-
ዘሁልቍ 28:11-13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
11 “‘ኣብ መመጀመርታ ወርሒ* ድማ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ጥዑያት ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 12 ነንሓደ ዝራብዕ ድማ፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ ነቲ ሓደ ድዑል ከኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ 13 ነንሓደ ገንሸል ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ።+
-