-
ጽውጽዋይ 1፦ ነፍሲ ኣይትመውትን እያግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሕዳር
-
-
ጽውጽዋይ 1፦ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ
መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧
“ቀዳሞት ክርስትያን ፈላስፋታት ነቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ኣምር ግሪኻውያን፡ ከምኡውን ነቲ ነፍሲ ብኣምላኽ እተፈጥረት ኰይና፡ ድቂ ኺፍጠር ከሎ ምስ ስጋ ትወሃሃድ ዚብል ሓሳብ ተቐበልዎ።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1988)፡ መበል 11 ጥራዝ፡ ገጽ 25።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”—ህዝቅኤል 18:4።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ቐዳመይቲ ነፍሲ ሰብ ከምዚ ይብል፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ [ብእብራይስጢ፡ ነፈሽ] ዀነ።”—ዘፍጥረት 2:7።
እታ “ነፍሲ” ተባሂላ እትትርጐም ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ‘ዜስተንፍስ ፍጡር’ ማለት እያ። ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ምስ ፈጠሮ፡ ዘይትመውት ነፍሲ ኣይኰነን ኣእትዩሉ፣ የግዳስ፡ ብምስትንፋስ ሒዝዎ ኪቕጽል ዚኽእል ሓይሊ ህይወት እዩ ሂብዎ። ስለዚ፡ “ነፍሲ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንብምሉኡ ህያው ፍጡር እያ እተመልክት። እቲ ፍጡር ምስቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝሃቦ ሓይሊ ህይወት እንተ ተፈላልዩ፡ ነፍሲ ትመውት።—ዘፍጥረት 3:19፣ ህዝቅኤል 18:20።
ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ሰረተ-እምነት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ፦ ድሕሪ ሞት፡ ነፍሳት ናበይ ይኸዳ፧ ነፍሳት እኩያት እንታይ ይዀና፧ ስመ-ክርስትያን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ጽውጽዋይ ምስ ተቐበሉ፡ እዚ ጽውጽዋይ እዚ ኻልእ ጽውጽዋይ ወሊዱ፣ እዚ ኸኣ ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ምዃኑ ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ።
ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መክብብ 3:19፣ ማቴዎስ 10:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:23
ሓቂ፦
ሰብ ምስ ሞተ፡ ካብ ህልውና የቋርጽ
-
-
ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሕዳር
-
-
ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ
መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧
“ካብ ኵሎም ክላሲካዊ ፈላስፋታት ግሪኽ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ልሙድ ኣረኣእያ ሲኦል ዝዓበየ ጽልዋ ዝነበሮ ፕላቶ እዩ ነይሩ።”—ኢስትዋር ዴዝ ኣንፍር (ታሪኽ ሲኦል) ብዦርዥ ሚንዋ፡ ገጽ 50።
“ካብ መፋርቕ 2ይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ እተወሰነ ፍልስፍና ግሪኻውያን እተማህሩ ክርስትያናት ንእምነቶም ብስያመታት ግሪኻውያን ጌርካ ምግላጽ ኣድላዪ ዀይኑ ኺርኣዮም ጀመረ፡ . . . እቲ ብዝበለጸ እተሰማምዖም ፍልስፍና ኸኣ፡ ፍልስፍና ፕላቶ እዩ ነይሩ።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1988)፡ መበል 25 ጥራዝ፡ ገጽ 890።
“ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን፡ ሲኦል ከም ዘሎን ዘለኣለማዊ ምዃኑን የረጋግጽ። ደድሕሪ ሞት፡ ነፍሳት እቶም ሓጥኣን ኰይኖም ዚሞቱ ብኡንብኡ ናብ ሲኦል ይኣትዋ፡ ኣብ ሲኦል ከኣ ይቕጽዓ፡ ማለት ‘ብዘለኣለማዊ ሓዊ’ ይሳቐያ። ቀንዲ መቕጻዕቲ ሲኦል ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምርሓቕ እዩ።”—ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች፡ ሕታም 1994፡ ገጽ 270።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”—መክብብ 9:5, 10።
እታ ን“ቦታ ምዉታት” እተመልክት ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ሲኦል” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እዛ ኣቐዲም ኣቢልና ዝረኣናያ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ ትገልጽ፧ ሓጢኣቶም ንምኽሓስ ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ ድዮም፧ “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ስለ እትብል፡ ኣይሳቐዩን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ሓደ ኻብ ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ኪሳቐ ኸሎ፡ “ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ዝለመኖ። (እዮብ 14:13) ሲኦል ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘለዎ ቦታ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ዘቕረቦ ልመና እንታይ ትርጕም ምሃለዎ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሲኦል ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ ንጥፈታት ዜቋርጸሉ መቓብር ደቂ ሰብ እዩ ዜመልክት።
እዚ ብዛዕባ ሲኦል እተዋህበ መግለጺ፡ ብቐሊሉ ዚወሓጠልካን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕንዶ ኣይኰነን፧ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽሲ ዋላ እውን ዜስካሕክሕ ገበን እንተ ተገብረ፡ ንሓዋሩ ንሰብ የሳቒ ድዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:8) ሲኦል ቦታ ስቓይ ምዃኑ ዚንገር ትምህርቲ ጽውጽዋይ ካብ ኰነ፡ ብዛዕባ ሰማይ ዚንገር ትምህርቲ ደኣኸ፧
ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መዝሙር 146:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:25-27፣ ሮሜ 6:7, 23
ሓቂ፦
ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ኣየሳቕዮምን እዩ
-
-
ጽውጽዋይ 3፦ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ይኸዱግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሕዳር
-
-
ጽውጽዋይ 3፦ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ይኸዱ
መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧
ሃዋርያት የሱስ ምስ ሞቱ፡ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣበው ቤተ-ክርስትያን ምርኡያት ኰኑ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (2003)፡ ኣብ 6ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 687 ንትምህርቶም ኪገልጾ ኸሎ፡ “ካብ ስጋ እተፈልየት ነፍሲ ድሕሪ ሞት ኣድላዪ ዚበሃል መስርሕ ምንጻህ ምስ ሓለፈት፡ ሰማያዊ ፍስሃ ትረክብ ዚብል ሓፈሻዊ ዝንባለ ነይሩ” በለ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።”—ማቴዎስ 5:5።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ሰማይ “ስፍራ ኸዳልወልኩም” እኳ እንተ በሎም፡ ኵሎም ጻድቃን ናብኡ ኸም ዚኸዱ ግን ኣይሓበረን። (ዮሃንስ 3:13፣ 14:2, 3) ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ እውን ጸልዩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ከም ሓቂ፡ ጻድቕ ሰብ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ። እተወሰኑ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ራእይ 5:10።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዘለዋ ግደ ዝነበራ ኣረኣእያ ቐየረቶ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “እታ እተወደበት ቤተ-ክርስትያን ነታ ትጽቢት ዚግበረላ መንግስቲ ኣምላኽ እናተክኣታ ኸደት” በለ። እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ኻብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ብምባል ዝሃቦ ንጹር መግለጺ ዕሽሽ ኢላ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ብምእታው፡ ስልጣና ኸተደልድል ጀመረት። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14-16፣ 18:36) ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ኰይና፡ ንገሊኡ እምነታት ቀየረቶ። ሓደ ኻብቲ ዝቐየረቶ እምነታት ድማ ንእንታይነት ኣምላኽ ዚምልከት እዩ ነይሩ።
ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:11, 12
ሓቂ፦
መብዛሕትኦም ጻድቃን ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም
[ምንጪ ስእሊ]
Art Resource, NY
-
-
ጽውጽዋይ 4፦ ኣምላኽ ስላሴ እዩግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሕዳር
-
-
ጽውጽዋይ 4፦ ኣምላኽ ስላሴ እዩ
መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧
“ቀኖና ስላሴ ኣብ መወዳእታ 4ይ ዘመን እተማህዘ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኺሕሰብ ይከኣል እዩ። እዚ ብእተወሰነ መዳይ ሓቂ እዩ። . . . እቲ ‘ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት’ ዚብል ትምህርቲ ቕድሚ መወዳእታ 4ይ ዘመን ጽኑዕ መሰረት ኣይነበሮን፣ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራን ኣብቲ ወግዓዊ እምነታቱን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰረጸን ነይሩ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (1967)፡ መበል 14 ጥራዝ፡ ገጽ 299።
“ዋዕላ ኒቅያ ብ20 ግንቦት 325 [ድ.ክ.] ተገብረ። ቆስጣንጢኖስ ነቲ ዘተ ንጡፍ ኰይኑ ብምምራሕ፡ ባዕሉ ይቕልሶ ነበረ . . . ነቲ በቲ ዋዕላ እተመሓላለፈ ኣብ መንጎ የሱስን ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ዚገልጽ ‘ምስ ኣምላኽ ሓደ ኣካል’ ዚብል መምርሒ ብውልቁ ኸም ሓሳብ ኣቕረበ። . . . እቶም ኣቡናት፡ ብጀካ ኽልተ፡ ኵሎም በቲ ሃጸይ ተዓብሊሎም ነቲ ንመብዛሕትኦም ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነት ፈረምሉ።”—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1970)፡ 6ይ ጥራዝ፡ ገጽ 386።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ንሱ [እስጢፋኖስ] ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ እሞ፤ እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ አሎኹ፡ በለ።”—ግብሪ ሃዋርያት 7:55, 56።
እዚ ራእይ እዚ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ እስጢፋኖስ በቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ተመሊኡ፡ ንየሱስ “ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ” ረኣዮ። እምበኣር፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብ ሰማይ ምስ ከደ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ህልውና ደኣ እዩ ነይርዎ እምበር፡ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ሳልሳይ ኣካል ከም ዘሎ ኣይተሓበረን። ንቐኖና ስላሴ ዚድግፍ ሓሳብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርካብ ፈተነታት እኳ እንተ ተገበረ፡ ማሪ-ኤሚል ብዋማር ዚበሃል ዶሚኒካዊ ኻህን ኣብታ ኣ ሎብ ዱ ክሪስትያኒስም—ላ ንሳንስ ደ ዶግመ (ኣብ መፈለምታ ክርስትና—ልደት ቀኖና) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ሰለስተ ኣካላት . . . ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዚብል ሓሳብ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይርከብን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።
እቲ ቆስጣንጢኖስ ዚድግፎ ዝነበረ ቐኖና፡ ነቲ ኣብታ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ተፈጢሩ ዝነበረ ምክፍፋል ኪፈትሕ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘እታ ንየሱስ ዝወለደት ማርያም፡ “ወላዲት ኣምላኽ” ድያ፧’ ዚብል ካልእ ጕዳይ ኣበገሰ።
ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ ማቴዎስ 26:39፣ ዮሃንስ 14:28፣ 1 ቈረንቶስ 15:27, 28፣ ቈሎሴ 1:15, 16
ሓቂ፦
ቀኖና ስላሴ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን እተማህዘ እዩ
-