ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 45
  • ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትካ ሓሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • “ካብ ዓለም ኣይኰኑን”
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 45
ትምህርቲ 45. ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ንሰንደቕ ዕላማ ማሕላ ኣብ ዚግበረሉ ስነ ስርዓት፡ ብኣኽብሮት ደው ትብል እምበር ከምቲ ኻልኦት ተምሃሮ ዚገብርዎ ዘለዉ ኣይትምሕልን ወይ ኢዳ ኣብ ልባ ኣይትገብርን።

ትምህርቲ 45

ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:19) እዚ ድማ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም፡ ማለት ኣብቲ ናይዛ ዓለም ፖለቲካን ውግእን ወገን ኪሕዙ ኸም ዘይብሎም የመልክት። ከም ሓቂ፡ ገለልተኛ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ብሰንኪ እዚ ኣደዳ ላግጺ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ እሙናት ክንከውን እንኽእል፧

1. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስትታት ብኸመይ ይርእይዎም፧

ክርስትያናት ንመንግስቲ የኽብሩ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንገብር ኢና፣ ንሱ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር . . . ሃቡ” እዩ ኢሉና፣ እዚ ማለት ከኣ፡ ከም ምኽፋል ግብሪ ዝኣመሰለ ሕግታት እታ እንነብረላ ሃገር ነኽብር ኢና። (ማርቆስ 12:17) ሰብኣውያን መንግስትታት ብኣምላኽ ተፈቒዱሎም ከም ዚገዝኡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ሮሜ 13:1) ስለዚ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ዝነኣሰ ወይ ድሩት ስልጣን ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽናን ካብ ሰማያዊት መንግስቱን ጥራይ ኢና ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ እንጽበ።

2. ገለልተኛታት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣይንኣቱን ኢና። ሰባት ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምር ርእዮም ኣብ ምድሪ ኼንግስዎ ምስ ፈተኑ፡ ንሱ ፍቓደኛ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 6:15) ስለምንታይ፧ ጸኒሑ ባዕሉ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 18:36) ንሕና ድማ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ገለልትነትና ብእተፈላለየ መገዲ ነርኢ ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ውግእ ኣይንኸይድን ኢና። (ሚክያስ 4:3 ኣንብብ።) ንኸም ሰንደቕ ዕላማ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ኣርማታት ነኽብር እኳ እንተ ዀንና፡ ኣምልኾ ግና ኣይንህብን ኢና። (1 ዮሃንስ 5:21) ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ሕጹይ ከኣ ኣይንድግፍን ወይ ኣይንቃወምን ኢና። በዚ መገድታት እዝን ብኻልእን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ምዃንና ነርኢ ኢና።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንገለልትነትካ ኺፍትን ዚኽእል ኵነታት መርምር፣ ከመይ ጌርካ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክትገብር ከም እትኽእል እውን ርአ።

ሓደ ሰብኣይ ገለልተኛ ይኸውን። ነቶም ንህዝቢ ዚምድሩ ዘለዉ ሕጹያት ፖለቲከኛታት እዝኒ ኣይህቦምን።

3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት እዮም

የሱስን ሰዓብቱን ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። ሮሜ 13:1, 5-7ን 1 ጴጥሮስ 2:13, 14ን ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት እዮም—1ይ ክፋል (4:28)

  • ስለምንታይ ኢና ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ከነኽብሮም ዘሎና፧

  • ከም እንግዝኦም ከነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

ብግዜ ውግእ፡ ገሊአን ሃገራት ገለልተኛታት ከም ዝዀና እኳ እንተ ተዛረባ፡ ንኽልቲኡ ወገን ግና ይድግፋ እየን። እሞ ደኣ ናይ ሓቂ ገለልትነት እንታይ እዩ፧ ዮሃንስ 17:16 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶ ኸኣ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት እዮም—2ይ ክፋል (3:11)

  • ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧

ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጋጮ ነገር ክንገብር እንተ ሓተቱናኸ፧ ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት እዮም—3ይ ክፋል (1:18)

  • ኣብ መንጎ ሕጊ ሰብን ሕጊ ኣምላኽን ግጭት እንተ ተፈጢሩ፡ ናይ መን ሕጊ ኢና ኽንእዘዝ ዘሎና፧

  • ክርስትያናት ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ዘይእዘዙሉ ዅነታት ክትጠቅስዶ ምኸኣልካ፧

4. ብሓሳብን ብግብርን ገለልተኛ ኹን

ቀዳማይ ዮሃንስ 5:21 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትብዓት የድልዮም—ገለልትነት ንምሕላው (2:49)

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ኣየንገ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ ኸይከውን ወይ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኸም ምሃብ ኣብ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ጽምብላት ከይሳተፍ ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ግቡእ ውሳነ ዝወሰነዶ ይመስለካ፧

ንገለልትነትና ኺፍትን ዚኽእል እንታይ ካልእ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ትምህርትታት—ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትካ ሓሉ (5:16)

  • ኣብ መንጎ ሃገራት ኣብ ዚግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ብኸመይ ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

  • ፖለቲከኛታት ብዚገብርዎ ውሳነታት ብውልቂ ኣብ እንጽለወሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

  • መራኸቢ ብዙሓን ወይ መዋዕልትና ንገለልትነትና ኺጸልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ስእልታት፦ 1. ታቤላታት ሒዞም ዚቃወሙ ቝጡዓት ጕጅለ። 2. ሓደ ሰብኣይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት ሰንደቕ ዕላማ ሓፍ ኣቢሉ ሒዙ ይጭድር። 3. ሓደ ተምሃራይ ንሰንደቕ ዕላማ ዘለዎ ተኣማንነት ይገልጽ። 4. ብረት ዝሓዘት ወተሃደር። 5. ክልተ ሕጹያት ፖለቲከኛታት ይከራኸሩ። 6. ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድምጻ ኣብ ሳጹን ተእቱ።

ኣብ ምንታይ መዳያት እዩ ሓደ ክርስትያን ብሓሳቡን ብተግባሩን ገለልተኛ ኪኸውን ዘለዎ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ስለምንታይ ኢኻ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይትህብ ወይ ሃገራዊ መዝሙር ዘይትዝምር፧”

  • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጽማቝ

ክርስትያናት ብሓሳባቶምን ብቓላቶምን ብተግባራቶምን ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ንምዃን ይጽዕሩ እዮም።

ክለሳ

  • ንሰብኣውያን መንግስትታት እንታይ ክንህቦም እዩ ዚግባእ፧

  • ካብ ፖለቲካ ገለልትነትና እንሕሉ ስለምንታይ ኢና፧

  • እንታይ ኵነታት እዩ ንገለልትነትና ኺፍትኖ ዚኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ገለልተኛታት ንምዃን እንታይ መስዋእትታት ክንገብር የድልየና ይኸውን፧

የሆዋ ኸቶ ኣየሕፈረናን (3:14)

ኣባላት ስድራ ቤት ንናይ ገለልትነት ፈተናታት ኣቐዲሞም ምእንቲ ኺዳለዉሉ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ወትሩ ገለልትነትካ ሓሉ (4:25)

ሓደ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ዝለዓለ ኽብሪ፡ ንሃገሩ ምክልኻል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

“ብኣምላኽሲ ዅሉ ይከኣል እዩ” (5:19)

ብዛዕባ ስራሕካ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ካብ ዓለም ከይትኸውን ብኸመይ ከም እትጥንቀቕ ኣንብብ።

“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 መጋቢት 2006)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ