ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 13
  • ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧
  • ንእተሸገረ ምሕጋዝ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
  • እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ረድኤት የሆዋ ትቕበል ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንዓሌታዊ ጽልኢ ፍታሕ ዚኸውን እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 13
ሓደ ሰብኣይ ንኻልእ ሰብኣይ ብካርታ ገይሩ ኣንፈት ይሕብሮ።

ንኻልኦት ዕድመኦም፡ ዜግነቶም ወይ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ክትሕግዞም ትኽእልዶ፧

ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ምግብን መጽለልን ምርካብ የሸግሮም ኣሎ። ገሊኦም ንመጻኢ ዚኸውን ተስፋ ጥራይ እዩ ዜድልዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ከም እንረክብ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧

“ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።”—ምሳሌ 19:17።

ንእተሸገረ ምሕጋዝ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኸተርቲ ዝኸትከትዎ፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ድማ ዝገደፍዎ ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንትዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 10:29-37) ሓደ ሕያዋይ ሓላፊ መገዲ ደው በለ እሞ፡ ነቲ ኣመና ዝቘሰለ ሰብኣይ ተኸናኸኖ። ካብ ናቱ ዓሌት ዘይኰነ ኽነሱ እዩ ተኸናኺንዎ።

እዚ ለዋህ ሰብኣይ እዚ፡ ነቲ እተጐድአ ቐዳማይ ረድኤትን ንዋታዊ ሓገዝን ጥራይ ኣይኰነን ሂብዎ፡ የግዳስ፡ ኣጸናኒዕዎን ካብ ጭንቀቱ እፎይ ከም ዚብል ገይርዎን እዩ።

ካብዛ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ንእተሸገሩ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ምሳሌ 14:31) ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንድኽነትን ንመከራን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ይምህር እዩ። ኣምላኽ ነዚ ብኸመይን መዓስን ከም ዚገብሮ የተሓሳስበካ ይኸውን። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪኻ ነዚ በረኸት እዚ ብኸመይ ከም ዚህበካ ኽትገልጽ እያ።

“ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጠንጠነንን”!

ሓደ ኻብ ጋምብያ እተሰድደ ዘዘንተዎ

“ኣብ ኤውሮጳ ምስ በጻሕኩ፡ ስራሕ፡ ገንዘብ ኰነ ገዛ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረንን። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸብክዎ ትምህርትታት፡ ንዘሎኒ ብሜላ ኽጥቀም፡ ህርኩት ሰራሕተኛ ክኸውን፡ ንኻልኦት ክሕግዝ እምበር ካብ ካልኦት ከይጽበ ሓጊዙኒ እዩ። ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጠንጠነንን፡ በረኸቱ ድማ ረኺበ እየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ