ እውን ከይተረፈ) ምስ እትፈልጥ ንኽትፋታሕ ምኽንያት ኣይኰናን ኢዩ። ቅድሚ መርዓ እተገብረ ሕማቕ ነገራት ንምፍታሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንሳ እውን ቅድሚ ምምርዓዋ ዝሓዛ ሕማም ምስ ዝህልዋ ወይ ካብ ካልእ ሰብኣይ ድቂ ሒዛ ምስ እትጸንሕ ነቲ ሓዳር ከፍርሶ ኣይክእልን ኢዩ። ተመርዕዮም ኢዮም ብሓባር ንኽነብሩ ኸኣ ተመባጺዖም ኢዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዘጋጥም ሳሕቲ ብምዃኑ ዘሐጕስ እኳ እንተዀነ እዚ ኣብነታት እዚ ነቲ ሕጸ ኣቕሊልካ ክርአ የብሉን ዝብል መሰረታዊ ነጥቢ ዝያዳ ዘጕልሕ ኢዩ። ቅድሚ ሕጸን ኣብ ግዜ ሕጸን ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ክፋለጡ ክጽዕሩ ኣለዎም። ሓደ ካብቲ ሓደ ክፈልጦ ዝደልዮ ወይ ክፈልጦ ዘለዎ ነገራት ብቕንዕና ሓደ ነቲ ሓደ ክነግሮ ኣለዎ። (ኣብ ገለ ሃገራት ሕጹያት ቅድሚ መርዕኦም ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩ ይሕተቱ ኢዮም። ካልኦት ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ ምግባር ገዛእ ርእሶም ንምፍላጥ ዝገብርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።) ስለዚ ኸኣ እቲ ካብ ሕጸ ዝርከብ ሓጐስን ርዝነትን ክቡር ዕላምኡ ይወቅዕ። እዚ ድማ ናብቲ ዝያዳ ሓጐስን ርዝነትን ዘለዎ መርዓ ይመርሖም።​—⁠ምሳሌ 5:⁠18, 19፣ ኤፌሶን 5:⁠33

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ወለዲ ንናይ ደቆም ሕጸ ምድላው ይገብሩ ኢዮም። እዚ እቶም ክልተ ንኽምርዓዉ ቅድሚ ምድላዎም ኢዩ ዝግበር። ከም ሕጹያት ወይ ንሓድሕዶም ከም እተመባጽዑ ገይርካ ዝቝጸር እኳ እንተዀነ እተመርዓዉ ግን ኣይኰኑን።

b ኣብተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 28-32 ከምኡውን መጽሓፍ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ምዕራፍ 2 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ