ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/1 ገጽ 30-31
  • ትሑትን ተባዕን ሰብኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሑትን ተባዕን ሰብኣይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/1 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ትሑትን ተባዕን ሰብኣይ

ዮናስ—1ይ ክፋል

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዮናስ 1:1–2:1፣ 2:11–3:5 ኣንብብ።

ደሃይን ትርኢትን እቲ ማዕበል ከመይ ዝነበረ ይመስለካ፧

․․․․․

ድምጺ ዮናስን ድምጺ እቶም ባሕረኛታትን እንታይ ስምዒት ዜንጸባርቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

․․․․․

ዮናስ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ኺጥሕል ከሎን ብዓብዪ ዓሳ ምስ ተዋሕጠን፡ እንታይ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግለጽ። (ዮናስ 2:2-10 ኣንብብ።)

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ኣብ ነነዌ እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፧ ዮናስከ ኣብ ፈለማ ናባታቶም ምኻድ ኣስጊእዎ ዝነበረ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ናሆም 3:1)

․․․․․

ነነዌ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ኣዝያ ዓባይ ከተማ” ዝነበረት ብኸመይ ይመስለካ፧ (ዮናስ 3:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:9)

․․․․․

ዮናስ ብዛዕባ ጌጋኡን ብዛዕባ ኣምላኹን ኪዛረብ ከሎ ግልጺ ምዃኑ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ይገልጽ፧ (ዮናስ 1:9, 10 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ዮናስ ናብ ባሕሪ ምስ ተደርበየ፡ ኣብታ መርከብ እንታይ ከም ዝዀነ ብኸመይ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል፧ (ዮናስ 1:15, 16 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ፍርሂ።

․․․․․

ትሕትና።

․․․․․

ትብዓት። የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ብሓፈሻ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም እኩያት ዚመስሉና ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ።

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

ዝያዳ ምርምር ንምግባር፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 25-28 ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት፡ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ