ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/13 ገጽ 12-13
  • ናብ ፓናማ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ፓናማ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2013
g 6/13 ገጽ 12-13

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ፓናማ እተገብረ ምብጻሕ

ፓናማ በቲ ንኣትላንቲክን ንፓሲፊክን ውቅያኖስ ዜራኽብ መትረብ እያ ብዝያዳ እትፍለጥ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ንዚነብሩ ሰባት እውን ተራኽቦም እያ። እተፈላለየ ዓሌትን ባህልን ዘለዎም ሰባት እዮም ዚነብሩላ። መብዛሕትኦም እቶም ተቐማጦ፡ ደቀባት ምስ ኤውሮጳውያን ተዋሲቦም ዝወለድዎም እዮም።

ትፈልጥዶ፧ እቲ ወርቃዊ ዝሕብሩ እንቍርዖብ ፓናማ (ኣቴሎፑስ ዘተኪ)፡ መጻምድቲ ንእትዀኖ ንምስሓብን ንጸላእቱ ንምፍርራህን ንመሓውሩ ልክዕ ከም ሰላምታ ዚህብ ዘሎ የወዛውዞ

ብ1501 ስጳኛውያን ዳህሰስቲ ናብ ፓናማ ምስ መጹ፡ ሓያሎ ደቀባት ረኸቡ፣ ገለ ኻባታቶም ሎሚ እውን ኣለዉ። ነቶም ጉና (ቀደም ኩና ዚብሃሉ ዝነበሩ) ደቀባት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ብዙሓት ኣባላት እዞም ደቀባት እዚኦም፡ ኣብተን ሳን ብላስ ዚብሃላ እኩባት ደሴታትን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ፓናማን ኮሎምብያን ዚርከብ ገማግም ፓሲፊክ ውቅያኖስን እዮም ዚነብሩ። ኣብኡ ኸኣ እናሃደኑን ብታንኳ ገይሮም ዓሳ እናገፈፉን ምግቢ ዚዀኖም እናብቈሉን እዮም ዚናበሩ።

ኣብ ማሕበረ ሰብ ጉና፡ ሓደ ሰብኣይ ኪምርዖ ኸሎ፡ ምስ እንዳ ኣሕሙኡን ምስ ኣዝማድ ሰበይቱን ይነብር፣ ንዓታቶም ከኣ የገልግሎም። ድሕሪ ግዜ፡ ሰበይቱ ጓል እንተ ወሊዳ፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ኻብ እንዳ ኣሕሙኡ ብምፍላይ ናብራኡ ይምስርት።

ኣብ ፓናማ 300 ዚዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ኣኼባታት ድማ ብስጳንኛን ብቛንቋ ምልክት ፓናማን ብቻይንኛን ብኖበሬን ብእንግሊዝኛን ብክሪዮል ሀይቲን ብጉናን ብጉጃራቲን እዩ ዚምራሕ።

ሓጺር ሓበሬታ ብዝሒ

  • ህዝቢ፦ 3,629,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ከተማ ፓናማ

  • ወግዓዊ ቛንቋ፦ ስጳንኛ

  • መንግስቲ፦ ብዲሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ

  • ዚምራሕ ክሊማ፦ ትሮፒካዊ

  • መሬት፦ ብኣእዋም እተሸፈነ ዝሑል ኣኽራንን ምድረ ሳዕርን ዝናምን ጠልን ዝበዝሖ ቦታታትን። ኣብ ወሰና ወሰን ክልቲኡ ገማግም፡ ልዕሊ 1,600 ዚዀና እተረሓሓቓ ደሴታት ኣለዋ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ