ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ይድግፎ ድዩ፧
ኣይድግፎን እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ናይ መጀመርታ መርዓ፡ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምምርዓው እዩ ፈቒዱ። ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ነዚ መለክዒ እዚ ደጊሙ ኣረጋገጸሎም።—ዘፍጥረት 2:18-24፣ ማቴዎስ 19:4-6።
ኰይኑ ግን፡ ከም እኒ ኣብርሃምን ያእቆብን ዳዊትን ሰሎሞንን ዝኣመሰሉ ቕድሚ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ደይኰናን ነይረናኦም፧ እወ ነይረናኦም እየን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንህይወቶም ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧ ብምኽንያት እዚ መውስቦ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኣብርሃም ኰነ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ያእቆብ ምፍሕፋሕን ባእስን ተላዕለ። (ዘፍጥረት 16:1-4፣ 29:18–30:24) እቲ ጸኒሑ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ፡ “ልቡ ኸይሰድዕ . . . ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ዚብል ንነፍሲ ወከፍ ንጉስ ዚኸውን መምርሒ ዝሓዘ ነበረ። (ዘዳግም 17:15, 17) ሰሎሞን ነዚ ሕጊ እዚ ሸለል ብምባል ልዕሊ 700 ኣንስቲ ኣእተወ። እቲ ዜሕዝን ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ጽልዋ እተን ብዙሓት ኣንስቱ፡ ልቡ ኻብ የሆዋ ረሓቐ። (1 ነገስት 11:1-4) ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንድርብ መውስቦ ብኣሉታዊ መገዲ እዩ ዚጠቕሶ።
ይኹን እምበር፡ ድርብ መውስቦ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ኣምላኽ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑ ገሊኦም ሰባት ይሓቱ እዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ንሓደ ኣብ ገዛኻ ዚርከብ ኣቕሓ ኽትቅይሮ ዚግብኣካ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባር ኣብቲ እዋን እቲ ግቡእ ኰይኑ ስለ ዘይተራእየካ ንግዜኡ ሓዲግካዮ ትፈልጥዶ፧ ሓቂ እዩ፡ መገድን ሓሳብን ኣምላኽ ካብቲ ናትና ልዕል ዝበለ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) ይኹን እምበር፡ ድርብ መውስቦ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ንዝፈቐደሉ ጠቓሚ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና።
የሆዋ ንሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ዜጥፍእ “ዘርኢ” ኺመጽእ ምዃኑ ኣብ ኤድን ከም እተመባጽዐ ዘክር። ጸኒሑ፡ ኣብርሃም ኣቦ ብዙሕ ህዝቢ ኸም ዚኸውንን እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ ብመስመር ወለዶኡ ኸም ዚመጽእን ተነግሮ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:18) ሰይጣን፡ እቲ ዘርኢ ኸይመጽእ ንኺዓግቶ ቖሪጹ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ኬጥፍኦም መደበ። ስምረትን ዕቑባን ኣምላኽ ምእንቲ ኺስእኑ፡ ሓጢኣት ከም ዚፍጽሙ ይገብር ነበረ።
እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ሰይጣን ዚመጾም ዝነበረ መጥቃዕትታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ የሆዋ ብተደጋጋሚ ብነብያቱ ኣቢሉ ንጽድቃዊ መለክዒታቱ ኸይጥሕሱ የጠንቅቖም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኸም ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ሕጊ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ግዜ ኸም ዘይእዘዝዎ ይፈልጥ ነበረ። (ዘጸኣት 32:9) ነቲ መሰረታዊ ሕጊ ምእዛዝ እኳ ኣዝዩ ዝኸበዶም፡ ነቲ ንድርብ መውስቦ ዚምልከት ሕጊ ደኣ ብኸመይ ኪሕልውዎ፧ የሆዋ ንተፈጥሮ ሰባት ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጦ፡ ነዚ ንነዊሕ እዋን እናቐጸለ ዝመጸ ልምዲ ዚኽልክለሉ ግዜ ኸም ዘይበጽሐ ኣስተውዓለ። እንተ ዚኽልክሎ ነይሩ ግን፡ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ኣብ ሓጢኣት ዜውድቐሉ ቐሊል መገዲ ምረኸበ።
ኣምላኽ፡ ድርብ መውስቦ ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ምፍቃዱ፡ ካልእ ጥቕሚ እውን ነበሮ። ቍጽሪ እቲ ህዝቢ ብቕልጡፍ ኪዓቢ ኸኣለ። እዚ ዕቤት እዚ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኽሳዕ እቲ መሲሕ ዚመጽእ ንኸይጠፍእ ዚሕግዝ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ድርብ መውስቦ ንገሊአን ኣንስቲ ብእተወሰነ ደረጃ ዕቝባ ብምዃን መዕቈብን ስድራ ቤትን ንኺረኽባ መገዲ ኸፊቱ እዩ።
ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ልምዲ እዚ ኸም ዘይጀመሮ ኣስተውዕል። ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል እዩ ፈቒዱ፣ ወጽዓ ንኸየጋጥም ድማ ሕግታት ኣውጽኣሉ። (ዘጸኣት 21:10, 11፣ ዘዳግም 21:15-17) ድርብ መውስቦ ንኼቋርጽ ኪውስን ከሎ፡ ብወዱ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ኤድን ዝወጸ ንመርዓ ዚምልከት መለክዒ ደጊሙ ጠቐሶ። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ድርብ መውስቦ ኸይፍጽሙ ኸልከሎም። (ማርቆስ 10:8) ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ሕጊ ሙሴ ኣብ ግዜኡ ጽቡቕ እኳ እንተ ነበረ፡ “ሕጊ ክርስቶስ” ግን ዝበለጸ ምዃኑ ንጹር ኰነ።—ገላትያ 6:2።