ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 29
  • ጭንቀት—ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጭንቀት—ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጭንቀት ንምንካይ ዚሕግዘካ ምኽሪ
  • ኣይትጨነቑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • 2 ጸገማት ክትፈትሕ ይሕግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 29
ብዕድመ ዝደፍአ እተጨነቐ ሰብኣይ።

ጭንቀት—ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

እምብዛ ምጭናቕ ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት የስዕብ እዩ። ወረግ፡ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዜተሓሳስበካ ንላዕሊ ናብ ዝገደደ ጸገማት ኪመርሓካ ይኽእል እዩ።

ጭንቀት ንምንካይ ዚሕግዘካ ምኽሪ

  • ዝጐሃየ ገጽ።

    እትሰምዖ ኣሉታዊ ዜና ገደብ ግበረሉ። ብዛዕባ ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ዝርዝር ሓበሬታ ኽትፈልጥ ኣየድልየካን እዩ። ዜሐዝን ጸብጻባት ዜና ብብዝሒ ትርኢ፡ ተንብብ፡ ትሰምዕ እንተ ዄንካ፡ ፍርህኻ ኣመና ይውስኽ፡ ተስፋ ኸኣ ትቘርጽ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።”—ምሳሌ 17:22።

    “ኣብ ኢንተርነት ብቐጻሊ ሓድሽን ዜሰንብድን ዜና ትርኢ እንተ ዄንካ፡ ብቐሊሉ እዩ ወልፊ ዚሕዘካ። እዚ ኸኣ ጐዳኢ ልማድ እዩ። ንዝሰምዖ ዜና ገደብ ምስ ገበርኩሉ ግና፡ ጭንቀተይ ነክዩ እዩ።”—ጆን።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓድሽ ዜና በብእዋኑ ኽትረክብ ብሓቂ የድልየካ ድዩ፧

  • ሰዓት።

    ኣብ ስሩዕ መደባትካ ጽናዕ። ኣብ ሰዓትካ ኻብ ድቃስካ ተንስእ፡ ኣብ ግዜኻ ተመገብ፡ ዕዮ ገዛኻ ስራሕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ዝመደብካዮ ሰዓት ደቅስ። ነቲ ስሩዕ መደብካ ትስዕቦ እንተ ዄንካ፡ እተረጋግአ ህይወት ኺህልወካን ጭንቀትካ ኽትንክን ይሕግዘካ እዩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

    “ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ፡ ነቲ ዝነበረኒ ስሩዕ መደባት ፈጺመ እየ ረሲዐዮ። ዝበዝሕ ግዜይ ኣብ መዘናግዒ እየ ዜሕልፎ ነይረ። ንግዜይ ብዝበለጸ ኽጥቀመሉ ስለ ዝደለኹ፡ ነቲ መዓልታዊ ዝገብሮ ንጥፈታተይ መደብ ገይረሉ።”—ጆሴፍ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ፡ ጽቡቕ ዕዮ ዝዓመምካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ዚገብር ስሩዕ መደብ ኣሎካ ድዩ፧

  • ሕጉስ ገጽ።

    ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር። ኣብ ዝሓለፈ ብዝገበርካዮ ነገር፡ ‘ብኻ ኸምዚ ገይረ’ ኢልካ ትጠዓስ እንተ ዄንካ፡ ወይ ድማ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ኼጋጥም ዚኽእል ሕማቕ ነገራት ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ዝያዳ ኸም እትጭነቕ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ብዛዕባ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኸተማስወሉ እትኽእል ነገራት ሕሰብ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ . . . ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15።

    “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ኣእምሮይ ብኣሉታዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ብኣወንታዊ ነገራት ኪመልኦ ይሕግዘኒ እዩ። እዚ ዜሰልኪ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ውጽኢታዊ እዩ።”—ሊሳ።

    ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ፦ ወትሩ፡ ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ነገራት ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብቲ ዜጋጥመካ ሕማቕ ነገራት ዲኻ እተተኵር፧

  • ህያብ።

    ብዛዕባ ኻልኦት ሕሰብ። ክትጭነቕ ከሎኻ፡ ኣብ ክንዲ ንበይንኻ እትኸውን፡ ንኻልኦት እትሕግዘሉ መገዲ ኣናዲ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።

    “ንኻልኦት ምሕጋዝ የሐጕሰኒ እዩ። ንዓታቶም ዜሐጕስ ነገር ክገብር ከለኹ ጭንቀተይ ይንኪ እዩ። ግደ ሓቂ፡ ዝበዝሐ ግዜይ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ስለ ዘሕልፎ፡ ንጭንቀት ዚኸውን ግዜ የብለይን።”—ማሪያ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካብ እትፈልጦም ሰባት ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮም እንተ ኣልዮም፡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

  • ልቢ።

    ጥዕናኻ ሓሉ። እኹል ምውስዋስ ኣካላትን ግቡእ ዕረፍትን ግበር። ጥዑይ ኣመጋግባ ይሃሉኻ። ኣካላዊ ጥዕናኻ ምስ እትሕሉ፡ ንህይወት ዘሎካ ኣረኣእያ ይመሓየሽ፡ ጭንቀትካ እውን ይንኪ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ኣካላዊ ስልጠና ይጠቅም እዩ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:8።

    “ኣነን ወደይን ከምቲ ዚድለ ደገ ወጺእና ኽንንቀሳቐስ ስለ ዘይንኽእል፡ ኣብ ገዛ እንገብሮ ምውስዋስ ኣካላት ክፍሊ መዓልታዊ ንጥፈታትና ጌርናዮ ኢና። እዚ ኸኣ ሕጉሳት ክንከውንን ኣብ ንሓድሕድና ለውሃትን ዓቕልን ከነርኢ ሓጊዙና እዩ።”—ካትሪን።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጥዕናኻ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ኣብ ኣመጋግባኻን ኣካላዊ ምንቅስቓሳትካን ምምሕያሽ ክትገብር የድልየካ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ብዘይካ እቲ ጭንቀት ንምንካይ ዚሕግዝ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ምውዓሎም፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ዜተኣማምን ተስፋ ምፍላጦም ጠቒምዎም እዩ። “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንጭንቀት ዚምልከት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

መዝሙር 55:22፦ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።”a

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጾርና፡ እንተላይ ጭንቀትና ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክንድርቢ ንኽእል ኢና። ጸሎት፡ ምስቲ ደጋፊናን ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ዜጸናንዓናን’ ፈጣሪና፡ እንዘራረበሉ ናይ ሓቂ መገዲ እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

ምሳሌ 12:25፡ እግረ ጽሑፍ፦ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይጸቕጦ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።”

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኬተባብዑኻን ግብራዊ ሓገዝ ኪህቡኻን ንዚኽእሉ ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ፈተውትኻ ስምዒትካ ግለጸሎም።

ማቴዎስ 6:27፦ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧”

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኵሉ ግዜ ምጭናቕ ፋይዳ የብሉን። ንዅነታትካ ኼመሓይሾ ወይ መፍትሒ ኼምጽኣልካ ኣይክእልን እዩ።

ማቴዎስ 6:31, 32፦ “‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።”

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ፡ ምግቢ፡ ክዳን፡ መዕቘቢ ኸም ዜድልየና ኻባና ንላዕሊ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ