ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/7 ገጽ 3
  • ንኣምላኽ ብስሙ ኽትፈልጦ ትኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ብስሙ ኽትፈልጦ ትኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/7 ገጽ 3

ንኣምላኽ ብስሙ ኽትፈልጦ ትኽእልዶ፧

ንሓደ ኣኽቢርካ ዚርአ ሰብ ብስሙ ጸዊዕካ ሰላም ክትብሎን ከተዛርቦን ኣጋጣሚ ምስ እትረክብ፡ ፍሉይ ክብሪ እዩ ዚስምዓካ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰበ-ስልጣን ብኸም እኒ፡ “ክቡር ፕረዚደንት፡” “ግርማዊ፡” ወይ ከኣ “ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር” ዝኣመሰለ መዓርጋት ይጽውዑ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ሓደ ልዑል ስልጣን ዘለዎ ሰብ፡ “ብስመይ ጸውዓኒ” እንተ ዚብለካ፡ ፍሉይ መሰል ዝረኸብካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ኣየጠራጥርን።

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣነ [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ” ኢሉና ኣሎ። (ኢሳይያስ 42:8)a ከም እኒ “ፈጣሪ፡” “ኵሉ ዚኽእል፡” ከምኡውን “ጐይታ” ዝኣመሰለ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንእሙናት ባሮቱ በቲ ብሕታዊ ስሙ ኺጽውዕዎ ብምፍቃድ ወትሩ የኽብሮም እዩ።

ንኣብነት፡ ነብዪ ሙሴ “ኣየ [“የሆዋ፡” NW]” ኢሉ ብምጅማር ንኣምላኽ ለሚኑ እዩ። (ዘጸኣት 4:10) ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተሰርሐ ቤተ መቕደስ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ዎ የሆዋ” ብዚብል ቃላት እዩ ጀሚሩ። (1 ነገስት 8:22, 23 NW) ነብዪ ኢሳይያስ ንህዝቢ እስራኤል ወኪሉ ንኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ “ዎ [“የሆዋ፡” NW]፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና” በለ። (ኢሳይያስ 63:16) ብርግጽ እምበኣር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብስሙ ኽንጽውዖ እዩ ዚደሊ።

ንየሆዋ ብስሙ ምጽዋዕ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓቂ ብስሙ ምፍላጡ ግን ተወሳኺ ነገራት እውን ይሓቍፍ እዩ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜፍቅሮን ኣብኡ ዚውከልን ውልቀ-ሰብ፡ “ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ” ኢሉ ተመባጺዑሉ ኣሎ። (መዝሙር 91:14) ስለዚ፡ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ዕቝባኡ ኣብ ምርካብ ዓብዪ ግደ ኻብ ሃለዎ፡ ነቲ ስም ምፍላጥ ብዙሕ ነገራት ከም ዜጠቓልል ንጹር እዩ። እሞኸ ንየሆዋ ብስሙ ንኽትፈልጦ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣይጥቀምን እዩ፣ የግዳስ መዓርጋት እዩ ዚጥቀም። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋ ግን፡ ኣብ ሓያሎ ጥቕስታት፡ ኣምላኽ በቲ የሆዋ ዚብል ስም ተጸዊዑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ