ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 159
  • ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ሓድሽ መዝሙር
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ሓድሽ መዝሙር
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 159

መዝሙር 159

ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(መዝሙር 96:8)

  1. 1. ግርማዊ ኢኻ የሆዋ፡

    ልዑል እዩ ዝፋንካ።

    ’ታይ ውሬታ ክኸፍለካ፡

    ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮትካ፧

    ተንቃዕረርኩ ናብ ሰማያት፡

    ደንጽዩኒ ’ቲ ድንቅታት።

    ኣነስ መን ’የ ኦ የሆዋ፡

    እተርእየኒ ሞገስካ፧

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ’ቦይ፡ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ፡ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

  2. 2. ትኹን ህይወተይ ንዓኻ፡

    ውዳሰ ተምጽኣልካ።

    እነግር ሕያውነትካ፡

    ብሓጐስ አገልግለካ።

    ንዓኻ ብምግልጋለይ፡

    ዓብዪ ኽብሪ ’ዩ ንዓይ።

    ሓይለይ ኢኻ ’ወ ኽብረተይ፡

    ዘልኣለማዊ መምህረይ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ’ቦይ፡ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ፡ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

  3. 3. ደሃይ ውቅያኖስ ባሕሪ፡

    ድሙቕ ጸሓይ ናይ ቀትሪ፣

    ህያብ ልግስኻ ይዛሪ፡

    የዘንቱ ’ዩ ናትካ ፍቕሪ።

    ግርማ ጽባቐ ጥበብካ፡

    ፍጹም የሎን ከማኻ፡

    ክብርን ውዳሰን ንዓኻ፡

    ኵሉ ስለ ዝፈጠርካ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ’ቦይ፡ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ፡ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

(መዝ. 96:1-10፣ 148:3, 7 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ