ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/13 ገጽ 14-15
  • ሮበርት ቦይል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሮበርት ቦይል
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ስነ ፍልጠት ሰብ
  • ናይ እምነት ሰብ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
  • መጽሓፍ ቅዱስ በዴል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዝወሰድክዎ እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 3/13 ገጽ 14-15

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ሮበርት ቦይል

ናይ ታሪኽ ምሁራት ንሮበርት ቦይል ዚዝክርዎ፡ በቲ ኣብ ስሙ ተመርኲሱ ዘውጸኦ፡ ጸቕጥን ቅጽን ጋዛት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ዚገልጽ “ሕጊ ቦይል” ዚብሃል ባህርያዊ ሕጊ እዩ። እዚ ርኽበት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ማእለያ ዘይብሉ ስነ ፍልጠታዊ ዕቤት መሰረት ኰይንዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሮበርት ቦይል ክኢላ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እውን ዓባይ እምነት ነይራቶ እያ።

ቦይል ብ1627 ካብ ሃብታማት ስድራ ቤት ኣብ ሊዝሞር ካስል፡ ኣይርላንድ እዩ ተወሊዱ። እቲ እተወልደሉ እዋን፡ እቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ “መዋእል ርትዒ” ኢሎም ዚጽውዕዎ እዋን እዩ ነይሩ፣ እዚ እዋን እዚ፡ ኣስተውዓልቲ ሰባት ንደቂ ሰብ ካብቲ ንነዊሕ ዘመናት ጨቊንዎም ዝነበረ ዘይቅኑዕ እምነታት ናጻ ኺገብርዎም ዝጸዓሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቦይል እውን ከምኡ ናይ ምግባር ሸቶ እዩ ነይርዎ። ኣብቲ ብዛዕባ ህይወቱ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፡ ንገዛእ ርእሱ “ፊላረቱስ፡” ማለት “ፈታው ንጽህና” ኢሉ ይጽውዓ ነበረ።

ቦይል ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጥ ዝነበሮ ባህጊ፡ ምስቲ ብዛዕባ እቲ ዝፈለጦ ነገራት ንኻልኦት ኬካፍል ዝነበሮ ባህጊ ማዕረ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ጽሑፋት እዩ ጽሒፉ፣ እቲ ጽሑፋቱ ድማ ንብዙሓት ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ እንተላይ ነቲ ህቡብ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ዝነበረ ሰር ኣይዛክ ኒውተን ጸልይዎም እዩ። ብ1660 ቦይል ሓደ ኻብቶም መስረትቲ ሮያል ሶሳይቲ ዀነ፣ እዚ ትካል ምርምር ስነ ፍልጠት እዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ይዓዪ ኣሎ።

ናይ ስነ ፍልጠት ሰብ

ቦይል ኣቦ ኬሚስትሪ ኸም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣልከመኛታት ወይ ፈላስፋታት ስነ ቕመም ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ንሳቶም ነቲ ዝረኸብዎ ርኽበት ይሓብእዎ ወይ ከኣ ካብ ጕጅለኦም ወጻኢ ዘሎ ሰብ ኪርድኦ ብዘይክእል መገዲ ይጽሕፍዎ ነበሩ። ቦይል ግና፡ ንዅሉ ስራሑ ብግህዶ የሕትሞ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዚእመነሉ ዝነበረ ኽልሰ ሓሳብ ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ክንዲ ዚቕበሎ፡ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ነገራት ንምርግጋጽ ስነ ፍልጠታዊ ፈተነ ኺግበር ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ።

እቲ ቦይል ዝገበሮ ስነ ፍልጠታዊ ፈተነ፡ ነገር ብኮርፓስልስ፡ ማለት ብንጥረ ነገር ከም ዝቘመ ንዚገልጽ ሓሳብ ዚድግፍ እዩ ነይሩ፣ እዚ ንጥረ ነገር እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ኺተሓዋወስ ከሎ ድማ፡ እተፈላለየ ውሁድ ይፈጥር።

ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ቦይል፡ ኣብታ ዘ ስኬፕቲካል ኬሚስት ዘርእስታ ንሱ ዝጸሓፋ ህብብቲ መጽሓፍ ብግቡእ ተገሊጹ ኣሎ። ቦይል ኣብታ መጽሓፍ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ትዕቢተኛታት ኪዀኑ ወይ ከኣ ደረቕ ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዘይግባእ፡ የግዳስ ጌጋኦም ንምቕባል ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ገለጸ። ብዘይካዚ፡ እቶም ጽኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዚፈልጥዎ ነገራትን ነቲ ናይ ሓቂ ዚመስሎም ነገራትን ፈልዮም ኬለልይዎ ኸም ዘለዎም ኣጕሊሑ ነበረ።

ቦይል፡ እቶም ጽኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዚፈልጥዎ ነገራትን ነቲ ናይ ሓቂ ዚመስሎም ነገራትን ፈልዮም ኬለልይዎ ኸም ዘለዎም ኣጕሊሑ ነበረ

ናይ እምነት ሰብ

ቦይል ምስ መንፈሳዊ ነገራት ብዝተሓሓዘ እውን፡ ኣብቲ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዚኣምነሉ ነገራት ይምርኰስ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ዩኒቨርስን ብዛዕባ እቶም ዜደንቑ ህያዋን ፍጥረታትን ዝፈለጦ ነገራት፡ ነዳፍን ፈጣርን ከም ዘሎ ኣእመኖ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ምሁራት ሰባት እናኣስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ኢዝሄርነት ነጸጎ። ‘ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ዚጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብኣምላኽ ይኣምን እዩ’ ኢሉ ድማ ደምደመ።

ይኹን እምበር፡ ቦይል፡ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ጥራይ ናብ ናይ ሓቂ ፍልጠት ከም ዘይመርሕ ይፈልጥ ነበረ። ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ራእይ ከም ዜድልየና ኸኣ ይግንዘብ ነበረ። ባዕሉ ኸም ዝገለጾ ድማ፡ እቲ ራእይ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ንትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥዎ ምዃኖምን ሃይማኖታዊ እምነቶም ድልዱል መሰረት ዘይብሉ ምዃኑን፡ ንቦይል የጨንቖ ነበረ። ‘ሃይማኖታዊ እምነት ሓደ ሰብ፡ ኣብቲ ወለዱ ዚኣምኑሉ ነገራት ወይ ከኣ ኣብቲ እተወልደሉ ሃገር ጥራይ ዚምርኰስ ከመይ ኢሉ እዩ፧’ ኢሉ ይሓትት ነበረ። ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቚ ፍልጠት ኪህልዎም ናይ ምሕጋዝ ሓያል ባህጊ ድማ ኣሕደረ።

ቦይል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ምእንቲ ኺሕተም፡ ገንዘባዊ ደገፍ ይገብር ነበረ። ገለ ኻብቲ ቛንቋታት፡ ቋንቋ ደቀባት ሰሜን ኣመሪካን ዓረብኛን ኣይርላንድኛን ቋንቋ ማለዥያን ቱርክኛን ይርከቦ። ብሓቂ እምበኣር፡ ሮበርት ቦይል፡ ኣብ ኵሉ ዓውድታት እቲ ሓቂ ናይ ምፍላጥን ካልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ናይ ምሕጋዝን ሓያል ባህጊ ዝነበሮ ኽኢላ ግናኸ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ።

ሓጺር ሓበሬታ፦

  • ብ1627 ኣብ ኣይርላንድ ተወሊዱ።

  • ኣቦ ኬሚስትሪ ተባሂሉ ይፍለጥ እዩ።

  • ስነ ፍልጠታዊ ፈተነ ብኸመይ ከም ዚካየድ ዚገልጽ ሜላታት ኣብ ጽሑፍ ዘስፈረ ናይ መጀመርታ ህቡብ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት እዩ።

  • ጽሑፋቱ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ሰር ኣይዛክ ኒውተን ዝስሙ መንእሰይ ጸልይዎ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ንኺትርጐም ደገፍ ገይሩ እዩ።

  • ብ1691 ወዲ 64 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሞይቱ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርላንድኛ

ጕጅለ ምሁራት ካብ 1573 ኣትሒዞም ንኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣይርላንድኛ ኺትርጕምዎ ኸም ዝጀመሩ፡ ሮበርት ቦይል ይፈልጥ ነበረ። እቶም ምሁራት ብ1602 ነቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብኣይርላንድኛ ኣሕተምዎ። ጸኒሑ ብ1640 ድማ፡ እቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተተርጒሙ ተወድአ። ይኹን እምበር፡ እዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣይተሓትመን፣ ኰይኑ ግና፡ ቦይል ብዝገበሮ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ብ1685 ተሓትመ። እቲ ዜገርም፡ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ ብኣይርላንድኛ ኣይተተርጐመን። እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተተሓሒዙ ዚሕተም ግናኸ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ ጽሑፋት እዩ። ቦይል ግና ፈታው ሓቂ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ሓሶት መጻሕፍቲ ኼሕትሞ ኣይደለየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ