ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 2 ገጽ 3
  • ኣቓልቦ ዚስሕብ ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቓልቦ ዚስሕብ ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2017
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይምህር፧
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 2 ገጽ 3
ሓደ ቘልዓ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊት መሳርሒቱ ብዚርእዮ ምርኢት ይድመም

ገበር | ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

ኣቓልቦ ዚስሕብ ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት

“ቫምፓየራትን ወርዎልቭታትን ዞምቢታትን ዜርኢ ዝነበረ መዘናግዒ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባትን እኩያት መናፍስትን ብዜርኢ መዘናግዒ እናተተክአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።” —ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል።

ንኣሽቱን ዓበይትን ኣስማተኛታት፡ ዚማርኻ ጠንቈልቲ፡ ከምኡ ድማ ጽቡቕ ዝትርኢቶም ቫምፓየራት ገለ ኻብቶም ንኢንዱስትሪ መጻሕፍትን ፊልምታትን ጸወታታት ቪድዮን ዓብሊሎምዎ ዚርከቡ ልዕለ ባህርያዊ ገጸ ባህርያት እዮም። መሰጥቲ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧a

ፕሮፌሰር ስነ ማሕበር ዝዀነ ክሎድ ፊሸር ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣብ መናፍስቲ ዘሎ እምነት እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኣመሪካውያን ጥራይ ብመናፍስቲ ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግና ሓደ ኻብ ሰለስተ ኣመሪካውያን ብመናፍስቲ ይኣምን እዩ። እቲ ፕሮፌሰር ከም ዝጸሓፎ፡ ካብ ዓበይቲ ኣመሪካውያን ዳርጋ ብዕጽፊ ዚዛይዱ መንእሰያት ኣመሪካውያን ብዛዕባ መጻኢኦም ንዚነግርዎም ሰባት ከም እተወከሱ፡ ብምትሃትን ብዓንደረቦን ከም ዚኣምኑ ተዛሪቦም እዮም።

እኩያት መናፍስቲ ብዛዕባ ዝሓደርዎም ሰባት ዚገልጽ ዛንታታት ዳግም የስፋሕፍሕ ምህላዉ ዜገርም ኣይኰነን። ሚካኤል ካሊያ ኣብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ከም ዝጸሓፎ፡ “ኣብ ህቡብ ባህልታት ዳግም ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ዜርኢ ነገራት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብብዝሒ ዚርኣዩ ዝነበሩ ዞምቢታትን ወርዎልቭታትን ቫምፓየራትን ዚተሓሓዝ እዩ።”

ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ “ካብ 25 ክሳዕ 50 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብምትሃት ይኣምኑ እዮም፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ መብዛሕትኡ ባህልታት ከኣ ምትሃት ጕሉሕ ቦታ ኣለዎ።” ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፕሮፌሰራት ስነ ማሕበር ብዝዀኑ ክሪስቶፈር ባደርን ካርሶን መንከንን እተኻየደ መጽናዕቲ ኸም ዘረጋገጾ፡ ‘ካብ 70 ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዚዀኑ ኣመሪካውያን እንተ ወሓደ ብሓደ ዓይነት ልዕለ ባህርያዊ ንጥፈት ብጽኑዕ ይኣምኑ እዮም።’

ምስ መናፍስትነትን ልዕለ ባህርያዊ ምርኢትን ዚተሓሓዝ ነገራት ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ፧

a ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት፡ ብስነ ፍልጠት ወይ ብሕግታት ተፈጥሮ ኺግለጽ ንዘይከኣል ምርኢት የመልክት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ