ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 220
  • “እታ እትፈልይዋ መባእ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እታ እትፈልይዋ መባእ”
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሀ. እታ “መባእ”
  • ለ. “ብዘላ እታ መባእ”
  • ሐ. “ሃገር እቲ ሹም”
  • መ. “ቅድስቲ መባእ”
  • ረ. እታ “ዝተረፈት ቦታ”
  • “ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ “መቕደስ” ከምኡውን “መስፍን”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • “ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
ዝያዳ ርአ
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 220

ሳጹን ትምህርቲ 21ሀ

“እታ እትፈልይዋ መባእ”

ህዝቅኤል 48:8

ህዝቅኤል ነታ የሆዋ ዝፈለያ ኽፋል ምድሪ ብዝርዝር ኪምርምራ ኸሎ፡ ንሕና እውን ንስዓቦ። ኣብኣ ኸኣ ሓሙሽተ ቦታታት ተጠቒሰን ኣለዋ። እዚኣተንከ እንታይ እየን፧ ንምንታይ ዕላማኸ የገልግላ፧

ካርታ እታ የሆዋ ዝፈለያ ‘እታ መባእ’ እትብሃል ክፋል ምድሪ፡ ከምኡ ድማ ካርታ እታ ኣብ ውሽጣ እትርከብ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ 25,000 (13 ኪሎ ሜተር) ዝንውሓታ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እውን 25,000 (13 ኪሎ ሜተር) ዝንውሓታ ትርብዒት መሬት። እዛ ትርብዒት እዚኣ ‘ብዘላ እታ መባእ’ እትብሃል ኰይና፡ ኣብ ሰለስተ ንጋድም እተኸፍላ ኽፋላት ትምቀል፣ ንሳተን ድማ እታ ላዕለወይቲ ኽፋል፡ እታ ንቤተ መቕደስ እተጠቓልል ማእከለይቲ ኽፋል፡ ከምኡ እውን እታ ‘የሆዋ ኣብኣ ኣሎ’ ንእትብሃል ከተማ እተጠቓልል ታሕተወይቲ ኽፋል እየን።

ሀ. እታ “መባእ”

ንመንግስታዊ ኣገልግሎት እትውዕል ኰይና፡ ምምሕዳራዊ መሬት ክትብሃል ትከኣል እያ።

ህዝ. 48:8

ለ. “ብዘላ እታ መባእ”

ንኻህናትን ንሌዋውያንን ነታ ኸተማን እተፈልየት እያ። ካብ ኵሎም 12 ነገዳት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት እውን ንየሆዋ ንምምላኽን ንምምሕዳራዊ መሰናድዎ ንምድጋፍን ናብዛ ኽፋል እዚኣ ይኣትዉ እዮም።

ህዝ. 48:20

ሐ. “ሃገር እቲ ሹም”

“እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ።” ‘ነቲ ሹም ድማ ክትከውን እያ።’

ህዝ. 45:7, 8፣ 48:21, 22

መ. “ቅድስቲ መባእ”

እዚ ቦታ እዚ “ቕድስቲ ግደ” ተባሂሉ እውን ተገሊጹ ኣሎ። እታ ላዕለወይቲ ኽፋል “ነቶም . . . ሌዋውያን” እያ። “እተቐደሰት” እውን እያ። እታ ማእከለይቲ ኽፋል “ንኻህናት ቅድስቲ መባእ” እያ። “ንኣባይቶም ቦታ፡ ነታ መቕደስ እውን ቅድስቲ ቦታ” እያ።

ህዝ. 45:1-5፣ 48:9-14

ረ. እታ “ዝተረፈት ቦታ”

ንሳ “ናይ ኵሎም ቤት እስራኤል ክትከውን እያ።” ብዘይካዚ፡ “ንሓባራዊ ጥቕሚ እታ ኸተማ፡ ንኣባይትን ንመጓሰይን ክትከውን እያ።”

ህዝ. 45:6፣ 48:15-19

ናብ ምዕራፍ 21፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ተመለስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ