ትምህርቲ 38
ንውህበት ህይወት ኣማስወሉ
ህይወት ብዜደንቕ ተመክሮታት ዝመልአት ክትከውን ትኽእል እያ። ጸገማት ኣብ ዜጓንፈና እዋን እኳ፡ ብገሊኡ መዳያት ህይወት ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ንውህበት ህይወት ሞሳ ኸም ዘሎና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧ ከምኡ ንምግባር ዚድርኸና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧
1. ንህይወት ከነማስወላ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ህይወት ካብቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ እተዋህበትና ውህበት ስለ ዝዀነት፡ ከነማስወላ ኣሎና። ንሱ “ምንጪ ህይወት” እዩ፣ ንዅሉ ህይወት ንሱ እዩ ፈጢርዎ። (መዝሙር 36:9) “ንሱ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:25, 28) እወ፡ የሆዋ ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ነገር ይህበና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብህይወትና ኽንሕጐስ ዜኽእለና ነገር እውን ይህበና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:17 ኣንብብ።
2. ንውህበት ህይወት ሞሳ ኸም ዘሎና ኸመይ ጌርና ንየሆዋ ኸነርእዮ ንኽእል፧
ካብታ እተጠነስካላ ግዜ ኣትሒዝካ፡ የሆዋ ይሓልየልካ እዩ። ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀነ ዳዊት ብድራኸ መንፈስ ተመሪሑ ንየሆዋ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ” ኢልዎ እዩ። (መዝሙር 139:16) የሆዋ ንህይወትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ። (ማቴዎስ 10:29-31 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ብፍላጥ ህይወት እንተ ኣጥፊኡ፡ ዋላ እውን ህይወቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ ኣምላኽ በዚ ብዙሕ ይጕሂ እዩ።a (ዘጸኣት 20:13) ህይወትና ኣብ ሓደጋ ነእቱ እንተ ዄንና ወይ ህይወት ካልኦት ንምሕላው ዜኽእል ጥንቃቐታት ዘይንገብር እንተ ዄንና እውን፡ እዚ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ። ህይወትና እንከናኸንን ህይወት ካልኦት እነኽብርን እንተ ዄንና፡ ነቲ ዜደንቕ ውህበት ህይወት ከም እነማስወሉ ነርኢ ኢና።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ንውህበት ህይወት ዘሎካ ሞሳ ኸተርእየሉ እትኽእል ገለ መገድታት ርአ።
3. ጥዕናኻ ሓሉ
ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ንዅሉ መዳያት ህይወቶም ንየሆዋ ንምግልጋል እዮም ዚጥቀሙሉ። ሰብነቶም ንኣምላኽ መስዋእቲ ገይሮም ከም ዜቕርቡሉ ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ሮሜ 12:1, 2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
እንታይ እዩ ጥዕናኻ ኽትሕሉ ኼለዓዕለካ ዘለዎ፧
ከምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
4. ጕድኣት ወይ ሞት ከየጋጥም ተጠንቀቕ
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደገኛ ተግባራት ክንጥንቀቕ የተባብዓና እዩ። ገለ ኻብቲ ኻብ ሓደጋ ኽትሕሎ እትኽእለሉ መገድታት ንምፍላጥ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
ምሳሌ 22:3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ድሕንነትካ ዀነ ድሕንነት ካልኦት ብኸመይ ኪሕሎ ኸም ዚኽእል ተመያየጡ፦
ኣብ ቤትካ
ኣብ ስራሕካ
ኣብ ስፖርት
መጐዓዝያ ኽትዝውር ወይ ብመጐዓዝያ ኽትከይድ ከለኻ
5. ህይወት ዘይተወልደ ሕጻን ኣኽብር
ዳዊት ብግጥማዊ ቛንቋ ገይሩ፡ የሆዋ ብህይወትን ብምዕባለን ዘይተወልደ ሕጻን ከም ዚግደስ ገሊጹ ኣሎ። መዝሙር 139:13-17 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ህይወት ሰብ ኣብቲ ዚጥነሰሉ ግዜ ድዩ ዚጅምር፡ ወይስ ኣብቲ ዚውለደሉ፧
እቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት፡ ንኣዴታትን ንዘይተወልደ ሕጻነንን ዜዕቍብ እዩ ነይሩ። ዘጸኣት 21:22, 23 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
የሆዋ፡ ህይወት ዘይተወልደ ሕጻን ብኣጋጣሚ ንዘጥፍአ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፧
ሓደ ሰብ ብፍላጥ ከምኡ እንተ ዚገብር፡ የሆዋ እንታይ ምተሰምዖ፧b
ብዛዕባ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ይስምዓካ፧
ሓንቲ ንህይወት ኣኽብሮት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ እኳ፡ ካብ ምንጻል ጥንሲ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብላ ይስምዓ ይኸውን። ኢሳይያስ 41:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጥንሲ ኽትንጽል ጸቕጢ ይወርዳ እንተ ኣልዩ፡ ካብ መን እያ ሓገዝ ክትደሊ ዘለዋ፧ ስለምንታይከ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “እታ ጥንሲ ተሰኪማ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሰብነታ ናይ ምውሳን፡ ማለት ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ኣለዋ።”
የሆዋ ንህይወት እታ ኣደን ዘይተወልደ ሕጻናን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
ጽማቝ
መጽሓፍ ቅዱስ ነታ የሆዋ ዝሃበና ህይወት ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ብኽንክንን ክንሕዛ ይምህረና። እዚ ንህይወትና ዀነ ንህይወት ካልኦት የጠቓልል።
ክለሳ
ህይወት ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብ ብፍላጥ ህይወት ሰብ ምስ ዜጥፍእ፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧
ንውህበት ህይወት እተማስወሉ ስለምንታይ ኢኻ፧
ዳህስስ
ስለቲ እተዋህበና ውህበት ህይወት ንየሆዋ ብኸመይ ከነመስግኖ ንኽእል፧
‘ኣምላኽ ንሓንቲ ጥንሲ ዝነጸለት ሰበይቲ ይቕረ ይብለላ ድዩ፧’ ንእትብል ሕቶ መልሲ ርኸበላ።
ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ነቲ ኣብ መዘናግዒ እትገብሮ ምርጫ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተምሃር።
“ሓደገኛ ስፖርት—ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧” (ንቕሑ!፡ ሓደገኛ ስፖርት—ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧)
ሓደ ሰብ ርእሱ ኪቐትል ይሓስብ እንተ ኣልዩኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ርአ።
“ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧” (ዓንቀጽ ወብ)
a የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። (መዝሙር 34:18) ሰባት ብሰንኪ ዜሳቒ ስምዒት ርእሶም ኪቐትሉ ኸም ዚሓስቡ ይርድኦ እዩ፣ ኪሕግዞም እውን ይደሊ እዩ። ንሱ እንታይ ሓገዝ ከም ዚህብ ንምርኣይ፡ ኣብቲ ዳህስስ ዚብል ክፋል እዚ ትምህርቲ እዚ እትርከብ፡ “ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
b ጥንሲ ዝነጸሉ ሰባት ብስምዒት በደለኛነት ኪድቈሱ የብሎምን፣ የሆዋ ይቕረ ኺብለሎም ይኽእል እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነታ ዳህስስ ኣብ ዚብል ክፋል እዚ ትምህርቲ እዚ እትርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።