2 ሳሙኤል ትሕዝቶ 1 ዳዊት ብዛዕባ ሞት ሳኦል ሰምዐ (1-16) ዳዊት ንሳኦልን ንዮናታንን ዘልቀሰሎም ልቕሶ (17-27) 2 ዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ (1-7) ኢሽ-ቦሸት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (8-11) ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ቤት ሳኦልን እተገብረ ውግእ (12-32) 3 ቤት ዳዊት እናበርትዐት ከደት (1) ደቂ ዳዊት (2-5) ኣብኔር ናብ ዳዊት ከደ (6-21) ዮኣብ ንኣብኔር ቀተሎ (22-30) ዳዊት ንኣብኔር ሓዘነሉ (31-39) 4 ኢሽ-ቦሸት ተቐትለ (1-8) ዳዊት ነቶም ቀተልቲ ኣቕተሎም (9-12) 5 ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅላ እስራኤል ነገሰ (1-5) የሩሳሌም ተታሕዘት (6-16) ጽዮን፡ ከተማ ዳዊት (7) ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም (17-25) 6 ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ኣደየብዎ (1-23) ዑዛ ነቲ ታቦት ሓዞ እሞ ተቐዝፈ (6-8) ሚካል ንዳዊት ነዓቐቶ (16, 20-23) 7 ዳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይሃንጽ ተነግሮ (1-7) ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን መንግስቲ (8-17) ዳዊት ዘቕረቦ ጸሎት ምስጋና (18-29) 8 ዓወታት ዳዊት (1-14) ምምሕዳር ዳዊት (15-18) 9 ዳዊት ንመፊቦሸት ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (1-13) 10 ኣብ ልዕሊ ዓሞንን ሶርያን እተረኽበ ዓወታት (1-19) 11 ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት (1-13) ዳዊት ንኡርያ ኣቕተሎ (14-25) ዳዊት ንባትሴባ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ (26, 27) 12 ናታን ንዳዊት ገንሖ (1-15ሀ) ባትሴባ ዝወለደቶ ወዲ ሞተ (15ለ-23) ባትሴባ ንሰሎሞን ወለደት (24, 25) ራባ ኸተማ ደቂ ዓሞን ተታሕዘት (26-31) 13 ኣምኖን ንታማር ዓመጻ (1-22) ኣቤሴሎም ንኣምኖን ቀተሎ (23-33) ኣቤሴሎም ናብ ጌሹር ሃደመ (34-39) 14 ዮኣብን እታ ተቆዓዊት ሰበይትን (1-17) ዳዊት ንሓሳብ ዮኣብ ፈለጦ (18-20) ኣቤሴሎም ኪምለስ ተፈቕደሉ (21-33) 15 ውዲትን ዕልወትን ኣቤሴሎም (1-12) ዳዊት ካብ የሩሳሌም ሃደመ (13-30) ኣሒቶፌል ምስ ኣቤሴሎም ሓበረ (31) ሑሻይ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኬፍሽል ተላእከ (32-37) 16 ጺባ ንመፊቦሸት ሓመዮ (1-4) ሺምዒ ንዳዊት ረገሞ (5-14) ኣቤሴሎም ንሑሻይ ተቐበሎ (15-19) ምኽሪ ኣሒቶፌል (20-23) 17 ሑሻይ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኣፍሸሎ (1-14) ንዳዊት መጠንቀቕታ ተዋህቦ፣ ካብ ኣቤሴሎም ኣምለጠ (15-29) ባርዚላይን ካልኦትን እኽለ ማይ ኣምጽኡ (27-29) 18 ኣቤሴሎም ተሳዕረን ሞተን (1-18) ዳዊት ብዛዕባ ሞት ኣቤሴሎም ተነግሮ (19-33) 19 ዳዊት ንኣቤሴሎም ሓዘነሉ (1-4) ዮኣብ ንዳዊት ገንሖ (5-8ሀ) ዳዊት ናብ የሩሳሌም ተመልሰ (8ለ-15) ሺምዒ ይቕረታ ሓተተ (16-23) መፊቦሸት ንጹህ ምዃኑ ተረጋገጸ (24-30) ንጉስ ንባርዚላይ ኣኽበሮ (31-40) ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት እተላዕለ ኽትዕ (41-43) 20 ዕልወት ሸባ፣ ዮኣብ ንዓማሳ ቐተሎ (1-13) ሸባ ተሰጕጐን ርእሱ ተቘርጸን (14-22) ምምሕዳር ዳዊት (23-26) 21 ጊብዖናውያን ኣብ ልዕሊ ቤት ሳኦል ሕነኦም ፈደዩ (1-14) ምስ ፍልስጥኤማውያን እተገብረ ውግኣት (15-22) 22 ዳዊት ንኣምላኽ ስለቲ ግብርታት ድሕነቱ ወደሶ (1-51) ‘የሆዋ ኸውሐይ እዩ’ (2) የሆዋ ንእሙናት እሙን እዩ (26) 23 መወዳእታ ዘረባ ዳዊት (1-7) ጅግንነት ጀጋኑ ዳዊት (8-39) 24 ዳዊት ንህዝቢ ብምቝጻሩ ዝፈጸሞ ሓጢኣት (1-14) ብለበዳ 70,000 ሞቱ (15-17) ዳዊት መሰውኢ ሰርሐ (18-25) ‘ዋጋ ዘይተኸፍለሉ መስዋእቲ ኣየቕርብን’ (24)