ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 8
  • ትንቢት 5. ምጥፋእ ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንቢት 5. ምጥፋእ ምድሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ነዳዲ ዘይቲ ዜሕቅቑ ደቀቕቲ ተህዋስያን
    ንቕሑ!—2015
  • ምድሪ ወትሩ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ከተማልእ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 8

ትንቢት 5. ምጥፋእ ምድሪ

“[ዎ ኣምላኽ] ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ።”—ራእይ 11:18።

● ፔሪ ኣብ ኪፖር፡ ናይጀርያ ዚነብር ኰይኑ፡ ካብ ኦም ስየ ንዚስራሕ ኣልኮላዊ መስተ ዚኸውን ፈሳሲ ኣብ ምእካብ እዩ ዚዓዪ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ደልታ ኒዠር ዝፈሰሰ ብዙሕ ነዳዲ ኣብ ስራሑ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ንዓሳታትና ቐቲሉ፡ ንቘርበትና ኣበላሽዩ፡ ንወሓይዝና በኪሉ እዩ። . . . ሕጂ ብኸመይ ከም ዝናበር ኣይፈልጥን እየ።”

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ ገሊኦም ክኢላታት ከም ዚብልዎ፡ ኣብ ዓመት 6.5 ሚልዮን ቶን ሊትሮ ፈሳሲ ናብ ውቅያኖሳት ዓለምና ይኣቱ እዩ። ካብቲ ፈሳሲ ኣስታት 50 ሚእታዊት ፕላስቲክ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ በስቢሱ ንኺጠፍእ ኣማእታት ዓመታት ኪወስደሉ ይኽእል እዩ። ደቂ ሰብ ንምድሪ ይብክልዋን ንባህርያዊ ጸጋታታ ብዘይ መጠን ይጕሕጕሕዎን እዮም ዘለዉ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ምድርና ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ዓመት ዜህልኽዎ ጸጋታት እንደገና ንምሕዳስ፡ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን እዩ ዜድልያ። ሲድኒ ሞርኒን ሄራልድ ዚበሃል ጋዜጣ ኣውስትራልያ፡ “ብከላን ሃልክን ከም ዘለዎ እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ 2035 ክንዲ ዓለምና ዝዀና ኽልተ ዓለማት ኬድልያና እየን” በለ።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ ደቂ ሰብ ብልሓተኛታት እዮም። ነዚ ጸገማት እዚ ኣወጊድና፡ ንምድርና ኻብ ጥፍኣት ከነድሕና ንኽእል ኢና።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ብዙሓት ጻዕራማት ሰባትን ጕጅለታትን ንኣከባብያዊ ጕዳያት ከም ዚትኰረሉ ንምግባር ጽዒሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምድሪ ብዝለዓለ ደረጃ ትብከል እያ ዘላ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ብመሰረት መብጽዓኡ፡ ጣልቃ ኣትዩ ንምድርና ኻብ ጥፍኣት ኬድሕና ዘለዎዶ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዘይካ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ሓሙሽተ ትንቢት፡ ካልእ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚህሉ ጽቡቕ ምዕባለታት እውን ይገልጽ እዩ። ነቲ ሻድሻይ ትንቢት እስከ ንመርምር።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ካብ ወናኒ ንእሽቶ ገነት ናብ ወናኒ መርዛም መአከቢ ጐሓፍ ከም እተቐየርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ኤሪን ታምበር፡ እቲ ብ2010 ኣብ ወሽመጥ መክሲኮ ዘጋጠመ ምፍሳስ ነዳዲ ዘሻቐላ ተቐማጢት ወሽመጥ ገማግም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

ኣምላኽ ተሓታቲ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ሕማቕ ኵነታት ስለ ዚንበ፡ ብጸገማትና ዚሕተት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽንዛረብ ንኽእልዶ፧ ምንጪ እቲ ዚወርደና ዘሎ መከራ ንሱ ድዩ፧ ኣብ ምዕራፍ 11 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ኽትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

U.S. Coast Guard photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ