ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘጸኣት 23:16
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 16 ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ በዅሪ ፍረ ጻዕርኻ በዓል ዓጺድ* ኣብዕል፣+ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+

  • ዘሌዋውያን 23:34-36
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 34 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እዛ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ንየሆዋ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ ይኹን።+ 35 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፣ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኸኣ ኣይትዕየዩ። 36 ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣+ ንየሆዋ ኸኣ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዩ። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።

  • ዘዳግም 16:13-15
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 13 “ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ+ ኣብዕል። 14 ንስኻ ኸኣ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ምስ ዘለዉ ሌዋውን ጓናን ዘኽታምን መበለትን ብበዓልካ ተሓጐስ።+ 15 የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ እቶትካን ኵሉ ተግባርካን ኪባርኸልካ፡+ ንስኻ ኸኣ ኣብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትሕጐስ ጥራይ ኢኻ+ እሞ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ኣብዕል።+

  • ነህምያ 8:14-18
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 14 ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚብዓል በዓል፡ እስራኤላውያን ኣብ ዳሳት ኪቕመጡ ኸም ዘለዎም የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ድማ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ረኸቡ፣+ 15 ኣብ ኵለን ከተማታቶምን ኣብ ብዘላ የሩሳሌምን ከኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኬድኩም፡ ከምቲ እተጻሕፈ፡ ዳሳት ንምስራሕ ዚኸውን ልሙዕ ጨናፍር ካብ ኣእዋም ኣውልዕን ኣእዋም ጽሕድን ኣእዋም ኣደስን ኣእዋም ስየን ልሙዕ ጨናፍር ካልእ ኣእዋምን ኣምጽኡ” ኢሎም ኬስምዑን ኪእውጁን+ ከም ዘለዎም እውን ረኸቡ።

      16 እቶም ህዝቢ ኸኣ ወጺኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ ኣጸዳቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ማይን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ንርእሶም ዚኸውን ዳሳት ዚሰርሑሉ ኣምጽኡ። 17 በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ጉባኤ፡ ዳሳት ሰሪሖም፡ ኣብ ዳሳት ተቐመጡ። እስራኤላውያንሲ ኻብ ዘመን እያሱ+ ወዲ ነዌ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምኡ ኣይገበሩን ነበሩ፣ ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 18 ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብታ መጽሓፍ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይንበብ ነበረ።+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ በዓል ኣብዓሉ፣ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ከምቲ ስርዓት፡ ፍሉይ ኣኼባ ዀነ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ