መክብብ ትሕዝቶ 1 ኵሉ ኸንቱ እዩ (1-11) ምድሪ ንዘለኣለም ትነብር (4) ተፈጥሮኣዊ ዑደት ይቕጽል (5-7) ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር የልቦን (9) ጥበብ ሰብ ድሩት እዩ (12-18) ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ (14) 2 ዕዮን ጻዕርን ሰሎሞን ተገምገመ (1-11) ተዛማዲ ዋጋ ጥበብ ሰብ (12-16) ከንቱነት ጻዕሪ (17-23) ብላዕን ስተን ብጻዕርኻ ተሓጐስን (24-26) 3 ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ (1-8) ብህይወት ምንባር፡ ውህበት ኣምላኽ እዩ (9-15) ዘለኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሎ (11) ኣምላኽ ንዅሉ ብፍትሒ ይፈርድ (16, 17) ሰባት ኰኑ እንስሳታት ይሞቱ (18-22) ኵላቶም ናብ ሓመድ ይምለሱ (20) 4 ጭቈና ኻብ ሞት ይገድድ (1-3) ሚዛናዊ ርእይቶ ዕዮ (4-6) ኣገዳስነት ፈታዊ (7-12) ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ (9) ህይወት ገዛኢ ኸንቱ ኪኸውን ይኽእል (13-16) 5 ግቡእ ፍርሃት ኣሕዲርካ ናብ ኣምላኽ ቅረብ (1-7) ታሕተዎት ብላዕለዎት ይጥመቱ (8, 9) ከንቱነት ሃብቲ (10-20) ፈተውቲ ገንዘብ ከቶ ኣይጸግቡን (10) ድቃስ ዓያዪ ጥዑም እዩ (12) 6 ጥሪት ብዘይ ሓጐስ (1-6) ብዘሎካ ተሓጐስ (7-12) 7 ጽቡቕ ስምን መዓልቲ ሞትን (1-4) መግናሕቲ ጥበበኛ (5-7) ካብ መጀመርታስ መወዳእታ ይሓይሽ (8-10) ጥቕሚ ጥበብ (11, 12) ሰናይ መዓልትን ሕማቕ መዓልትን (13-15) እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ እኩይ ኣይትኹን (16-22) ትዕዝብትታት እቲ ኣካቢ (23-29) 8 ኣብ ትሕቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ገዛኢ (1-17) ትእዛዛት ንጉስ ሓሉ (2-4) ግዝኣት ሰብ ጐዳኢ እዩ (9) ፍርዲ ቐልጢፉ ምስ ዘይፍጸም (11) ብላዕ፡ ስተ፡ ተሓጐስ (15) 9 ኵሎም ሕደ መወዳእታ ኣለዎም (1-3) ሞት እኳ እንተሎ፡ ብህይወት ተሓጐስ (4-12) ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን (5) ኣብ መቓብር ንጥፈታት የልቦን (10) ግዜን ኣጋጣምን (11) ጥበብ ወትሩ ኣኽቢርካ ኣይትርአን (13-18) 10 ንእሽቶ ዕሽነት ንጥበብ ይዕብልላ (1) ዘይብቑዕ ምዃን ዘለዎ ሓደጋታት (2-11) ዜሕዝን ኵነታት ዓሻ (12-15) ኣብ መንጎ ገዛእቲ ዘሎ ዕሽነት (16-20) ዑፍ ንቓላትካ ኽትደግሞ ትኽእል እያ (20) 11 ንእትረኽቦ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ (1-8) ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ (1) ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ዝራእ (6) ሓላፍነት እናተሰምዓካ ብንእስነትካ ተሓጐስ (9, 10) 12 እርጋን ከይመጸ ንፈጣሪኻ ዘክሮ (1-8) እቲ ኣካቢ ዝበጽሖ መደምደምታ (9-14) ቃላት ጥበበኛታት ከም በሊሕ በትሪ (11) ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ (13)