ፍሉይ ህዝባዊ መደረ
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣላ ድያ፧
መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ወለዶም ሃይማኖት ይወርሱ። ገሊኦም ከኣ ጸኒሖም ባዕሎም ሃይማኖት ይመርጹ። ሃይማኖት ክትመርጽ እንተ ደሊኻ፡ ንምርጫ ዚቐርባ ብዙሓት ሃይማኖታት ኣለዋ። ምናልባት፡ ‘ኣየነይቲ ሃይማኖት ከም ዝስዕብ ብሓቂ ዜገድስ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
እቲ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣላ ድያ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ኺህበሉ እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኪቐርብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት፡ ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰንበት 26 ሚያዝያ 2009 እዩ ዚቐርብ። ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም እቲ መደረ ዚቐርበሉ ሰዓትን ኣድራሻን ኪነግሩኻ እዮም። ኣብኡ ንኽትርከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።