ሚልዮናት ይሳቐያ ኣለዋ ሓገዝ ኪረኽባ ይኽእላዶ፧
ሓይሊ እንተ ዚህልወካ፡ ንመከራ ደቂ ሰብ መጥፋእካዮዶ፧ ብርግጽ ከምኡ ምገበርካ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ስቓይን መሪር ጓህን ንኼጥፍኦ ዜኽእሎ ዓቕሚ የብሉን።
ይኹን እምበር፡ ንገሊኡ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዜጋጥም መከራ ኽትንክዮ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ክትዓግቶ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰሪ ሓደ ድሑርን ሱር ዝሰደደን ልምዲ፡ ብዙሕ ስቓይን መከራን የጋጥመን ኣሎ። ብመሰረት እቲ ልምዲ፡ ወለዲ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ እተወሰነ ኽፋል ወይ መብዛሕትኡ ኽፋል ብልዕቲ ኣዋልድ ደቆም ከም ዚቝረጽ ይገብሩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ።a ሕጂ ግና መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ምቝራጽ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ተግባር ብልክዕ እዩ ዚገልጾ።
ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚገልጽ ጸብጻብ ሆስከን ሪፖርት ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ኸባቢታትን ኣብ ካልእ ምስኡ ዚዋሰን ቦታታትን፡ እቲ ተግባር ልሙድ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚፍጸም ኣመና ዜሳቒ ምቝራጽ ብልዕቲ፡ ጸገማት ጥዕና ኼስዕብ ይኽእል እዩ፣ ንህይወት እውን እንተ ዀነ ኣስጋኢ እዩ።
ድምጸን የስምዓ ኣለዋ
ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ተቢዕካ ምዝራብ ቀሊል ኣይኰነን። እታ ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸቶ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ “ኽሳዕ ሕጂ ብምስጢር እዩ ዚተሓዝ። ነቲ ተግባር ኬቋርጽዎ ዚደልዩ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ፡ ኣንጻሩ ኺዛረቡ ኣጸጋሚ፡ ሓድሓደ ሳዕ እውን ሓደገኛ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም መብዛሕትኡ እዋን፡ ከም ጸረ ባህሊ፡ ጸረ ስድራ ቤት፡ ጸረ ሃይማኖት፡ ጸረ ሃገር፡ ወይ ከኣ ንህዝቦምን ባህሎምን ከም ዝነጸጉ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ።”
እታ ጋዜጣ ኣስዕብ ኣቢላ ኸም ዝሓበረቶ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ “‘ጕድኣት ዘይብሉ ባህላዊ ልምዲ’ ዘይኰነስ፡ ንኣንስትን ንንኣሽቱ ኣዋልድን ኣብ ሰብነተን ነባሪ ጕድኣት ኬውርደለን፡ ሞት እውን ከይተረፈ ኼስዕበለን ዚኽእል ልምዲ እዩ፣ . . . ነቲ ሓንቲ ጓል ዘለዋ ብጥዑይን ብንቡርን መገዲ ናይ ምዕባይ መሰል ዚጥሕስ እዩ።”
ኣብ ብምሉኡ ኣፍሪቃ ዀነ ኣብ መላእ ዓለም፡ ንሰባት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንምምሃር፡ ብዙሓት ሰባት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ንኣዋልድ ገና ኻብ ቍልዕነተን፡ ስቓይን ጕድኣትን እዩ ዜስዕበለን፣ ዋላ ሓንቲ ሕክምናዊ ጥቕሚ እውን የብሉን።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዜውርዶ ነባርን ዜሳቕን ጕድኣት ኰነ ብሰሩ ዚስዕብ ሞት፡ ንሰበ ስልጣን ጥዕናን ንብዙሓት መንግስትታትን ኣሰንቢድዎም እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕልላፍ አይድስ ግደ ኸም ዘለዎ እውን ይንገር እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ካብ ኣፍሪቃን ካብ ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ናብ ኤውሮጳን ናብ ኣውስትራልያን ናብ ካናዳን ይውሕዙ ስለ ዘለዉ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብተን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚርከባ ገሊአን ማእከላት ጥዕና፡ ንጥዕና ህዝቢ ዚምልከት ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ምስ ኣካላዊ፡ ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ከኣ ምስ ስነ ኣእምሮኣዊ ጕድኣት ንዚተሓሓዝ ክንክን ተባሂሉ ዚወጽእ ቀጻሊ ወጻኢታት እውን ሸለል ዚብሃል ኣይኰነን።
ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚኽልክል ሕጊ ወጺኡ እዩ፣ ይወጽእ እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ከም እኒ ሽወደንን ኢጣልያን ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ገበን እዩ። ኣብ ካናዳ እትሕተም ዘ ግሎብ ኤንድ መይል፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ “በቲ ንሓካይም ኦንታርዮ ዜመሓድር ሓጋጊ ኣካል ተኸልኪሉ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ኸም ዝሓበረቶ እውን፡ “ሕጊ ካናዳ ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይጠቐሶ፡ ሰበ ስልጣን ፈደራል ግና ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ከም ህስያ ሕጻናት ወይ ከም ብዓመጻ ዚፍጸም መጥቃዕቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።”
ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመሰላ ሓያሎ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ዜቋርጽ ንምግባር ጽዒረን እየን። ኣብ መስከረም 1990 ግና ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣጋጠመ፣ ንኸም ፕረዚደንት ሰነጋልን ኡጋንዳን ዚምባብወን እውን ሓዊስካ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ኒው ዮርክ ተራኺቦም፡ ውዕል መሰል ሕጻናት ፈረሙ። እዚ ሰነድ እዚ፡ ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ስቓይን ጾታዊ ማህሰይትን ገይሩ ብምግላጽ ይዅንኖ እዩ።
እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ኢኮኖሚስት ከምዚ በለት፦ “ኣብ ኣፍሪቃ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ኻብቲ ንኽትዛረበሉ ዜሕፍር ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ተግባራት እዩ። እቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ማይኖሪቲ ራይትስ ግሩፕ (ጕጅለ መሰል ውሑዳን) ከም ዝሓበሮ፡ . . . ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸራ ኣዋልድ በብዓመቱ ይኽንሸባ እየን።”
ኢኮኖሚስት ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ምኽንሻብ ካብ ደሓን ናብ ኣዝዩ ኸቢድ ቃንዛ እናገደደ እዩ ዚኸይድ፣ ብኻራን ብእተሰብረ ጥርሙዝን ብላማን ጌርካ ድማ ጐዶበን ካልእ ኣካላትን እቲ ብልዕቲ ይቝረጽ፣ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ብዘይ መደንዘዚ እዩ ዚፍጸም። እዚ ኸኣ ምስ ጻግነን ምስ ጾታዊ ርክብን ምስ ሕርስን ዚተሓሓዝ ጸገማት ኬምጽእ፡ ከምኡ እውን ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። . . . ይኹን እምበር፡ ምስ ጾታዊ ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮ ዚተሓሓዝ ማሪታዊ ፍርሂ ስለ ዘሎ፡ ከምኡ እውን [ምኽንሻብ] ንጠባይን ንንጽህናን ጓል ኣንስተይቲ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ብጌጋ ስለ ዚሕሰብ፡ እቲ ተግባር ይቕጽል ኣሎ።”
እቲ ተግባር ይቕጽል ኣሎ
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ዚነብራ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ተኸንሺበን እየን፣ ኰይኑ ግና፡ ብ1947 ዝወጸ ሕጊ እታ ሃገር፡ ንመብዛሕትኡ ኸቢድ ዓይነት ምኽንሻብ ዚኽልክል እዩ ነይሩ። ክሳዕ ሎሚ ግና ይቕጽል ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ቕኑዕ ድራኸ ዘለዎ ሰባት፡ ግጉይ ሓበሬታ ይውሃቦምን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ይንገሮምን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገጠር ዚነብራ ዓበይቲ ኣንስቲ፡ ምኽንሻብ ንኣዋልድ ከም ዚጠቕመን እየን ዚኣምና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጕጅለ መሰል ውሑዳን፡ “ንኣተሓሳስባ እተን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኪቕጽል ከም ዘለዎ ገይረን ዚሓስባ ዓበይቲ ኣንስቲ ምቕያር” ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ፡ ኣብታ ኣብ ናይጀርያ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ተገሊጹ ዘሎ።
ነርሲንግ ታይምስ ዘርእስታ መጽሔት እውን፡ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂባ ኣላ፣ “ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብሓቂ ኽትቃለሰሉ እትኽእል እንኮ መገዲ፡ ብትምህርቲ ኣቢልካ እዩ” በለት። እዛ መጽሔት እዚኣ ጸኒሓ፡ “እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ ዚኽእል፡ ሰባት ብዛዕባኡ ዘለዎም ኣፍልጦ ኸም ዚዓቢ ብምግባር፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ከኣ ብምምሃር እዩ” በለት። ንሰብኡት እውን ምምሃር ስለምንታይ እዩ ኣድልዩ፧ ብዙሓት ሰብኡት፡ ዘይተኸንሸበት ሰበይቲ ኺምርዓዉ ስለ ዘይደልዩ፡ ኣቦታት ንኣዋልዶም ንኬኸንሽቡ ዜድሊ ገንዘብ ይኸፍሉ እዮም።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚቕጽለሉ ዘሎ ኻልእ ምኽንያት፡ ምስ ገንዘብ እተተሓሓዘ እዩ። ዘ ኣመሪካን ጆርናል ኦቭ ነርሲንግ፡ “ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ኣብቲ ተግባር እተዋፈሩ ሰባት ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ ተግባር ንጥቕሞም ዚትንክፍ ስለ ዝዀነ፡ ኪቕጽል እዮም ዚደልይዎ” በለት። ዓበይቲ ኣንስቲ ጥራይ ዘይኰናስ፡ መሕረስትን ቀምቀምቲ ጸጕርን እውን ኣብ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ይካፈሉ እዮም። ኣብ ክሊኒካት ዚሰርሑ ገሊኦም ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን እውን እንተ ዀኑ፡ ነተን ኣዋልድ ጽሬቱ ኻብ ዘይሓለወ ምኽንሻብን ካብቲ ንዕኡ ስዒቡ ኺመጽእ ዚኽእል ሓደጋታትን ስንባደን ምእንቲ ኺሰትርወን ኢሎም፡ ደቂ ኣንስትዮ ይኽንሽቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተግባር ዚፍጽሞ ሰብ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዘይሩ ዘይሩ ምኽንሻብ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።
ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ሕርሲ፡ ብዙሕ ጸገም የጋጥመን እዩ። ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ኢንተርናሽናል ከምዚ በለት፦ “ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሕርሲ ተተሓሒዙ፡ ብዙሕ ስቓይ እዩ ዜጋጥመን። እቲ ድሕሪ ምኽንሻብ ሓውዩ ዝነበረ በሰላ፡ ቅድሚ ሕርሲ ይኽፈት፣ ድሕሪ ሕርሲ ኸኣ እንደገና ይስፈ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ደም ከም ዚፈስስን ጻዕሪ ሕርሲ ኸም ዚናዋሕን ሓንጎል እቲ ዚውለድ ሕጻን ከም ዚጕዳእን ኪገብር ይኽእል እዩ።”
መጽሔት ኒው ሳይንቲስት ከም ዝጸብጸበቶ፡ ብዙሓት “ክእለት ዘይብሎም ሰባት ነቲ ኣብ ደጋዊ ኽፋል ብልዕቲ ጓል ኣንስተይትን ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ጐዶበን ዘሎ ኣርተሪ ስለ ዚቘርጽዎ፡ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብዙሕ ደም ፈሲስወን ይሞታ እየን። ካልኦት ኣዋልድ ከኣ፡ ድሕሪ ምኽንሻብ ብዜጋጥመን ስንባደ ሃለዋተን የጥፍኣ፣ ኰይኑ ግና፡ ናብ ውኖአን ዚመልሰን ሰብ ስለ ዘየለ፡ ወይ ሆስፒታል ኣዝዩ ስለ ዚርሕቀን፡ ወይ ከኣ እቶም ከንሸብቲ በቲ ዝገበርዎ ርኡይ ጌጋ ስለ ዚሓፍሩ፡ ብሰንኩ ኸኣ ሓገዝ ካብ ምሕታት ነግ ፈረግ ስለ ዚብሉ፡ እተን ኣዋልድ ህይወተን ይስእና።”
ይኹን እምበር፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። ብዛዕባኡ ዚገልጽ ጸብጻባት፡ ኣብ ጋዜጣታት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ይወጽእ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትሕተም ጋዜጣ፡ “መብዛሕትአን ግዳያት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕጻናትን ንኣሽቱ ኣዋልድን እየን። ወለዲ ንኣዋልድ ደቆም ዜኸንሽቡ፡ ቅኑዕን ኣገዳስን ኰይኑ ስለ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተግባር ኰነ ሳዕቤኑ፡ ኣመና ዜሳቒ እዩ” በለት። እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ዘ ኢንዲፐንደንት (7 ሓምለ 1992) ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ “ኻብቲ ቕድሚ ሕጂ ዚእመነሉ ዝነበረ ንላዕሊ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ብዝያዳ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።” ኣብ ብሪጣንያ፡ ልዕሊ 10,000 ኣዋልድ፡ “መብዛሕትአን ሸሞንተ ዓመት ወይ ትሕቲኡ ዝዕድሚአን፡ ግዳይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ይዀና እየን።”
ኣብ ሓሶት እተመስረተ ልምዲ
ገሊኦም ሰባት፡ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንጹህ ስለ ዘይኰነ፡ ንዕኡ ብምቝራጽ ኪነጽህ ከም ዘለዎ ንዚገልጽ ሓሶት ይኣምንዎ እዮም። ሰብኡት ጥራይ ጾታዊ ዕግበት ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ብዘይካዚ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንሓንቲ ጓል ፈራዪት ከም ዚገብራን ንኽትምርዖ ዘለዋ ኣጋጣሚ ኸም ዜስፍሓላን እዩ ዚእመን፣ ካብ ጾታዊ ርኽሰት ከም ዜዕቍባ ጌርካ እውን ይሕሰብ እዩ። እቲ ዜገርም ግና፡ መጽሔት ታይም ከም ዝገለጸቶ፡ “ብሰንኪ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚመጽእ ስምዒት ኣልቦነት ወይ መኻንነት፡ ንብዙሓት ሰብኡት ካብ ኣንስቶም ከም ዚርሕቁ ዚገብሮም ምዃኑ እዩ።”
ኣብቲ ኣብ ሌጎስ፡ ናይጀርያ እተገብረ ኣኼባ ኮሚተ በይነ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ተሳተፍቲ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ጾታዊ ርኽሰት ከም ዘይዓግት ስለ እተረድኡ፡ ገና ኻብ ሕጻንነት ብዛዕባ ስነ ምግባር ምምሃር ብዝያዳ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ገሊጾም እዮም። ግጉይ ተግባራት ኬቋርጽ ዚኽእል፡ ንኣካላት ብምቝራጽ ዘይኰነስ፡ ብትምህርቲ እዩ። ንኣብነት፡ ደቅና ዓብዮም ሰረቕቲ ምእንቲ ኸይኰኑ፡ ኣእዳዎም ክንቈርጾ ኣሎናዶ፧ ወይ ከኣ ሕማቕ ነገራት ምእንቲ ኸይዛረቡ፡ መልሓሶም ክንቈርጾ ይግብኣና ድዩ፧
ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ናይጀርያውያን፡ ንጓሎም ምኽንሻብ ኣበዩ። ይኹን እምበር፡ ኣደ እቲ ሰብኣይ፡ እታ ቘልዓ ምስ ዓበየት ኣብ ጾታዊ ርኽሰት እትወድቕ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ፡ ኣመና ተቘጥዐት። ኰይኑ ግና፡ እታ ቘልዓ ብጽቡቕ ስነ ምግባር ስለ እተሃንጸት፡ ድንግልናኣ ሓልያ ዓበየት። ብኣንጻሩ ግና፡ እታ ስድራ ቤት እትፈልጠን፡ ወለደን ብጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘየዕበይወን ካልኦት ኣዋልድ፡ ዋላ እኳ እንተ ተኸንሸባ፡ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ወዲቐን እየን። ሕጂ እታ እኖሓጎ፡ እቲ ብዝያዳ ዜገድስ፡ ምኽንሻብ ወይ ዘይምኽንሻብ ዘይኰነስ፡ ስነ ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ልቢ ደቅኻ ምስራጽ ምዃኑ ኣመነት።
ንደቅና ነፍቅረን እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ኬምጽኦ ዚኽእል ሕማቕ ሳዕቤን ክንነግረን ኣሎና፣ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ድማ፡ ነቲ ተግባር ከነተባብዕ ወይ ክንድግፍ የብልናን። ኣብ ገሊኡ ማሕበረ ሰብ ነቲ ልምዲ ናይ ምቕባል ጸቕጢ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ ሳዕቤኑ ንደቅኻ ምምሃር፡ ትብዓት ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ምስ ሃይማኖት ዘለዎ ምትሕሓዝ
ብዛዕባ ታሪኽ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ምፍላጥ ጠቓሚ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ንዘመናት ዝቐጸለን ኣብ ሙምያ (ብመድሃኒት እተዓቀበ ሬሳታት) ግብጺ ብንጹር ዚርአን እዩ። ፕላስቲክ ኤንድ ሪኮንስትራክቲቭ ሰርጀሪ ዘርእስታ ጋዜጣ፡ “ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ይፍጸም ነበረ፣ ምስቲ ብፈርኦናት ዚእመነሉ ዝነበረ ንኽልቲኡ ጾታ ትምኒት ዘለዎም ኣማልኽቲ ዚተሓሓዝ ድማ እዩ” በለት። ክሳዕ ሎሚ፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዓይነት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ “ፈርኦናዊ ምኽንሻብ” ዚብሃል እዩ።
ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ካብ ጥንቲ ዝመጸ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ምስ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚተሓሓዝ እዩ። ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብር ብዓል ስልጣን ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ኻብቲ ጽምብላት፡ ምስ ኣምላኽ ኣቦሓጎታት ዚግበር ርክብ ጌርካ እዩ ዚርአ፣ እቲ ኣምላኽ ነተን ኣዋልድ፡ ኣብ ግዜ ምኽንሻብ ምእንቲ ኼዕቍበንን ጥበብ ኣቦሓጎታተን ምእንቲ ኺህበንን፡ ምህለላ ይቐርበሉ እዩ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 6:14-18 ኣረኣኢ።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ልሙድ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት ዚነብሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ስለምንታይ ነቲ ልምዲ ኸም ዘይፍጽምዎ ንምርዳኡ ኸቢድ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኸምኡ ዓይነት ተግባር ኪፍጸም ከም ዘለዎ ፈጺሙ ኣይሕብርን እዩ። ፈጣሪ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ሓዳረን ጾታዊ ዕግበት ከም ዚረኽባ ገይሩ ኸም ዝፈጠረን ንጹር እዩ። ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዜተባብዖ ፍቕርን ድንጋጽን ልዙብነትን ዚጋጮ እዩ።—ኤፌሶን 5:28, 29፣ ፊልጲ 4:5።
ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ፡ በቲ ትርጕም ኣልቦ ዝዀነ ምኽንሻብን በቲ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ኣንስትን ኣዋልድን ዚወርድ ዘሎ ስቓይን ይጕሂ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይሳቐየላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ እምበኣር፡ ብሓቂ የሐጕሰና እዩ።—ራእይ 21:3, 4።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ኣብ ናይ 22 ሰነ 1985 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ—ስለምንታይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ግዝረት ደቂ ተባዕትዮኸ፧
ገሊኦም ሰባት፡ ‘ደቂ ተባዕትዮ ኺግዘሩ ኸለዉ፡ ገለ ኽፋል ብልዕቶም ይቝረጽ ደይኰነን፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ኣብ ገለ እዋን ንግዝረት ግዴታ ገይርዎ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት፡ ግዝረት ዋላ እኳ እንተ ዘይተኸልከለ፡ ግዴታ ኻብ ምዃን ኣቋረጸ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንኣወዳት ደቁ ኼግዝሮም እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ባዕሉ እዩ ዚውስን።
ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ግዝረት ደቂ ተባዕትዮ ልሙድ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ተግባር ንእተወሰነ ኽፋል ብልዕቲ ምቝራጽ ዜጠቓልል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ሓንቲ ዜራኽብ የብሉን። ከመይሲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ተገዝሩ፡ ኣመና ሕማቕ ሳዕቤን ኣየጋጥሞምን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እንተ ተኸንሺባ፡ ምስ ጻግነን ምስ ጾታዊ ርክብን ምስ ሕርስን ምስ ሽንትን ዚተሓሓዝ ጸገማት ኬጋጥማ፡ ኣብ መላእ ህይወታ ድማ እናተሳቐየት ክትነብር ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ምኽንሻብ ዜጋጥም ኣዝዩ ኸቢድ ሕርሲ፡ ኣብ ሕጻናት ከቢድ ጸገም ኬስዕብ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከም ዚሞቱ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።
ንገዛእ ርእሶም ኰነ ንኣወዳት ደቆም፡ መትሎኦም ከም ዚቝረጽ ብምግባር፡ ጾታዊ ዕግበት ከም ዘይረኽቡ፡ ወትሩ ድማ ከም ዚሳቐዩን ኣብ ጥዕናኦም ጸገም ከም ዜጋጥሞምን ዚገብሩ ሰብኡት ክንደይ እዮም፧ ብንጹር እምበኣር፡ ግዝረት ደቂ ተባዕትዮን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ዋላ ሓንቲ ዜራኽቦ የብሉን።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ዝበለቶ
‘ክኽንሸብ ከለኹ፡ ጓል ሸሞንተ ዓመት እየ ነይረ። ሕጂ ጓል 11 ዓመት እየ፣ ነቲ እተኸንሸብኩሉ እዋን ግና ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክሮ። ብዛዕባኡ ኽሓስብ ከለኹ፡ ስኽሕክሕ እዩ ዚብለኒ፣ ሓድሓደ ሳዕ እውን እብህርር እየ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሕጕስቲ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ብዛዕባ እቲ ምኽንሻብ ክሓስብ ከለኹ ግና፡ እሽቝረር እየ።
‘መጀመርታ ብዛዕባ ምኽንሻብ ክሰምዕ ከለኹ፡ ተሓጒሰ እየ ነይረ። ስድራ ቤተይን ኣዝማደይን ብዙሕ ህያባት ኪህቡኒ እዮም ተቐሪቦም ነይሮም። እቲ ምኽንሻብ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጥኩ፡ ክንድቲ ዜሕምም ኣይመሰለንን ነይሩ።
‘ብኡብኡ ግና፡ ሓጐሰይ በነነ። ክበክን ኣመና ኽፈርህን ጀመርኩ። ኣርባዕተ ኣንስቲ ብኢደይን ብእግረይን ሓዛኒ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ ብኢዳ ገይራ ንኣፈይ ከደነቶ። ንገዛእ ርእሰይ ናጻ ኽገብር ፈንጠርጠር እኳ እንተ በልኩ፡ እተን ኣንስቲ ኻባይ ስለ ዚሕይላ፡ ከም ዘይንቀሳቐስ ገይረን ኣትሪረን ሓዛኒ። ኣዝዩ እዩ ኣቐንዝዩኒ።
‘ብኻራ ምስ ቈረጻኒ፡ ደመይ ዛሕዛሕ በለ። ክንዳኡ ዜሳቒ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ድሕሪኡ፡ እተን ኣንስቲ፡ እንቋቝሖን ሽኮርን ሓዊሰን ነቲ ቝስሊ ሸፈናኦ። ንኣእጋረይ ብሓደ ኣጣሚረን ድማ ኣሰራኒ። ተሰኪሞም ናብ ማኪና ወሰዱኒ። ክሳዕ ገዛና እንበጽሕ ከኣ እበኪ ነይረ።”—ካብታ ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ስታንዳርድ እተወስደ።