ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/14 ገጽ 14-15
  • ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2014
g 1/14 ገጽ 14-15
ገማግም ኢጣልያ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ኢጣልያ

ኢጣልያ፡ ካብ ነዊሕ ገምገም ባሕሪ ኽሳዕ እቲ ሓባጥ ጐባጥ ዝዀነ ሰንሰለት ኣኽራን፡ ካብቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ኣዝዩ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ክሳዕ እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኣብ ኣዕጽምቲ ዚኣቱ ቝሪ እተጠቓልል ሃገር እያ። እሳተ ጐመራ ዚበዝሓ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ብዘይካ ደሴት ስትሮምቦሊን ከረን ኢትናን፡ ንጡፍ እሳተ ጐመራ ሒደት እዩ።

ኢጣልያ ሓንቲ ኻብተን ብዙሓት ተቐማጦ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳ እያ። ኣዕራብን ቢዛንትዩማውያንን ግሪኻውያንን ደቂ ኖርማንዲን ፊንቄኣውያንን ዚርከብዎም ብዙሓት ህዝቢ ብእኣ ሓሊፎም እዮም።

በጻሕቲ ዓዲ በታ ጎንዶላ እትብሃል ጃልባ ገይሮም ይጓዓዙ

በጻሕቲ ዓዲ በታ ጎንዶላ እትብሃል ጃልባ ገይሮም ብመትረባት ቨኒስ ይጓዓዙ

ኢጣልያ ብታሪኽን ብስነ ጥበብን ሃብታም እያ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢጣልያ፡ ፍርስራስ እቲ ብጥንታውያን ግሪኻውያንን ሮማውያንን እተሰርሐ ፍልይ ዝበለ ህንጻታትን ብግዜ ተሃድሶ ዝነበረ ስራሓት ስነ ህንጻን ይርአ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኸም እኒ በርኒኒን ሚካኤልኣንጀሎን ራፋኤልን ዜዘክረካ ቕብኣታትን ሓወልትታት እምነ በረድን ማይ ጃሕጃሕን ኣሎ።

ቀንዲ ኽፋል መዓልታዊ ንጥፈታት ኢጣልያውያን፡ ምግቢ እዩ፣ ምስ ምግቢ ዚተሓሓዝ ብዙሕ ልማዳት ድማ ኣለዎም። ቀንዲ ምግቦም ፓስታ ዀይኑ፡ ድሕሪኡ ስጋ ወይ ዓሳ ምስ ኣትክልቲ ገይሮም ይበልዑ። ዘይቲ ኣውሊዕ ብብዝሒ ስለ ዚፈሪ፡ ኣዘውቲሮም ይጥቀሙሉ እዮም። ፒሳን ሪሶቶ ዚብሃል ምግብን እውን ኣዝዩ ህቡብ ምግቢ ኢጣልያውያን እዩ።

ፓስታ

ፓስታ ቐንዲ ምግቢ ኢጣልያውያን እዩ

ኢጣልያውያን ፍሽሑዋትን ተቐበልቲ ጋሻን ወኻዕታ ዚፈትዉን እዮም። ምስ ካልኦት ምዕላል ስለ ዚፈትዉ፡ ኣብ ኣደባባያት ኬዕልሉ ወይ ከኣ ብእግሮም እናኸዱ ወጃዕ ኪብሉ ምርኣይ እተለምደ እዩ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኢጣልያ፡ ሰዓብቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ከም ዝዀኑ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ ክርስትያን ዚኸዱ ግና ሒደት እዮም። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ህዝቢ ዘለዋ ተሰማዕነት ኣመና ደኺሙ እዩ፣ እቶም ሰዓብቲ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዚስዓብ ዝነበረ ምስ ምንጻል ጥንስን ፍትሕን ዚተሓሓዝ ሕግታት ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ።

ቍጽሪ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይውስኽ እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃርን በቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታት ኪነብሩ ብምጽዓርን እዮም ዚፍለጡ። ኣብ ምልእቲ ሃገር፡ ልዕሊ 3,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ፣ መብዛሕትአን ድማ ነቶም ጥልያንኛ ዘይዛረቡ ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግራኦም እየን ዚጽዕራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ስደተኛታት ብሰለስተ ዕጽፊ ስለ ዝወሰኸ፡ ብቛንቋታት ወጻኢ ዚውሃብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ።

ሰንሰለታዊ ኣኽራን ዶሎማይት

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ ዚርከብ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ዶሎማይት

ትፈልጥዶ፧

ቫቲካን ኣብ ሮማ እትርከብ ከተማ እኳ እንተ ዀነት፡ ካብ 1929 ንነጀው ርእሳ ዝኸኣለት ናጻ ሃገር ኰይና እያ፣ ስለዚ፡ ዜጋታት ኢጣልያ ንኸተማ ቫቲካን ከም ወጻኢ ሃገር ገይሮም እዮም ዚርእይዋ

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 61,000,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ሮማ

  • ኵነታት ኣየር፦ በቲ መዲተራነያን ዚርከበሉ ደቡባዊ ሸነኽ፡ ልኡም ቈራሪ ወቕቲ ዘለዎን ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ምዉቕ ወቕቲ ዘለዎን እዩ፣ ኣብቲ ኣኽራን ዚበዝሖ ሰሜናዊ ሸነኽ ግና፡ ኣዝዩ ቘራሪ እዩ

  • መሬት፦ መብዛሕትኡ ኣኽራን ዚበዝሖ ዀይኑ፡ ኣስታት 7,500 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ