ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 10
  • ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብትሕትና ኻብ ልቢ ጸሊ
  • ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ተጠቐም
  • ብቛንቋኻ ጸሊ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 10
ሓደ ኻብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ሰብኣይ ይጽሊ።

እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ ኣምላኽ፡ ኪሰምዓና ባህ እዩ ዚብሎ።—መዝሙር 65:2

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ

ኣምላኽ ንሰባት ብጸሎት ኣቢሎም ምስኡ ኺራኸቡን ስምዒቶም ኪገልጹን ፍሉይ ውህበት ሂብዎም እዩ። ነብዪ ዳዊት፡ “ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (መዝሙር 65:2) ግናኸ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓናን ኪባርኸናን ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ንኽእል፧

ብትሕትና ኻብ ልቢ ጸሊ

ብሕታዊ ጸሎትኩም ናይ ሓቂ ስምዒትኩም ዚገልጽ ምእንቲ ኪኸውን፡ ልብኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍስሱ። (መዝሙር 62:8) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብቕንዕና ንዚቐርብ ልባዊ ጸሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።

ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ተጠቐም

ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብሕታዊ ስሙ ግና ሓንቲ ጥራይ እያ። “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ።” (ኢሳይያስ 42:8) እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስታት 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። ሓያሎ ነብያት ንኣምላኽ ብብሕታዊ ስሙ ይጽውዕዎ ነይሮም እዮም። ኣብርሃም፡ “ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ” ኢሉ እዩ። (ዘፍጥረት 18:27) ንሕና እውን ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ክንጥቀም ኣሎና።

ብቛንቋኻ ጸሊ

እንዛረቦ ቛንቋ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ንሓሳባትናን ንስምዒትናን ይርድኣልና እዩ። ቃሉ ድማ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺባርኸና፡ ጸሎት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንምርምር ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ