‘ከመይ ገይረ እየ ኽሰብኽ ዝኽእል፧’
ኣብ መላእ ዓለም፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዎም ክነሱ፡ ብተኣማንነት ኣብ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ነታ ኣብ ቪልንየስ እትብሃል ርእሲ ኸተማ ሊትወይንያ እትነብር ዳልያ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።
ዳልያ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ እያ። ካብ እትውለድ ኣትሒዛ፡ ናይ ሓንጎል መልመስቲ ኣለዋ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ልምስቲ ዀነት፡ ብንጹር ክትዛረብ እውን ኣይትኽእልን እያ። ኣባላት ስድራ ቤታ ጥራይ እዮም ኪርድኡዋ ዚኽእሉ። ዳልያ ምስታ ጋሊና እትብሃል እትከናኸና ኣዲኣ እያ እትነብር። ህይወታ ብዜሕዝን ነገራትን ብጭንቀትን ዝመልአ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዋ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዋ ኽኢሉ፧
ጋሊና ኸምዚ በለት፦ “ብ1999 ኣፖሎኒያ ዝስማ ጓል ሓትነይ ክትበጽሓና መጸት። እዛ ናይ የሆዋ ምስክር እዚኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቓ ኸም እተፈልጦ ኣስተብሃልና፣ ዳልያ ኸኣ ብዙሕ ሕቶታት ክትሓትታ ጀመረት። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዳልያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣነ ድማ ሓሓሊፈ ኣብቲ መጽናዕቲ ምስአን ኮፍ እናበልኩ፡ ነቲ ዳልያ እትብሎ ነገራት ኣነጺረ ንኣፖሎኒያ እነግራ ነበርኩ። ዳልያ በቲ እትመሃሮ ዝነበረት ነገራት ከም እተጠቕመት ድማ ኣስተብሃልኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ንዓይ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓለይ ሓተትኩ።”
ዳልያ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምስ ጀመረት፡ ሓደ ሕቶ ኺርብሻ ጀመረ። ኣብ መወዳእታኡ ግና ንኣፖሎኒያ፡ “ከማይ ልሙስ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ኺሰብኽ ዚኽእል፧” ኢላ ሓተተታ። (ማቴ. 28:19, 20) ኣፖሎኒያ ድማ፡ “ኣይትፍርሂ። የሆዋ ኺሕግዘኪ እዩ” ኢላ ብህድኣት ኣተባብዓታ። ብርግጽ ከኣ የሆዋ ሓጊዝዋ እዩ።
እሞኸ ዳልያ ብኸመይ እያ እትሰብኽ፧ እተፈላለየ መገድታት እያ እትጥቀም። ክርስትያን ኣሓት፡ ዳልያ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ደብዳበ ንኸተዳሉ ይሕግዛኣ እየን። ፈለማ፡ ዳልያ ነተን ኣሓት፡ ሓሳባ ተካፍለን። ድሕሪኡ፡ እተን ኣሓት ነቲ ዳልያ ዝነገረተን ሓሳብ ተጠቒመን ደብዳበ ይጽሕፋ። ዳልያ ብሞባይል ብዚለኣኽ መልእኽቲ ገይራ እውን ትምስክር እያ። ኵነታት ኣየር ምሹእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ፡ ኣባላት ጉባኤኣ ነቶም ኣብ መናፈሻን ኣብ መገድን እትረኽቦም ሰባት ምእንቲ ኽትምስክረሎም፡ ሒዞምዋ ይኸዱ እዮም።
ዳልያን ኣዲኣን መንፈሳዊ ዕቤት ይገብራ ኣለዋ። ክልቲአን ኣብ ሕዳር 2004 ርእሰን ንየሆዋ ወፍየን ተጠምቃ። ኣብ መስከረም 2008 ኣብ ከተማ ቪልንየስ፡ ብፖላንድኛ እትምራሕ ጕጅለ ተመስረተት። ኣብታ ጕጅለ ዜገልግሉ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ የድልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ዳልያን ኣዲኣን ምስታ ጕጅለ ኼገልግላ ጀመራ። ዳልያ፡ “ኣብ ገሊኡ ኣዋርሕ፡ ከየገልገልኩ ንውሕ ዝበለ እዋን እንተ ሓሊፉ፡ ክሻቐል እጅምር። ኰይኑ ግና፡ ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላየይ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ሰብ መጺኡ ናብ ኣገልግሎት ንኺወስደኒ ምሳይ ቈጸራ ይገብር” በለት። እሞኸ ብዛዕባ ዅነታታ እንታይ ይስምዓ፧ “እቲ ሕማም ንኣካላተይ ደኣ እምበር፡ ንኣእምሮይ ኣየልመሶን። ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኽነግሮም ብምኽኣለይ ሕጕስቲ እየ” በለት።