ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ራእይ 4፦ ክዳውንቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ተተክአ (1-10)

        • ሰይጣን ንእያሱ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጻረሮ (1)

        • ‘ንጊልያይ ብቋል ከምጽኦ እየ’ (8)

ዘካርያስ 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 5:2፣ ሃጌ 1:14፣ ዘካ 6:11
  • +እዮ 1:6

ዘካርያስ 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ይሁ 9
  • +2ዜና 6:6፣ ዘካ 2:12

ዘካርያስ 3:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በደልካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:2

ዘካርያስ 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:6

ዘካርያስ 3:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሓላፍነት ክትቈጻጸር፣ ክትሕሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 2:7

ዘካርያስ 3:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 42:1፣ 52:13
  • +ኢሳ 11:1፣ 53:2, 11፣ ኤር 23:5፣ 33:15፣ ዘካ 6:12

ዘካርያስ 3:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:20

ዘካርያስ 3:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:25፣ ሆሴ 2:18፣ ሚክ 4:4

ሓፈሻዊ

ዘካ. 3:1እዝ 5:2፣ ሃጌ 1:14፣ ዘካ 6:11
ዘካ. 3:1እዮ 1:6
ዘካ. 3:2ይሁ 9
ዘካ. 3:22ዜና 6:6፣ ዘካ 2:12
ዘካ. 3:4ዘጸ 28:2
ዘካ. 3:5ዘጸ 29:6
ዘካ. 3:7ሚል 2:7
ዘካ. 3:8ኢሳ 42:1፣ 52:13
ዘካ. 3:8ኢሳ 11:1፣ 53:2, 11፣ ኤር 23:5፣ 33:15፣ ዘካ 6:12
ዘካ. 3:9ኤር 50:20
ዘካ. 3:101ነገ 4:25፣ ሆሴ 2:18፣ ሚክ 4:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 3:1-10

ዘካርያስ

3 ንእያሱ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ የሆዋ ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፣ ሰይጣን+ ከኣ ኪጻረሮ ኢሉ ኣብ የማኑ ደው ኢሉ ነበረ። 2 ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ኣታ ሰይጣን፡+ የሆዋ ይግናሕካ፣ እወ፡ እቲ ንየሩሳሌም ዝሓረያ የሆዋ+ ይግናሕካ! እዝስ ካብ ሓዊ እተመንዝዐ ዚነድድ እያድ ደይኰነን፧” በሎ።

3 እያሱ ድማ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። 4 እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቱ ኻብኡ ኣልግስዎ” በሎም። ንዕኡ ድማ፡ “ርአ፡ ስሕተትካ* ኻባኻ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፣ ብሉጽ ክዳውንቲ እውን ክትክደን ኢኻ” በሎ።+

5 ኣነ ኸኣ፡ “ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ይገበረሉ” በልኩ።+ ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ገበሩሉ፡ ክዳውንቲ እውን ከደንዎ፣ እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ነበረ። 6 ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 7 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ሓላፍነታትካ እንተ ፈጺምካ፡ ሽዑ ኣብ ቤተይ ዳኛ ዄንካ ኸተገልግል፡+ ንኣጸዳተይ እውን ክትከናኸን* ኢኻ፣ ናብ መንጎ እቶም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ድማ ብናጻ ኽትኣቱ መእተዊ ኽህበካ እየ።’

8 “‘ኣታ ሊቀ ኻህናት እያሱ፡ ንስኻ ምስቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካ በጃኻ ስማዕ፣ እዞም ሰባት እዚኦምሲ ንምልክት ዚዀኑ እዮም። እንሆ፡ ንጊልያይ+ ብቋል+ አምጽኦ ኣለኹ! 9 ነታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርዋ እምኒ ርኣያ! ኣብ ሓንቲ እምኒ ሸውዓተ ዓይኒ ኣሎ፣ ኣብኣ ድማ ጽሑፍ ክቐርጽ እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘በደል እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቕ እየ።’+

10 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ንብጻይኩም ናብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንኹምን ናብ ትሕቲ ኦም በለስኩምን ኪመጽእ ክትዕድሙ ኢኹም።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ