ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 2 ገጽ 16
  • ኣትኵሮ ኣብ ርክብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣትኵሮ ኣብ ርክብ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህንዲ
  • ዴንማርክ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ምስ ዝበጽሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 2 ገጽ 16
ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይቋየቓ

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ርክብ

ንርክብ ዚምልከት ምኽሪ ንምርካብ ቅድሚ ዅሉ ዲኻ ንመጽሓፍ ቅዱስ እትውከሶ ወይስ ድሕሪ ዅሉ፧ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ጥንታዊ ጥበብ ምስቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ምርምር እስከ ኣነጻጽሮ።

ህንዲ

ብመሰረት እቲ ብ2014 እተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ካብ 18-25 ዝዕድሚኦም መንእሰያት እቶም 61 ሚእታዊት፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ‘ኣብ ህንዲ ኸም ዓብዪ ጕዳይ ከም ዘይርአ’ እዮም ዚኣምኑ። ሓደ ኣብ ሙምባይ ዚቕመጥ ሓኪም ንሂንዱስታን ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “መንእሰያት ንመርዓ ኣብ ግምት ብምእታው ኣይኰኑን ርክብ ዚጅምሩ። ርክቦም ናይ ሓንቲ ለይቲ ይኹን፡ ወይ ንጾታዊ ጥቕሚ ዚግበር ዕርክነት ወይ እውን ተኣኻኺቦም ዚነብሩ ይኹኑ ብዘየገድስ፡ ቃል ኪዳን ምእሳር ዚብል ሓሳብ ከቶ ኣብ መደባቶም የለን” በለ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ስምዒታዊ መጕዳእትን፡ በቲ ቕድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ድዩ ዚመጽእ ወይስ በቲ ድሕሪ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፧—1 ቈረንቶስ 6:18።

ዴንማርክ

እቶም ምስ ኣባላት ስድራ ቤቶም ብቐጻሊ ዚቋየቑ ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ ዕድሚኦም ኪሞቱ ዘለዎም ኣጋጣሚ ልዑል እዩ። ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ኮፐንሃገን፡ ኣብዚ ኽሊ ዕድመ እዚ ንዚርከቡ 10, 000 ዝዀኑ ሰባት ንልዕሊ 11 ዓመት መጽናዕቲ ምስ ገበሩሎም፡ እቶም ምስ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቦም ብቐጻሊ ዚቋየቑ ሰባት ካብቶም ስሕት ኢሎም ዚገራጨዉ ንላዕሊ ቐልጢፎም ኪሞቱ ዘለዎም ተኽእሎ ዝለዓለ ምዃኑ ደምደሙ። እታ ኣካያዲት እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ንጭንቀት ምቍጽጻርን ንግጭት ብግቡእ ምሓዝን፡ “ቅድሚ ግዜኻ ኸይትመውት ከም ዚሕግዝ ኣገዳሲ ስትራተጂ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ” በለት።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።”—ምሳሌ 17:27።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሉዊዝያና ን564 ሓደስቲ ሰብ ሓዳር እተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ እዋን ዕርክነት ብተደጋጋሚ ርክቦም ዜቋርጹን እንደገና ዚጅምሩን፡ ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመት መርዓኦም ኪፈላለዩ ዘለዎም ተኽእሎ ልዑል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዙሕ ግዜ ዚገራጨዉን ብሓዳሮም ዘይዕጉባትን እዮም ዚዀኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ነቲ ኣምላኽ [ኣብ ሓዳር] ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ