ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 4 ገጽ 12-13
  • ናብ ኪርጊዝስታን እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኪርጊዝስታን እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 4 ገጽ 12-13
ኣብ ስንጭሮ ታሽ ራባት ኪርጊዝስታን ዚርከብ ዩርት

ኣብ ስንጭሮ ታሽ ራባት ዚርከብ ዩርት ዚብሃል ንድንኳን ዚመስል ኣባይቲ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኪርጊዝስታን እተገብረ ምብጻሕ

ኣብ ስንጭሮ ታሽ ራባት ኪርጊዝስታን ዚርከብ ዩርት

ኪርጊዝስታን ብበረድ ብእተሸፈነ እምባታት እተኸብበት፡ ምስ ካዛክስታንን ኡዝበኪስታንን ታጂኪስታንን ቻይናን እትዳወብ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር እያ። 90 ሚእታዊት መሬት እታ ሃገር ብጎቦታት እተሸፈነ እዩ። እቲ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ 7,439 ሜተር ዚበጽሕ፡ ዝበረኸ ጫፍ ሰንሰለት ኣኽራን ቲያን ሻን እውን ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዩ ዚርከብ። ኣስታት 4 ሚእታዊት መሬት እታ ሃገር ድማ ብዱር እተሸፈነ እዩ። ሓደ ኻብቲ ጀዝ ዚብሃል ዓይነት ካዕካዕ ብብዝሒ ዚፈርየሉ ዱር ኣብ ኪርጊዝስታን እዩ ዚርከብ።

ኣብ ኪርጊዝስታን፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኪርጊዝስታን ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዎም ኣለዉ

ደቂ ኪርጊዝስታን፡ ተቐበልቲ ጋሻን ኣኽበርቲ ሰብን ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ። ኣብ ኪርጊዝስታን፡ ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብ ትሕትና ብዜንጸባርቕ ቃላት ክትጽውዖ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተንሲእካ ኾፍ ከተብሎ፡ ኣብ መኣዲ ድማ ኣብ ዝኸበረ መንበር ኮፍ ከተብሎ ግቡእ እዩ።

መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ውሉዳት ኣለወን። ዝበዝሕ እዋን ድማ እቲ ሕሳስ ልደ፡ ሓዳር ምስ ገበረ እውን ከይተረፈ ምስ ወለዱ እዩ ዚቕመጥ፡ ኣብ እርጋኖም ከኣ የልዕሎም።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ቍልዕነተን ኣትሒዘን ንፉዓት ኣንስቲ ሓዳር ኪገብረን ዚኽእል ግብራዊ ኽእለት ይቐስማ እየን። ኣብ መፋርቕ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጽሓ ድማ ምሉእ ብምሉእ ቤተን ኬመሓድራ ይኽእላ። መብዛሕትኡ ግዜ ንመርዓት ገዝሚ ይዳለወላ እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ዓይነት መንጸፍ ዓራትን እተፈላለየ ኽዳውንትን ብኢድ እተሰርሐ ምንጻፍ መሬትን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። እቲ መርዓዊ ኸኣ ገዝሚ ብመልክዕ ገንዘብን ማልን ይኸፍል።

ውራይ ኰነ ሓዘን ኪህሉ ኸሎ፡ በጊዕ ወይ ፈረስ ይሕረድ እዩ። ኵሉ ኽፋል ኣካላቱ ይፈላልይዎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ንሓደ እተወሰነ ሰብ ተባሂላ ትዳሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ ኣጋጣሚ እውን ኣኽብሮት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጋሻ ኸከም ዕድሚኡን ማሕበራዊ ደረጃኡን እዩ ብጽሒቱ ዚውሃቦ። ብድሕርዚ፡ እቲ ቤሽባርማክ ዚብሃል ባህላዊ ምግቢ እታ ሃገር ይቕረብ። እዚ ምግቢ እዚ ብኢድ እዩ ዚብላዕ።

ሓደ መንእሰይ ኮሙዝ ይጻወት

ኮሙዝ ህቡብ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ እዩ

ሓጺር ሓበሬታ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ብቛንቋ ኪርጊዝ ተሓቲማ እያ፣ ኣብ www.pr418.com እውን ትርከብ እያ።

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 5,776,000

  • ርእሲ ኸተማ፦ ቢሽኬክ

  • ቋንቋ፦ ኪርጊዝን ሩስያኛን

  • ሰደድ፦ ጡጥ፡ ጸምሪ፡ ወርቂ፡ ሜርኩሪ፡ ዩራንዩም

  • ሃይማኖት፦ ምስልምና (80 ሚእታዊት)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ