ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/1 ገጽ 31-32
  • ክቡር ታሪኻዊ ነገራት ምዕቃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክቡር ታሪኻዊ ነገራት ምዕቃብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • “ኣልቡም ስድራ ቤትና”ን “ቅርስታትና”ን
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/1 ገጽ 31-32

ካብ መዛግብትና

ክቡር ታሪኻዊ ነገራት ምዕቃብ

ህዝቢ የሆዋ፡ ክቡር መንፈሳዊ ውርሻ እዩ ዘለዎም። ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ውርሻ እዚ ዚገልጽ ጸብጻባት ከኣ፡ ካብ ጽሑፋትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ምስ ኣምልኾናን ዕዮ ስብከትናን ታሪኽናን ዚተሓሓዝ ስእልታትን ደብዳበታትን ውልቃዊ ታሪኽን ኢደ ስርሓትን ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምዕቃብን ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽና ምምርማርን እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ርእስታት ስድራ ቤት ንደቆም፡ ‘ተስፋኦም ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብሩ፡’ ብዛዕባ ሕግታትን ዜደንቕ ግብርታትን የሆዋ ኼፍልጥዎም ነበሮም።​—መዝ. 78:1-7።

ምርምር መዛግብቲ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዓብዪ ተራ ነበሮ። ንኣብነት፡ ተጻረርቲ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ህንጸት ኬጐናድብዎ ምስ ፈተኑ፡ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ግዝኣት ሜዶን ዝነበረት ኣሕመታ ኣብ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ፡ ምርምር ተገብረ፣ ኣብኡ ኸኣ ብንጉስ ቂሮስ እተጻሕፈ ነቲ ዕዮ ህንጸት ዚድግፍ ሰነድ ተረኽበ። (እዝ. 6:1-4, 12) በዚ ኸምዚ ድማ፡ እታ ቤተ መቕደስ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ተሃንጸት። ብዘይካዚ፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ፡ ምርምር መዛግብቲ ብምግባር፡ ‘ንዅሉ ኣደላዲሉ ኻብ ጥንቲ ሰዓቦ።’​—ሉቃ. 1:1-4።

ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ሕሉፍ ቲኦክራስያዊ ታሪኽና ይግደስ እዩ። ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንመንፈሳዊ ውርሻና ኽንዕቅቦን ክንስንዶን ናብ ዚቕጽል ወለዶ ኸነመሓላልፎን ኣገዳሲ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና ንኽንፈልጥ፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ኽንፈልጥ ኣሎና” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚተ ጽሕፈት ዚዓዪ፡ “መዛግብቲ ጽሕፈት” ዚብሃል ክፍሊ ተመስሪቱ ኣሎ።

“ኣልቡም ስድራ ቤትና”ን “ቅርስታትና”ን

ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ፡ መብዛሕትና ብዛዕባ ስድራ ቤትና ዚገልጽ ብዝያዳ እተማልአ መዝገብ ብዘይምቕማጥና ንጠዓስ ንኸውን። ኣብቲ መዛግብቲ ጽሕፈት ዚብሃል ክፍሊ፡ ነቲ ኽቡርን እናዓበየ ዚኸይድን ውርሻና ንምዕቃብን ንምስናድን ብርቱዕ ጻዕሪ እዩ ዚካየድ ዘሎ። እቲ ኣብ መዛግብትና ዚርከብ ስእልታት፡ ልክዕ ከም “ኣልቡም ስድራ ቤትና” ጌርካ እዩ ዚርአ። ብዘይካዚ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ መዛግብትና ዚርከብ ክቡር ነገራት፡ ቀደም ዝነበረ ጽሑፋትናን ዜደንቕ ታሪኽ ህይወትን ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ነገራትን የጠቓልል። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ቲኦክራስያዊ ውርሻና ንዘሎና ምርዳእ ዜስፍሓልናን ነቲ ንመንፈሳዊት ስድራ ቤትና ኣብ መጻኢ ኼጋጥማ ዚኽእል ነገራት ብምትእምማን ንኽንጽበዮ ዚሕግዘናን “ቅርሲ” እዩ።

በዛ “ኻብ መዛግብትና” እትብሃል ሓዳስ ዓምዲ ኣቢልካ፡ ብዛዕባ መዛግብቲ ጽሕፈት ንኽትፈልጥ ንዕድመካ። እዛ ዓምዲ እዚኣ፡ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ በብእዋኑ ኽትወጽእ እያ። ንኣብነት፡ ኣብ እትቕጽል ሕታም፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ዚኸውን መልስታትን ስእልታትን ዝሓዘት ዓንቀጽ ከነውጽእ መዲብና ኣለና፦ ዳውን ሞባይል እንታይ እዩ ነይሩ፧ መን እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ፧ መዓስ እዩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ፧ ዕላማኡኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ልክዕ ከምቲ ናይ ስድራ ቤት ኣልቡም ብዙሕ ነገራት ዜዘኻኽረና፡ እቲ ኣብ መዛግብቲ ዚርከብ ነገራት እውን፡ ብዛዕባናን ብዛዕባ መንፈሳውያን ኣቦሓጎታትናን ብዙሕ ነገራት እዩ ዚሕብረና፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እምነቶምን ትብዓቶምን፡ ብዛዕባ እቲ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኼገልግልዎ ኸለዉ ዝረኸብዎ ሓጐስን ዘጋጠሞም ጸገማትን፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዚመርሓሉን ዚድግፈሉን ዝነበረ መገዲ ዜጠቓልል እዩ። (ዘዳ. 33:27) የሆዋ ነቲ ንመንፈሳዊ ታሪኽና ንምዕቃብ ዚግበር ዘሎ ቐጻሊ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ፡ እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ብዝያዳ ኸም ዜሕብረናን ከም ዜበራትዓናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/​ስእሊ]

ዓሚቝ ምርምር

ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ዲቪዲን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ነገራትን ኪዳሎ ኸሎ፡ ጸሓፍትናን ሰኣልትናን ተመራመርትናን ካልኦት ሰባትን፡ ኣብ መዛግብትና ምርምር ይገብሩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ክፍሊ መዛግብቲ ጽሕፈት፡ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ኣባይቲ ቤትኤልን ካብ ጉባኤታትን ካብ ውልቀ ሰባትን ካብ ዓለማዊ ትካላትን እተፈላለየ ታሪኻዊ ነገራት ብጥንቃቐ ይእክብን ይዕቅብን እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ከም ዚዕየ እስከ ብሓጺሩ ንርአ፦

ምእካብን ምትንታንን፦ ወትሩ ፍሉይ ነገራት ናብ ክፍሊ መዛግብቲ ጽሕፈት ይውሰኽ እዩ። መብዛሕትኡ ኸኣ፡ ኣባላት እቶም ንየሆዋ ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገልዎ ስድራ ቤታት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ዝወፈይዎ ወይ ከኣ ካብኦም ብልቓሕ ዝመጸ እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ምትንታንን ምርእኣይን፡ ነቲ ብዛዕባ ታሪኽናን ብዛዕባ እቶም ነቲ ታሪኽ ዘሕለፍዎ ሰባትን ዘሎና ምርዳእ ብዝያዳ ንኺሰፍሕ ይሕግዘና እዩ።

ምስራዕ፦ ኣብ ክፍሊ መዛግብቲ ጽሕፈት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ነገራት እዩ ዚርከብ፣ ገሊኡ እሞ ኸኣ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝገበረ እዩ። ዓቐኑን ግዝፉን ዓይነቱን ስለ ዚፈላለ ድማ፡ ብግቡእ ኪስራዕ ኣለዎ።

ምሕዳስን ምዕቃብን፦ ተነቃፊ መጻሕፍትን ኢደ ስርሓትን፡ ብኽኢላታት ሰባት ተሓዲሱ ኸም ዚዕቀብ ይግበር እዩ። ሰነዳትን ስእልታትን ካብ ጋዜጣ እተቘርጸ ዜናታትን ፊልምታትን እተቐድሐ ድምጽታትን ድማ፡ ኣብ ኮምፕዩተር ከም ዚኣቱ ይግበር እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰነዳት ወይ ካልእ ታሪኻዊ ነገራት ኣይበላሾን፣ እቲ ዚድለ ሓበሬታ ግና፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

ምኽዛንን መሊስካ ምርካብን፦ ኣብ መዛግብቲ ዚቕመጥ ነገራት፡ ምእንቲ ኸይጠፍእን ብብርሃንን ብራህድን ምእንቲ ኸይበላሾን፡ ኣብ ዜተኣማምን ቦታ ብስርዓት እዩ ዚቕመጥ። ነዚ ኽቡር ታሪኻዊ ነገራት ንምምርማርን መሊስካ ንምርካብን ዚሕግዝ ብኮምፕዩተር እተደገፈ መስርሕ ይዳሎ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

1. ፖስተር “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን።” 2. መዝገብ ኰንትራት። 3. መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና። 4. ገበር ናይ 15 ሚያዝያ 1912 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ። 5. ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ፡ ንኺእሰር እተዋህበቶ ወረቐት። 6. ኣብ ዳብሊው.ቢ.ቢ.ኣር. ዝነበረ ማይክሮፎን። 7. ፎኖግራፍ። 8. መትሓዚ መጻሕፍቲ ዝነበረ ሳንጣ። 9. ውልቃዊ መዘኻኸሪ። 10. ንጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እተላእከትሉ ቴሌግራም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ