ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/2 ገጽ 5-7
  • ናይ ሓቂ ጠንቂ ውግእን መከራን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ጠንቂ ውግእን መከራን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት
  • ግብሪ ድያብሎስ ምፍራስ
  • እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ዝጋልቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና እንፈልጠሉ መገዲ
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ትሪልዮናት ኣብ ውግእ ይውዕል ኣሎ—ብሓቂ ኽንደይ ወጻኢታት እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/2 ገጽ 5-7

ገበር | ንዓለም ዝቐየራ ውግእ

ናይ ሓቂ ጠንቂ ውግእን መከራን

ብ11 ሕዳር 1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተዛዘመ። ቦታታት ንግዲ ተዓጽዩ ድማ፡ ሰባት ኣብ ጐደናታት ይስዕስዑ ነበሩ። እዚ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ከመይሲ፡ ካልእ ዝገደደ ሓደጋ፡ አረ ኻብ ትርሺ ንላዕሊ ዚቐትል ሓደጋ፡ እግሪ እግሪ እቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም መጸ።

ኣብ ሰነ 1918 ኣብ ዓውደ ዂናት ፈረንሳ፡ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ዚብሃል ቀታሊ ለበዳ ኣጋጠመ። እዚ ብቫይረስ ዚመጽእ ለበዳ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሰብ ቀተለ። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብቶም ኣብ ውግእ ብጸላኢ ዝሞቱ ንላዕሊ፡ እቶም በቲ ለበዳ ዝሞቱ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ይበዝሑ። ብዘይካዚ፡ እቶም ካብቲ ውግእ እተመልሱ ሰራዊት፡ ነቲ ሕማም ምሳታቶም ስለ እተማልእዎ፡ እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ተዘርግሐ።

እተን ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ዓመታት፡ ጥሜትን ቍጠባዊ ጸገማትን ዘጋጠመለን እየን ነይረን። እቲ ውግእ ብ1918 ኣብ እተዛዘመሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ኽፋላት ኤውሮጳ ብጥሜት ይሳቐ ነበረ። ብ1923 ገንዘብ ጀርመን ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ኣይነበሮን። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ድማ፡ ቍጠባ ዓለም ኣብ ቅልውላው ኣተወ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ፣ ብእተወሰነ መገዲ ኸኣ፡ ናይቲ ቐዳማይ መቐጸልታ እዩ ነይሩ። ጠንቂ እዚ ዅሉ መዓት እንታይ እዩ፧

ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠንቂ ገሊኡ ታሪኻዊ ፍጻመታት ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ፣ ብዛዕባ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እውን ከምኡ። የሱስ ክርስቶስ፡ ‘ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዚለዓለሉ፡’ ኣብ መላእ ምድሪ ድማ ጥሜትን ለበዳን ዚዀነሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11) ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ መዓት እዚ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝዀነ ነገሮም። ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጠመ መዓት ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘጋጠመ ውግእ ዜተሓሕዝ ዝያዳ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኣሎ።—“ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እተገብረ ውግእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እውን ትገልጽ እያ። እቶም ሰለስተ ፈረሰኛታት ድማ ምስቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ እተነበዮ መዓት፡ ማለት ምስ ውግእን ጥሜትን ለበዳን ይመሳሰሉ እዮም። (“እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ብሓቂ ይጋልቡ ድዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብንጹር እምበኣር፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘየቋረጸ እዋን ጭንቂ ኸም ዚጅምር እዩ ገይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ናይዚ ዅሉ ተሓታቲ፡ ሰይጣን ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እሞኸ ንሰይጣን ዚዓግት ደዀን ይህሉ ይኸውን፧

መጽሓፍ ራእይ፡ ሰይጣን ‘ሓጺር እዋን’ ጥራይ ከም ዘለዎ ተረጋግጸልና እያ። (ራእይ 12:12) በዚ ምኽንያት እዚ ስለ እተቘጥዐ ድማ እዩ ኣብ ምድሪ መዓት ዜውርድ ዘሎ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ሰይጣን ተሪፍዎ ዘሎ እዋን ይጽንቀቕ ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ።

ግብሪ ድያብሎስ ምፍራስ

ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ታሪኽ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ውግእን ሰውራን ኣምጺኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብኣውያን መራሕቲ ንሓድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑ እውን ገይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም እተሰጕጐ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ራእይ 12:9) እዚ ብዓይኒ ዘይርአ ገዛኢ እዚ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሓጸርቲ መዓልትታት ዝተረፋኦ ጨካን ውልቀ መላኺ እዩ። እተን ንሰይጣን ዝተረፋኦ መዓልትታት ምስ ተዛዘማ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ ጸገማት እውን ኪዛዘም እዩ።

ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ንግብሪ ድያብሎስ ከም ዜፍርሶ’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (1 ዮሃንስ 3:8) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም። ንስኻኸ ትጽሊዶ፧ እሙናት ሰባት በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሎም፡ ፍቓድ ሰይጣን ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ይትረፍዶ ዓለምለኻዊ ውግእ ኪህሉስ፡ ውግእ ዚብሃል ንባዕሉ ኺጠፍእ እዩ። (መዝሙር 46:9) ብዛዕባ እታ መንግስቲ ተመሃር፣ ሰላም ኣብዛ ምድሪ ኺሰፍን ከሎ ድማ ክትርኢ ኢኻ።—ኢሳይያስ 9:6, 7።

ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እተገብረ ውግእ

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ኣስታት 19 ዘመን ይገብር፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለም” ከም ዚህቦ ተመባጺዕሉ ነበረ። (ማቴዎስ 4:8, 9) የሱስ ነቲ ፈተና እኳ እንተ ነጸጎ፡ ጸኒሑ ግና ንድያብሎስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ዮሃንስ 14:30) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ጽሒፉ ነይሩ እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19።

ሰይጣን ድያብሎስ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኽንድዚ ሓይሊ እንተ ደኣ ኣልይዎ፡ ንቐዳማይ ውግእ ዓለምን ንሳዕቤናቱን ከም ዚሕተተሉ ምዝራብ ርትዓዊዶ ኣይኰነን፧ መጽሓፍ ራእይ እውን እንተ ዀነት፡ ንሰይጣን ምስቲ ኻብ 1914 ንነጀው ኣብ ምድርና ዘጋጠመ መዓት ተተሓሕዞ እያ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ እተገልጸ ፍጻመታት እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ፦

  • ፍቕዲ 7፦ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ መንጎ ሚካኤልን (የሱስ ክርስቶስ) ገበልን (ሰይጣን) ውግእ ተላዒሉ።

  • ፍቕዲ 9፦ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ድያብሎስ፡ ናብ ምድሪ ተደርብዩ።

  • ፍቕዲ 12፦ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።”

ጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻመታት ዓለምን፡ እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ድሕሪ ምቛማ ኸም ዘጋጠመ ይሕብር እዩ።a ስለዚ፡ ኣብታ ኣገዳሲት ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ውግእ ተገይሩ እዩ።

a ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ።

እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ብሓቂ ይጋልቡ ድዮም ዘለዉ፧

ሰማያዊ ንጉስ እተወጥሖ ኣምበላይ ፈረስ

ሰማያዊ ንጉስ እተወጥሖ ኣምበላይ ፈረስ። (ራእይ 6:2) እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ጽድቂ ኺወጽእ እዩ። (መዝሙር 45:4) ቀዳማይ ዕዮኡ ድማ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ምስጓጕ እዩ።—ራእይ 12:9።

ሓመር ፈረስን ኣብ ውግእ ዘለዉ ወተሃደራትን

እቲ ‘ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ እተፈቕደሉ ፈረሰኛ’ እተወጥሖ ሓመር ፈረስ። (ራእይ 6:4) ካብ 1914 ንነጀው፡ ውግእ ንደቂ ሰብ የሳቕዮም ኣሎ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዚዛዘም ድሕሪ 21 ዓመት፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ፣ ዝያዳ ሰባት ከኣ ቀተለ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ህይወት ኣስታት 60 ሚልዮን ሰባት እዩ ቐዚፉ። ካብ 1945 ጀሚሩ፡ እቲ ዚግበር ውግእ ከባብያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ሳዕቤኑ ግና ተመሳሳሊ እዩ። ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብ መበል 20 ዘመን ልዕሊ 100 ሚልዮን ብውግእ ከም ዝሞቱ ይግምቱ።

መጋል ፈረስን ብጥሜት ዚሳቐዩ ቘልዑን

እቲ ንጥሜት ዜመልክት ሚዛን ዝሓዘ ፈረሰኛ እተወጥሖ መጋል ፈረስ። (ራእይ 6:5, 6) ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሓይልታት ኪዳን፡ ናብ ጀርመን ዝዀነ ይኹን ነገር ከይኣቱ ስለ ዝኸልከሉ፡ ኣስታት 750,000 ሰባት ብጥሜት ሞቱ። ብ1921 ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ሩስያውያን ብጥሜት ሞቱ፣ ድሕሪኡ እውን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ከምኡ ኣጋጢሙ እዩ። ብጠቕላላ፡ ኣብ መበል 20 ዘመን፡ 70 ሚልዮን ሰባት ብጥሜት ሞይቶም እዮም። በብዓመቱ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ፡ እተመጣጠነ ምግቢ ስለ ዘይረኽቡ ይሞቱ።

ጨላይ ፈረስን ሕሙማትን

እቲ ብመቕዘፍቲ ገይሩ ሞት ዜምጽእ ፈረሰኛ እተወጥሖ ጨላይ ፈረስ። (ራእይ 6:8) እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ ዝኸፍአ ለበዳ፡ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ እዩ። እተፈላለየ ኣሃዛት እኳ እንተሎ፡ እቲ ለበዳ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐተለ እዩ ዚግመት። ማን ኤንድ ማይክሮብስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ለበዳ፡ ኣብ ታሪኽ ካብ ዘጋጠመ መቕዘፍቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። እቲ ጸሊም ሞት ዚብሃል ተላጋቢ ሕማም እውን እንተ ዀነ፡ ብፍጥነት ክንድኡ ሰብ ኣይቀተለን” በለት። ካልእ ኣብ መበል 20 ዘመን ኣማእታት ሚልዮናት ሰባት ዝቐተለ ለበዳ፡ በዲዶን ዓሶን ዓባይ ሰዓልን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ