ሚልክያስ ትሕዝቶ 1 የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ (1-5) ካህናት ጕድለት ዘለዎ መስዋእቲ የቕርቡ (6-14) ስም ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ (11) 2 እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ኣይምሃርዎን (1-9) ከናፍር ካህናት ፍልጠት ኪሕሉ ይግባእ (7) እቶም ህዝቢ ዘይግቡእ ፍትሕ ብምግባር በደሉ (10-17) “‘ኣነስ ፍትሕ እጸልእ እየ’ ይብል የሆዋ” (16) 3 እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ንቤተ መቕደሱ ኼጽርያ ይመጽእ (1-5) ልኡኽ እቲ ኺዳን (1) ናብ የሆዋ ኺምለሱ እተዋህበ መተባብዒ (6-12) የሆዋ ኣይልወጥን እዩ (6) “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” (7) ‘ብዘሎ ዕሽር ኣምጽኡ፣ የሆዋ ድማ በረኸት ኬፍስሰልኩም እዩ’ (10) ጻድቕን እኩይን (13-18) መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተጻሕፈ (16) ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን ዘሎ ፍልልይ (18) 4 መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡ ኤልያስ ይመጽእ (1-6) ‘ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቕ እያ’ (2)