ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/4 ገጽ 13
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንዓለም ዝቐየረ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/4 ገጽ 13

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ኣብ ጸሎቱ ንየሆዋ፡ “ኣባ፡ ኣቦይ” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧

እታ ኣባ እትብል ናይ ኣረማይስጢ ቓል፡ “ኣቦ” ወይ “ዎ ኣቦ” ማለት ክትከውን ትኽእል እያ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ እትርከበሉ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ክፍሊ ጸሎት ኰይና ተጠቒሳ ኣላ፣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ተመልክት። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን እንታይ ትርጕም እያ እተመሓላልፍ ነይራ፧

ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኣብቲ ብግዜ የሱስ ዚዝውተር ዝነበረ ልሙድ ዘረባ፡ ኣባ እትብል ቃል ብቐዳምነት ውሉዳት ንኣቦታቶም ቅርበቶምን ኣኽብሮቶምን ዚገልጹላ ኣጸዋውዓ እያ ነይራ” በለ። ፍቕሪ ንምግላጽ ዚጥቀሙላ ቓል እያ ነይራ፣ ሓንቲ ኻብተን ሓደ ሕጻን ብቐዳምነት ዚመሃረን ቃላት ድማ እያ ነይራ። የሱስ ነታ ቓል እቲኣ፡ ንኣቦኡ ኣጽኒዑ ኺልምኖ ኸሎ እዩ ተጠቒሙላ። ካብታ ዝሞተላ እተወሰነ ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንየሆዋ፡ “ኣባ፡ ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ።—ማርቆስ 14:36።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ጽሑፍ፡ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ንኣምላኽ ክትዛረብ ከለኻ ኣባ እትብል ቃል ምጥቓም፡ ኣብቲ ብግዜ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዝነበረ ስነ-ጽሑፋት ኣመና ዘይልሙድ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኣምላኽ በዚ ልሙድ ስያመ እዚ ምጽዋዕ፡ ብዘይ ጥርጥር ኣኽብሮት ከም ዚንኪ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ እዩ።” ይኹን እምበር፡ “የሱስ ነዚ ስያመ እዚ . . . ምጥቃሙ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ቅርበት ከም ዘለዎ እተዛረቦ ነገር፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ዜራጕድ እዩ ነይሩ።” “ኣባ” እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከበሉ ኻልኦት ክልተ ቦታታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዝጸሓፈን ጽሑፋት ዚርከባ ዀይነን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ነታ ቓል ኣብ ጸሎቶም ይጥቀሙላ ኸም ዝነበሩ ይሕብራ።—ሮሜ 8:15፣ ገላትያ 4:6።

ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ስለምንታይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም [ንኣይሁድ] ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 3:1, 2) ስለዚ፡ ቀዳማይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ በቲ ኣይሁድ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቛንቋ እብራይስጢ እዩ ተጻሒፉ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ብግሪኽኛ እዩ ተጻሒፉ።a ስለምንታይ፧

ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣብ ትሕቲ እስክንድር እቲ ዓብዪ ዜገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ምስ ኮይነ ዚበሃል ሓባራዊ ግሪኽኛ ዚተሓናፈጽ ዝነበረ እተፈላለየ ላህጃታት ክላሲካዊ ግሪኽኛ ይዛረቡ ነበሩ። እቲ ኮይነ ዚበሃል ዓይነት ግሪኽኛ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣህጉራዊ ቛንቋ ንኪኸውን፡ ወራራት እስክንድር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ቅድሚ እቲ ወራራት እተገብረሉ እዋን፡ ኣይሁድ ፍቐዶኡ ተበታቲኖም ነበሩ። ብዙሓት ካብቲ ቕድሚ ዘመናት ሓራ ዝወጹሉ ምርኮ ባቢሎን ናብታ መበቈል ዓዶም ኣይተመልሱን ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሓያሎ ኣይሁድ ነቲ ጽሩይ እብራይስጢ ረስዕዎ፡ ግሪኽኛ ወይ ጽርኢ ድማ ይዛረቡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1) ንዓታቶም ንምጥቃም ተባሂሉ፡ ሰፕቱጀንት ወይ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ዚበሃል ናብቲ ኮይነ ወይ ሓባራዊ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተዳለወ።

ዲክስዮናር ደ ላ ቢብል ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ ከም ቋንቋ ግሪኽኛ ገይሩ “ሃብታምን ተዓጻጻፍን ንዅሉ ዚሓቍፍን ኣህጉራዊ ባህርይ ዘለዎን” ቋንቋ ኸም ዘይነበረ ገሊጹ ኣሎ። ሰፊሕን ልክዕነቱ ዝሓለወን ቃላት፡ ዝርዝር ሰዋስው፡ ከምኡውን ንመብዛሕትኡ ሓሳባት ኪገልጽ ዚኽእል እኹል ግስታት ዚርከቦ ስለ ዝነበረ፡ “ሓሳብካ እተመሓላልፈሉን እትዝርግሓሉን እተባዝሓሉን ቋንቋ፡ ኰታስ ንክርስትና ብልክዕ ዜድልዮ ቛንቋ እዩ ነይሩ።” እምበኣር፡ ንመልእኽቲ ክርስትና ብግሪኽኛ ምጽሓፉ፡ ብሓቂ ግቡእ እዩ ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓጺር ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብኣረማይስጢ እዩ ተጻሒፉ። ብመሰረት ሕጂ ዘሎ ሓበሬታ፡ ወንጌል ማቴዎስ ኣብ ፈለማ ብእብራይስጢ እያ ተጻሒፋ፡ ድሕሪኡ ማቴዎስ ባዕሉ ናብ ግሪኽኛ ተርጒምዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ቍራጽ እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ኢደ-ጽሑፍ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Israel Antiquities Authority

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ