ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 1 ገጽ 10
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ብዛዕብኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ጭብጥታት እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 1 ገጽ 10

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ብኸመይ እዩ ዚስራሕን ኣብ ጥቕሚ ዚውዕልን ነይሩ፧

ኣብ መበል 18 ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ፡ ብብራና እተሰርሐ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ኣስቴር

ኣብ መበል 18 ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ፡ ብብራና እተሰርሐ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ኣስቴር

የሱስ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ ቀሊዑ ኸም ዘንበበን ነታ መጽሓፍ ከም ዝጠቕለላን ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ወንጌል ዮሃንስ ከኣ፡ ዮሃንስ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርትታት ኣብታ ንሱ ዝጸሓፋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪጽሕፎ ኸም ዘይከኣለ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተዛሪቡ እዩ።—ሉቃስ 4:16-20፣ ዮሃንስ 20:30፣ 21:25።

ጥቕላላት መጻሕፍቲ ብኸመይ እዩ ዚስራሕ ነይሩ፧ ኣብ ፈለማ፡ ብራና ወይ ጳጲሮስ ብምልግጋብ ነዊሕ ዓለባ ዚመስል ነገር ይስራሕ። ነዚ ድማ ኣብ በትሪ ብምጥቕላል ብውሽጣዊ ሸነኹ ይጽሓፈሉ። እቲ ጽሑፍ ንትኹል ኣብ እተሰርዐ ዓምድታት ንጋድም ይጸሓፍ። እቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ነዊሕ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ ሽነኹ በትሪ ይግበረሉ፣ ስለዚ፡ እቲ ኣንባቢ ነቲ ኼንብቦ ዝደልዮ ኽፋል ጽሑፍ ክሳዕ ዚረክብ ብሓደ ኢዱ እናቐልዐ በቲ ሓደ ኢዱ ይጥቕልሎ።

ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ፡ “ሓደ ጥቕሉል መጽሓፍ ነዊሕ ኪኸውን ይኽእል ስለ ዝነበረ፡ [መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ 10 ሜ.] ንሓደ ምሉእ መጽሓፍ ተጠቕሊሉ ኣብ ሓደ ንእሽቶ ጥቕላል ኪሕዞ ይኽእል ነይሩ እዩ” ይብል። ንኣብነት፡ ወንጌል ሉቃስ ዳርጋ 9.5 ሜ. ዝንውሓቱ ጥቕላል ከም ዝነበረ እዩ ዚግመት። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ጥርዚ ጥቕሉል መጽሓፍ ይቕምቀምን ብእምኒ ተፋሕፊሑ ይለምጽን ቀለም ይለክን ነበረ።

ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተጠቒሶም ዘለዉ “ሊቃውንቲ ኻህናት” መን ኪዀኑ ይኽእሉ፧

ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ

ካብቲ ኣብ እስራኤል ክህነት ዝቘመሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዜገልግል ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ኣብ መጀመርታ እውን ንሱ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እዩ ኸምኡ ኰይኑ ዜገልግል ነይሩ። (ዘሁልቍ 35:25) ኣብ ፈለማ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ እተዋህቦ ኣሮን እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኽብሪ ኻብ ኣቦ ናብቲ ዝዓበየ ወዲ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። (ዘጸኣት 29:9) ብዙሓት ደቂ ኣሮን ካህናት ኰይኖም እኳ እንተ ኣገልገሉ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ግና ሒደት ጥራይ እዮም ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ዘገልገሉ።

እስራኤል ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጓኖት ምስ ኣተወት፡ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ገዛእቲ ንሊቀ ኻህናት ከም ድላዮም ይሸሙን የውርዱን ነበሩ። እቶም ሓደስቲ ዚሽየሙ ግና ካብ እተወሰኑ ዓሌታት፡ መብዛሕትኦም ካብ መስመር ወለዶ ኣሮን ይሕረዩ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። እቲ “ሊቃውንቲ ኻህናት” ዚብል መጸውዒ፡ ንኣውራታት ኣባላት ክህነት እዩ ዜመልክት ነይሩ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ንርእስታት 24 ክፍልታት ካህናትን ንኣውራታት ኣባላት ስድራ ቤታት ሊቀ ኻህናትን ከም ሃና ንዝኣመሰሉ ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩን ዜጠቓልሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—1 ዜና መዋእል 24:1-19፣ ማቴዎስ 2:4፣ ማርቆስ 8:31፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ