ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ታሕሳስ ገጽ 32
  • ተመክሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተመክሮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ ርሕሩሕ ምዃን
  • ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • “ርሕራሐ ኣምላኽና”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ብለውሃት እትደናገጹ ኩኑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ርሕሩሕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ታሕሳስ ገጽ 32

ተመክሮ

ንዅሉ ርሕሩሕ ምዃን

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እትነብር ሓብቲ ንሓድሕድና ብዛዕባ ምትሕልላይ እትገልጽ ቪድዮ ረኣየት፣ እታ ቪድዮ፡ የሆዋ ርሕራሐ ኣብ ውሽጡ ኸም ዚስምዖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ብግብሪ ኸም ዜርእዮ እትገልጽ እያ። (ኢሳ. 63:7-9) ስለዚ፡ እታ ሓብቲ ነቲ እተማህረቶ ኽትትግብሮ ወሰነት። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣስቤዛ እናዓደገት ከላ፡ ምስ ሓንቲ ግዳም ሓደር ሰበይቲ ተራኸበት፣ ንዓኣ ድማ ምግቢ ኽትዕድገላ ፍቓደኛ ምዃና ነገረታ። እታ ሰበይቲ ነቲ ሓሳብ ተቐበለቶ። እታ ሓብቲ ነቲ ምግቢ ሒዛ ምስ ተመልሰት፡ በታ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ዘርእስታ ትራክት ገይራ ኣሕጽር ኣቢላ መስከረትላ።

እታ ሰበይቲ ኽትበኪ ጀመረት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ከም ዝዓበየት፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ግና ንሓቂ ኸም ዝሓደገቶ ገለጸትላ። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽትምለስ ካብኡ ሓገዝ ትልምን ነበረት። ሽዑ እታ ሓብቲ ነታ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበታ፡ መጽናዕቲ ንምጅማር እውን ቈጸራ ገበራ።a

ነቲ የሆዋ ንዅሉ ሰብ ዜርእዮ ርሕራሐ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንቤተ ሰብናን ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ርሕራሐ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ንምምስካር እንረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ከኣ፡ ርሕራሐ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

a ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ንምፍላጥ፡ ኣብ ናይ ሰነ 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ናባይ ተመለሱ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ