ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lr ምዕ. 17 ገጽ 92-96
  • ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ
  • ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልድያ ንኣምላኽ እተምልኽ ዝነበረት ተቐባሊት ጋሻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣርኣያ​—ልድያ
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
lr ምዕ. 17 ገጽ 92-96

ምዕራፍ 17

ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ

ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ግራት ዕፉን ትበርቅ፡ ቀስተ ደበና ድማ ኣብ ሰማይ

የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኵላትና ኽንሕጐስ ንደሊ ኢና: ኣይኰነን ድዩ፧⁠— ብዙሓት ሰባት ግን ሕጉሳት ኣይኰኑን። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ምስጢር ሓጐስ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጥዎ እዩ። ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ ብዙሕ ነገራት ምጥራይ ኰይኑ ስለ ዚስምዖም እዩ። እዚ ነገራት እዚ ምስ ረኸቡ ግን ሓጐሶም ኣይቅጽልን እዩ።

እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ምስጢር ሓጐስ እምበኣር እንሆ:- እቲ ዓብዪ መምህር “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ የሐጕስ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35 NW) ስለዚ እምበኣር: ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ እንታይ እዩ፧⁠— እወ: ንኻልኦት ብምሃብን ሰናይ ብምግባርን እዩ። ነዝስ ትፈልጦዶ ኔርካ፧⁠—

ብዛዕባ እዚ እስከ እንደገና ንሕሰብ። የሱስ ሓደ ህያብ እተቐበለ ሰብ ኣይሕጐስን እዩ ኢሉ ድዩ፧⁠— ኣይበለን። ህያብ ክትቅበል ትደሊዶ፧⁠— ኵሉ ሰብ ይደሊ እዩ። ጽቡቕ ነገራት ክንቅበል ከለና ንሕጐስ ኢና።

የሱስ ግን ክንህብ ከለና ዝያዳ ሓጐስ ከም እንረክብ እውን ገሊጹ እዩ። ንሰባት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዙሕ ህያብ ዝሃበ መን እዩ ምበልካ፧⁠— እወ: የሆዋ ኣምላኽ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ” ምዃኑ ይነግረና። ኣትክልቲ ብምብቋል ምግቢ ምእንቲ ኽንረክብ: ካብ ሰማይ ዝናምን ጸሓይን ይህበና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17፣ 17:25) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ ዚብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ንኻልኦት ምሃብ ሓደ ኻብቲ ንኣምላኽ ሕጉስ ዚገብሮ መገድታት እዩ። ንሕናውን ክንህብ ከለና: ንሕጐስ ኢና።

ሓንቲ ቘልዓ ንሓደ ቘልዓን ንኣዲኡን ብሽኮቲ ትህቦም

ንዅሉ ብሽኮትኻ በይንኻ ብምብላዕ ካብ እትረኽቦ ሓጐስ ንላዕሊ ሓጐስ ኬምጽኣልካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ንኻልኦት እንታይ ኢና ኽንህቦም እንኽእል፧ እንታይ ምበልካ፧⁠— ሓድሓደ ግዜ ህያብ ብገንዘብ ዚዕደግ እዩ። ኣብ ድኳን እትረኽቦ ህያብ እንተደኣ ዀይኑ: ክትዕድጎ ኼድልየካ እዩ። ስለዚ: ነዚ ዓይነት ህያብ እዚ ኽትህብ እንተደኣ ደሊኻ: ንመዐደጊኡ ዚኸውን ገንዘብ ከተዋህልል ኬድልየካ እዩ።

ይኹን እምበር: ኵሉ ህያብ ኣይኰነን ካብ ድኳን ዚዕደግ። ንኣብነት: ኣብ ግዜ ሃሩር ኩባያ ማይ ክትሰቲ ኸለኻ ዝሕል እዩ ዚብለካ። ስለዚ: ንሓደ ዝጸምአ ሰብ እዚ ህያብ እዚ ኽትህቦ ኸለኻ: ካብ ምሃብ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ መዓልቲ ምስ ኣዴኻ ዄንካ ብሽኰቲ ተዳሉ ወይ ትዕድግ ትኸውን። እዚ ብሓቂ ደስ ዜብል እዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ብሽኮቲ እዚ በይንኻ በሊዕካ ኽትውድኦ ኸሎኻ ኻብ ዚስምዓካ ሓጐስ ንላዕሊ ዝያዳ ንኽትሕጐስ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧⁠— እወ: ካብቲ ብሽኮቲ ንሓደ ኻብ ኣዕሩኽትኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚመጽእ ከምኡ ኽትገብር ክትፍትን ዲኻ፧⁠—

እቲ ዓብዪ መምህርን ሃዋርያቱን ብምሃብ ሓጐስ ከም ዚርከብ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንሰባት እንታይ ከም ዝሃብዎም ትፈልጥዶ፧⁠— ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ነገራት እቲ ዝበለጸ ህያብ እዮም ሂቦምዎም። ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም: ነዚ ብስራት እዚ ኸኣ እዮም ብሓጐስ ንኻልኦት ሰባት ዚነግርዎም ነይሮም። ገንዘብ ከየኽፈሉ እዮም ነዚ ዝገብርዎ ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ ሃዋርያ ጳውሎስን ሉቃስ ዚበሃል ዓርኩ ዝዀነ ወደ መዝሙርን ሓንቲ ብምሃብ ሓጐስ ክትረክብ ዝደለየት ሰበይቲ ኣጓነፈቶም። ኣብ ጥቓ ርባ ወይ ውሒዝ እዮም ረኺቦምዋ። ጳውሎስን ሉቃስን ጸሎት ዝግበረሉ ቦታ ምዃኑ ስለ ዝሰምዑ እዮም ናብኡ ኸይዶም። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ ከምቲ እተጸበይዎ ገለ ኣንስቲ ኺጽልያ ረኸብወን።

ጳውሎስ ነዘን ኣንስቲ እዚኣተን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን መንግስቱን ብስራት ኪነግረን ጀመረ። ሓንቲ ኻብኣተን ልድያ ትበሃል: ብኣቓልቦ ድማ ትሰምዖ ነበረት። ድሕሪኡ: ነቲ ዝሰምዓቶ ብስራት ብሓቂ ኸም ዝፈተወቶ ንምግላጽ ሓደ ነገር ክትገብር ደለየት። ስለዚ: ንጳውሎስን ንሉቃስን “ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ: ናብ ቤተይ አቲኹም ተቐመጡ” ብምባል ለመነቶም። ግዲ ድማ በለቶም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:​13-15

ልድያ ንጳውሎስን ንሉቃስን ንኻልኦትን ናብ ቤታ ትዕድሞም

ልድያ ንጳውሎስን ንሉቃስን እንታይ እያ እትብሎም ዘላ፧

ልድያ እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ኣብ ቤታ ኺኣትዉ ኣሐጒስዋ እዩ። ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ከምኡውን ከመይ ገይሮም ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዝነገርዋ ፈተወቶም። ንጳውሎስን ንሉቃስን ዚበልዕዎ ምግብን ዜዕርፉሉ ኽፍልን ከተዳልወሎም ብምኽኣላ ኣሐጐሳ። ልድያ እተሓጐሰት ካብ ልቢ ኽትህብ ስለ ዝደለየት እዩ። እዚ ኸኣ ወትሩ ኽንዝክሮ ዘሎና ነገር እዩ። ሓደ ሰብ ህያብ ክንህብ ከም ዘሎና ይነግረና ይኸውን። ክንህብ ብሓቂ ዘይንደሊ እንተደኣ ዄንና ግን: ምሃብና ኣየሐጕሰናን እዩ።

ልድያ ንጳውሎስን ንሉቃስን ንኻልኦትን ዚበልዕዎ ምግብን ዜዕርፉሉ ኽፍልን ተሓጒሳ ተዳልወሎም

ልድያ ተሓጒሳ ንጳውሎስን ንሉቃስን ዜድልዮም ዘዳለወትሎም ስለምንታይ እያ፧

ንኣብነት: ካራሜላ እንተ ዚህልወካ እሞ ኽትበልዖ እናደለኻ ኸለኻ ኣነ መጺአ ‘ንዓርክኻ ምቐሎ’ እንተ ዝብለካ ነይረ መቒልካ ኽትህቦ መሐጐሰካዶ፧⁠— ካራሜላ ሒዝካ ኸለኻ ንሓደ እትፈትዎ ዓርክኻ እንተ ትረኽቦ እሞ ባዕልኻ ኸተማቕሎ እንተ ትሓስብከ: መሐጐሰካዶ፧⁠—

ንሓደ ሰብ ኣጸቢቕና ስለ እነፍቅሮ: ንገዛእ ርእስና ኸየትረፍና ዅሉ ኽንህቦ እንደልየሉ ግዜያት እውን ኣሎ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ከምኡ እዩ ኺስምዓና ዘለዎ።

ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኽልተ ሰናቲም ትውፊ

እዛ ድኻ ሰበይቲ እዚኣ ዅሉ ዝነበራ ገንዘብ ተሓጒሳ ዝሃበት ስለምንታይ እያ፧

እቲ ዓብዪ መምህር ብዛዕባ ሓንቲ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ዝነበራ ድኻ ሰበይቲ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እዩ ርእይዋ። ክልተ ለብጦን ወይ ሰናቲም ጥራይ እየን ነይረናኣ፣ ካልእ ምንም ኣይነበራን። እንተዀነ ግን: ነዘን ክልተ ሰናቲም ነቲ ቤተ መቕደስ ህያብ ኪኸውን ኢላ ኣብቲ ኣብኡ ዝነበረ ሳጹን ኣእተወቶ። ዘገደዳ ሰብ ኣይነበረን። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት እውን እንታይ ከም ዝገበረት ኣይፈለጡን። እዚ ዝገበረትሉ ምኽንያት ክትገብሮ ስለ ዝደለየትን ንየሆዋ ድማ ብሓቂ ስለ እተፍቅሮን እዩ። ክትህብ ምኽኣላ ኣሐጒስዋ እዩ።​—⁠ሉቃስ 21:1-4

ክንህበሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ገለ ኻብኡ ኽትጠቅስ ትኽእልዶ፧⁠— ክንህብ ከለና ኻብ ልቢ እንተደኣ ዀይኑ: ክንሕጐስ ኢና። እቲ ዓብዪ መምህር “ሀቡ ኺውሃበኩም እዩ” ዝበለና በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። (ሉቃስ 6:38) ንህብ እንተደኣ ዄንና: ንኻልኦት ሰባት ከነሐጕሶም ኢና። ካብኣቶም ዝያዳ ድማ ንሕና ኽንሕጐስ ኢና።

ምሃብ ከመይ ገይሩ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ዚገልጽ ተወሳኺ ጥቕስታት ኣብ ማቴዎስ 6:1-4፣ ሉቃስ 14:12-14፣ ከምኡውን 2 ቈረንቶስ 9:7 ነንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ