ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 23
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 23
A Paradise scene

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ተኪኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14) ክትገዝእ ምስ ጀመረት ከኣ፦

  • ንዅሎም እቶም ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ዚጐድኡና እኩያት ሰባት ከተጥፍኦም እያ። “እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ . . . እዮም።”—ምሳሌ 2:22።

  • ንዅሉ ውግእ ደው ከተብሎ እያ። ኣምላኽ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:9።

  • ኣብ ምድሪ፡ ሃብትን ድሕንነትን ከም ዚሰፍን ክትገብር እያ። “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ሚክያስ 4:4።

  • ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1።

  • ኵሉ ሰብ፡ ትርጉም ዘለዎን ዜሐጕስን ስራሕ ከም ዚህልዎ ክትገብር እያ። “ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም። ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21-23።

  • ሕማም ከተጥፍእ እያ። “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24።

  • ካብ እርጋን ክትገላግለና እያ። “ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣ ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ” ይብል።—እዮብ 33:25።

  • ንምዉታት ከተተንስኦም እያ። “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ . . . ትመጽእ ኣላ።”—ዮሃንስ 5:28, 29።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ