ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/15 ገጽ 8
  • ጥዕና ኣትኵሮ ኣብ ጥዕና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥዕና ኣትኵሮ ኣብ ጥዕና
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለም
  • ብሪጣንያ
  • ኖርወይ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ
    ንቕሑ!—2000
  • ትምባኾ ምትካኸይ ወይ ዘይምትካኸይ ንኣምላኽ ብሓቂዶ የገድሶ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ንቕሑ!—2015
g 2/15 ገጽ 8
እተጨነቐ ሰብኣይ

ካብ ከባቢ ዓለም

ጥዕና ኣትኵሮ ኣብ ጥዕና

ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዙሕ ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሕማም ንህይወት ሰባት ይቐዝፍ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ ንብዙሕ ጸገማት ጥዕና ኽንከላኸሎ ንኽእል ኢና።

ዓለም

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓመተ 2035፡ ቍጽሪ እቶም ብመንሽሮ ዚትሓዙ ሰባት 24 ሚልዮን ከም ዚበጽሕ ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ብመንሽሮ ዚተሓዙ ሰባት ብ70 ሚእታዊት ዚዛይድ እዩ፣ ሎሚ በብዓመቱ 14 ሚልዮን ሰባት ብመንሽሮ ኸም ዚተሓዙ እዩ ዚግመት። ዳርጋ ፍርቆም ድማ፡ ብሰንኪ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ምትካኽ ሽጋራን ኣካላዊ ምውስዋስ ዘይምግባርን ምውሳኽ ክብደትን እዮም ዚሓምሙ፣ ንጸርጊ እተቓላዕካ ምዃን እውን ጠንቂ መንሽሮ እዩ።

ብሪጣንያ

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ቐደም ንስጋ ዕብድቲ ላም ብምብላዕ ከም ዚመሓላለፍ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ ንሰባት ዜጥቅዕ ሕማም፡ ከም ምምሕልላፍ ደም ብዝኣመሰለ ሕክምና እውን ኪመሓላለፍ ከም ዚኽእል ዚገልጽ መርትዖ ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ጕዳይ ኪጻረ ኣዘዘ። ኣንድሪው ሚለር ዝስሙ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ኸምዚ በለ፦ “እዚ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም እዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ቐንዲ ጠንቂ ሕማም ህዝብና ኸም ዝዀነ ዜርኢ መርትዖ ምስ ቀረበ፡ ኣዚና ኢና ተጨኒቕና። [እቲ ሕማም፡] ብእተበከለ ደምን ንኻልኦት ብዚልገስ ኣካላትን [ኪመሓላለፍ ከም ዚኽእል] እዩ ተነጊሩና።”

ኖርወይ

ኣብ 63,000 ዚዀኑ ተቐማጦ ኖርወይ ን11 ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ጭንቀት ነቲ ብሕማም ልቢ ንኽትተሓዝ ዘሎ ኣጋጣሚ ብ40 ሚእታዊት ይውስኾ እዩ። ማሕበር መጽናዕቲ ልቢ ኤውሮጳ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ እቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ከም ዝገለጾ፡ ጭንቀት ነቲ ምስ ውጥረት ዚተሓሓዝን ናብ ሕማም ልቢ ኼብጽሕ ዚኽእልን ሆርሞን ከም ዚምንጩ ይገብሮ እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ንሓደ ሰብ፡ ነቲ ጥዕናኡ ንኼመሓይሽ ዚውሃቦ ምኽሪ ኸም ዘይስዕቦ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ሓደ ሰብኣይ፡ ሽጋራ ኼጥፍእ ከሎ

ምትካኽ ሽጋራ ነቶም እቲ ሽጋራ ኺተክኽ ከሎ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘይነበሩ ሰባት እውን እንተ ዀነ ንጥዕናኦም ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ምርምር ይገብሩሉ ኣለዉ፣ ከመይሲ፡ ካብቲ ሽጋራ ዚወጽእ ኬሚካላት፡ ኣብ ኣየር ከምኡ እውን ኣብ ኣፓርታማታትን ኣብ ሆቴላትን ኣብ ማካይንን ኪተርፍ ይኽእል እዩ። እቲ በብእዋኑ ዚእከብ ኬሚካላት ድማ፡ ድሕሪ ግዜ ብዝያዳ መርዛም እናዀነ እዩ ዚኸይድ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

  • “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።”—ምሳሌ 17:22።

  • “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።”—2 ቈረንቶስ 7:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ