ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 43
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እቶም ህዝቢ ምእዛዝ ኣብዮም ናብ ግብጺ ኸዱ (1-7)

      • ኣብ ግብጺ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ (8-13)

ኤርምያስ 43:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:16፣ 42:1-3

ኤርምያስ 43:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:4፣ 45:1
  • +ኤር 38:4, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 19

ኤርምያስ 43:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዅሉ ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:11, 12

ኤርምያስ 43:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:10
  • +2ነገ 25:22
  • +2ዜና 34:20, 21፣ ኤር 26:24
  • +2ነገ 22:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 19

ኤርምያስ 43:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:14, 16፣ 44:1፣ ህዝ 30:4, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 19

ኤርምያስ 43:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9፣ 27:6፣ ህዝ 29:19, 20
  • +ዳን 2:21፣ 5:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 160-161

ኤርምያስ 43:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 19፣ 46:13፣ ህዝ 29:19፣ 30:4, 18
  • +ኤር 44:13፣ ህዝ 5:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 160-161

ኤርምያስ 43:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብያተ መቕደስ።”

  • *

    ወይ፡ “ከይተጐድአ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:25

ኤርምያስ 43:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክዋኒታት።”

  • *

    ወይ፡ “ቤት (ቤተ መቕደስ) ጸሓይ፡” ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።

  • *

    ወይ፡ “ንኣብያተ መቕደስ።”

ሓፈሻዊ

ኤር. 43:2ኤር 41:16፣ 42:1-3
ኤር. 43:3ኤር 36:4፣ 45:1
ኤር. 43:3ኤር 38:4, 6
ኤር. 43:5ኤር 40:11, 12
ኤር. 43:6ኤር 39:10
ኤር. 43:62ነገ 25:22
ኤር. 43:62ዜና 34:20, 21፣ ኤር 26:24
ኤር. 43:62ነገ 22:8
ኤር. 43:7ኤር 2:14, 16፣ 44:1፣ ህዝ 30:4, 18
ኤር. 43:10ኤር 25:9፣ 27:6፣ ህዝ 29:19, 20
ኤር. 43:10ዳን 2:21፣ 5:18
ኤር. 43:11ኤር 25:17, 19፣ 46:13፣ ህዝ 29:19፣ 30:4, 18
ኤር. 43:11ኤር 44:13፣ ህዝ 5:12
ኤር. 43:12ኤር 46:25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 43:1-13

ኤርምያስ

43 ኤርምያስ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ኵሉ እዚ ቓላት የሆዋ ኣምላኾም እዚ፡ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኾም ኪነግሮም ዝለኣኾ ቓላት፡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ 2 ዓዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ተዳፈርቲ ሰባትን ንኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “እቲ እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ! የሆዋ ኣምላኽና፡ ‘ኣብኣ ኽትነብሩ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ’ ኽትብል ኢሉ ኣይለኣኸካን። 3 ባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ምእንቲ ኽንቅተል ወይ ናብ ባቢሎን ተማሪኽና ምእንቲ ኽንውሰድ፡ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ክንውሃብ ኢሉ ኣንጻርና ዜለዓዕለካ ዘሎ።”+

4 ስለዚ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺጸንሑ ዚብል ድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። 5 ኣብ ክንዳኡስ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሎም* እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺነብሩ ኻብቶም ተበቲኖምሎም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ እተመልሱ ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰድዎም።+ 6 ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ንኣዋልድ ንጉስን ንዅሎም እቶም ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ምስ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ዝሓደጎምን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰድዎም። 7 ንድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዙን እሞ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸዱ፣ ክሳብ ታህጳኔስ+ ከኣ ከዱ።

8 ሽዑ፡ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 9 “ብኢድካ ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፈርኦን፡ ኣብ ታህጳኔስ ዘሎ መደብ ሕጡብ፡ ሰብኡት ኣይሁድ እናረኣዩኻ ኣብ ጭቃ ሕብኣየን። 10 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ+ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ አምጽኦ ኣለኹ፣ ንዝፋኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሓባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፣ ንጉሳዊ ድንኳኑ ድማ ኣብ ልዕሊአን ኪዝርግሕ እዩ።+ 11 መጺኡ ኸኣ ንምድሪ ግብጺ ኺወቕዓ እዩ።+ ንመቕዘፍቲ እተባህለ ንመቕዘፍቲ፡ ንምርኮ እተባህለ ንምርኮ፡ ንሰይፊ እተባህለ ንሰይፊ ኪኸውን እዩ።+ 12 ኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ንዓታተን ኬንድደን፡ ንዓታቶም እውን ኪማርኾም እዩ። ከምቲ ጓሳ ብኽዳኑ ዚኽደን፡ ንምድሪ ግብጺ ኪኽደና እዩ፣ ካብኣ እውን ብሰላም* ኪኸይድ እዩ። 13 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ሓወልትታት* ቤት-ሸመሽ* ድማ ኪሰባብር፡ ንኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ እውን ብሓዊ ኼንድድ እዩ።”’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ