ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/15 ገጽ 10-11
  • ናብ ኡዝበኪስታን እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኡዝበኪስታን እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2015
g 10/15 ገጽ 10-11
መናድቕ እቲ ኣብ ካይቫ፡ ኡዝበኪስታን ዚርከብ ኢቻን ካላ

መናድቕ እቲ ኣብ ካይቫ ዚርከብ ኢቻን ካላ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኡዝበኪስታን እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ኡዝበኪስታን

ትራንሶክስያና። ኣብ መንጎ ኣፍላጋት እትርከብ ሃገር። ታርታሪ። ቱርኪስታን። እዚ ሎሚ ን“ምድሪ ኡዝበክ” ማለት ኡዝበኪስታን ዜጠቓልል ከባቢታት ብብርክት ዝበለ ኣስማት እዩ ኺጽዋዕ ጸኒሑ። ካብ መጀመርታ 15 ዘመን ኣትሒዙ፡ ከተማታት ኡዝበኪስታን፡ እቶም ንግዲ ሃሪ ብዚጐዓዓዘሉ መገዲ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ነጋዶ ዜዕርፉለን ቦታታት እየን ነይረን። እዚ መገዲ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ንቻይና ምስ መዲተራንያን ዜራኽብ ዝነበረ መገድታት እዩ። ሎሚ፡ ጡጥ ንዕዳጋ ማእለማ ኡዝበክ ዓብሊልዎ ይርከብ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ካብ ጡጥን ጸምርን ሃርን እተሰርሐ ውቁብ ምንጻፋት እውን ይሽየጥ እዩ።

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ከም እተራእየ፡ ባህሊ ኡዝበክ ብብዙሓት ህዝብታት ተጸልዩ እዩ። ፍሉጣት ወረርቲ ምስቲ ሓያል ሰራዊቶም፡ ብኣኽራንን ምድረ በዳታትን ኡዝበኪስታን ተጓዒዞም እዮም። ሓደ ኻብኦም እስክንድር እቲ ዓብዪ ዀይኑ ነታ ሮክሳና እትብሃል ኣፍቃሪቱ ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ ረኺብዋ። ካልኦት ድማ ተወላዲ መንጎልያ ዝዀነ ገንጊስ ካን፡ ከምኡ እውን ተወላዲ እቲ ኸባቢ ዝዀነን ንሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ግዝኣታት ዚገዝእ ዝነበረን ቲሙር (ታመርሌን ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ) እዮም።

ክልተ ሰብኡት ባህላዊ ኽዳን ኡዝበክ ተኸዲኖም ከለዉ

ባህላዊ ኽዳን

እቲ ብሰማያዊ ማቶኔላታት እተሸፈነ ጕልላት ዘለዎ ማራኽን ብሕብሪ ዘጌጸን ህንጻታት፡ ነቲ ኣብ ኡዝበኪስታን ዚርከብ ዘመናዊ ቦታታት መልክዕ ሂብዎ ይርከብ። መብዛሕትኡ እዚ ህንጻታት እዚ ኸኣ ከም ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ዜገልግል።

ንግዲ ሃሪ ዚጐዓዓዘሉ መገዲ። እዚ መስመር ንግዲ እዚ፡ ካብ ቅድሚ ክርስቶስ ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ 15 ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ፡ ማለት መገዲ ባሕሪ ህንዲ ኽሳዕ ዚኽፈት የገልግል ነበረ። ገሊኡ ኽፋሉ ድማ በቲ ሎሚ ኡዝበኪስታን ዚብሃል ዘሎ ቦታ እዩ ዚስንጥቕ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣብ ንግዲ ዓለምና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ።

ክልተ ሰብኡት ባህላዊ ኽዳን ኡዝበክ ተኸዲኖም ከለዉ

ብሃሪ ዝዳሎ ምንጻፍ ኪስራሕ ከሎ

ባሕሪ ኣራል። እዚ ባሕሪ ኣራል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቀላይ እዚ፡ ካብ ቀላያት ዓለምና ብዕቤቱ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዚስራዕ እኳ እንተ ነበረ፡ ብመስኖታት ማይ ካብኡ ስለ ዚውሰድ ግና እናነጸፈ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኡዝበኪስታን ምስ ካልኦት ኣብ ማእከላይ እስያ ዚርከባ ሃገራት ብምትሕብባር ከኣ ነዚ ሽግር እዚ ኽትፈትሖ ትጽዕር ኣላ።

ኣብ ፊደላት ኡዝበኪስታን እተገብረ ለውጥታት። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ እተፈላለየ ቛንቋታት እዩ ዚዝረብ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሻሙናይ ዘመን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝገበርዎ ወራር ግና ቋንቋ ዓረብኛ ተኣታተወ። እታ ሃገር ምስ ሕብረት ሶቭየት ምስ ተጸንበረት፡ ኣብ ፈለማ ፊደላት ላቲን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መወዳእታ 1930ታት ብፊደላት ሲሪሊክ ተተክአ። ብ1993 ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ላቲን እተመርኰሰ ፊደላት ኡዝበክ ከም ዚተኣታቶ ገበረ።

ዝነቐጸ ፍረታት ኣብ ዕዳጋ ኡዝበኪስታን ተዘርጊሑ ኸሎ

ኣብ ዕዳጋ ንመሸጣ እተዳለወ ዝነቐጸ ፍረታት

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 30 ሚልዮን

  • ርእሰ ኸተማ፦ ታሽከንት

  • ኵነታት ኣየር፦ መብዛሕትኡ ግዜ ደረቕ ኰይኑ ሒደት ዝናምን ብተዛማዲ ትሑት ራህድን ኣለዎ

  • መሬት፦ ብሸነኽ ምዕራብ ጐላጕል፡ ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ኣኽራን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ