ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 36
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (1-3)

      • እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (4-22)

ኢሳይያስ 36:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:5
  • +2ነገ 18:13፣ 2ዜና 32:1፣ ኢሳ 8:7, 8፣ 10:28-32፣ 33:8

ኢሳይያስ 36:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:9
  • +2ነገ 19:8
  • +2ነገ 18:17, 18
  • +ኢሳ 7:3

ኢሳይያስ 36:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:20, 21
  • +2ነገ 19:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2007፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 36:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:19-25፣ 19:10

ኢሳይያስ 36:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:1, 7

ኢሳይያስ 36:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:4፣ ኢሳ 30:2, 7፣ ኤር 37:7

ኢሳይያስ 36:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:11፣ 2ዜና 7:12፣ 32:12
  • +2ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 31:1

ኢሳይያስ 36:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:13

ኢሳይያስ 36:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብቛንቋ ሶርያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:15
  • +2ነገ 18:17
  • +እዝ 4:7፣ ዳን 2:4
  • +2ነገ 18:26, 27

ኢሳይያስ 36:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:18
  • +2ነገ 18:28-35

ኢሳይያስ 36:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:11, 15፣ ዳን 3:15

ኢሳይያስ 36:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:22

ኢሳይያስ 36:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምሳይ በረኸት ግበሩ፡ ናባይ ድማ ውጹ።”

ኢሳይያስ 36:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6, 22, 23

ኢሳይያስ 36:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:11, 12፣ 2ዜና 32:14፣ ኢሳ 37:11, 12

ኢሳይያስ 36:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:23
  • +2ነገ 17:24
  • +2ነገ 17:6, 22, 23፣ ኢሳ 10:11

ኢሳይያስ 36:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:17, 18፣ 2ዜና 32:15፣ ኢሳ 37:23

ኢሳይያስ 36:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:36, 37፣ ምሳ 9:7

ኢሳይያስ 36:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:15

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 36:1ኢሳ 10:5
ኢሳ. 36:12ነገ 18:13፣ 2ዜና 32:1፣ ኢሳ 8:7, 8፣ 10:28-32፣ 33:8
ኢሳ. 36:22ዜና 32:9
ኢሳ. 36:22ነገ 19:8
ኢሳ. 36:22ነገ 18:17, 18
ኢሳ. 36:2ኢሳ 7:3
ኢሳ. 36:3ኢሳ 22:20, 21
ኢሳ. 36:32ነገ 19:2
ኢሳ. 36:42ነገ 18:19-25፣ 19:10
ኢሳ. 36:52ነገ 18:1, 7
ኢሳ. 36:62ነገ 17:4፣ ኢሳ 30:2, 7፣ ኤር 37:7
ኢሳ. 36:7ዘዳ 12:11፣ 2ዜና 7:12፣ 32:12
ኢሳ. 36:72ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 31:1
ኢሳ. 36:82ነገ 18:13
ኢሳ. 36:11ኢሳ 22:15
ኢሳ. 36:112ነገ 18:17
ኢሳ. 36:11እዝ 4:7፣ ዳን 2:4
ኢሳ. 36:112ነገ 18:26, 27
ኢሳ. 36:132ዜና 32:18
ኢሳ. 36:132ነገ 18:28-35
ኢሳ. 36:142ዜና 32:11, 15፣ ዳን 3:15
ኢሳ. 36:152ነገ 19:22
ኢሳ. 36:172ነገ 17:6, 22, 23
ኢሳ. 36:182ነገ 19:11, 12፣ 2ዜና 32:14፣ ኢሳ 37:11, 12
ኢሳ. 36:19ኤር 49:23
ኢሳ. 36:192ነገ 17:24
ኢሳ. 36:192ነገ 17:6, 22, 23፣ ኢሳ 10:11
ኢሳ. 36:202ነገ 19:17, 18፣ 2ዜና 32:15፣ ኢሳ 37:23
ኢሳ. 36:212ነገ 18:36, 37፣ ምሳ 9:7
ኢሳ. 36:22ኢሳ 22:15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 36:1-22

ኢሳይያስ

36 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 2 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሶር ንራብሳቀ*+ ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ+ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ድማ ቈሙ። 3 ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናብኡ ወጹ።

4 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+ 5 ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+ 6 እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ።+ 7 ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’ እንተ ኢልካኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ’+ ኢሉ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ+ ንሱ ደይኰነን፧”’ 8 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦+ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ። 9 ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 10 ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።”

11 ሽዑ፡ ኤልያቂምን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 12 እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በለ።

13 ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ+ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 14 ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 15 ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 16 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 17 መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። 18 ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኣየስሕትኩም። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧+ 19 ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧+ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምከ ኣበይ ኣለዉ፧+ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 20 የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚአን ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+

21 ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 22 እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ