ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ (1, 2)

      • የሆዋ ንህዝቡ ሓደ ይገብሮም (3-12)

        • ካብ ቤት ይሁዳ ዚመጽእ ኣውራ (3, 4)

ዘካርያስ 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 11:14፣ ኤር 14:22፣ 51:16፣ ህዝ 34:26፣ ዮኤ 2:23

ዘካርያስ 10:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትስ፣ ጣኦታትሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ስሒር፣ ምስጢራዊ ነገር።”

ዘካርያስ 10:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:16, 17

ዘካርያስ 10:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ግምቢ መኣዝን፡” ንኣድላዪ ወይ ንኣገዳሲ ሰብ፡ ንሓለቓ የመልክት።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሽኻል፡” ንሓደ ደገፍ ዝዀነ፡ ንገዛኢ የመልክት።

  • *

    ወይ፡ “ኣዕያዪ።”

ዘካርያስ 10:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:1
  • +ሃጌ 2:22

ዘካርያስ 10:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:18፣ ህዝ 37:16, 19፣ ሆሴ 1:10, 11
  • +ኤር 31:9, 20
  • +ኤር 30:18

ዘካርያስ 10:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 9:15
  • +ኢሳ 66:14፣ ጸፎ 3:14

ዘካርያስ 10:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:22፣ 51:11

ዘካርያስ 10:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:11
  • +ኤር 50:19፣ ሚክ 7:14
  • +ኢሳ 49:19, 20፣ 54:1, 2

ዘካርያስ 10:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:15
  • +ኢሳ 19:1፣ ህዝ 30:13

ዘካርያስ 10:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:10፣ 45:24
  • +ሚክ 4:5

ሓፈሻዊ

ዘካ. 10:1ዘዳ 11:14፣ ኤር 14:22፣ 51:16፣ ህዝ 34:26፣ ዮኤ 2:23
ዘካ. 10:3ህዝ 34:16, 17
ዘካ. 10:5ዘዳ 20:1
ዘካ. 10:5ሃጌ 2:22
ዘካ. 10:6ኤር 3:18፣ ህዝ 37:16, 19፣ ሆሴ 1:10, 11
ዘካ. 10:6ኤር 31:9, 20
ዘካ. 10:6ኤር 30:18
ዘካ. 10:7ዘካ 9:15
ዘካ. 10:7ኢሳ 66:14፣ ጸፎ 3:14
ዘካ. 10:8ኢሳ 44:22፣ 51:11
ዘካ. 10:10ኢሳ 11:11
ዘካ. 10:10ኤር 50:19፣ ሚክ 7:14
ዘካ. 10:10ኢሳ 49:19, 20፣ 54:1, 2
ዘካ. 10:11ኢሳ 11:15
ዘካ. 10:11ኢሳ 19:1፣ ህዝ 30:13
ዘካ. 10:12ኢሳ 41:10፣ 45:24
ዘካ. 10:12ሚክ 4:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 10:1-12

ዘካርያስ

10 “ብግዜ ዝናም ጽብሓት ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ።

ደበናታት ዚገብር፡

ዝናም ከኣ ዜዝንመሎም፡+

ንዅሉ እውን ኣትክልቲ መሮር ዚህብ፡ የሆዋ እዩ።

 2 ተራፊምሲ* ምትላል* ይዛረቡ፣

ጠንቈልቲ ድማ ራእይ ሓሶት ይርእዩ።

ብዛዕባ ዘይጠቅም ሕልምታቶም ይዛረቡ፣

ብኸንቱ ኸኣ ኬጸናንዑ ይፍትኑ።

ስለዚ፡ ከም ኣባጊዕ ኰለል ኪብሉ እዮም።

ጓሳ የልቦን እሞ፡ ኪሳቐዩ እዮም።

 3 ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ኪነድድ፡

ነቶም ጨቈንቲ መራሕቲ* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣

የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ቘላሕታኡ ናብ መጓሰኡ፡ ናብ ቤት ይሁዳ ገይሩ ኣሎ፣+

ኣብ ውግእ ከኣ ከምቲ ግሩም ፈረሱ ኺገብሮም እዩ።

 4 ካብኡ ኣውራ* ይመጽእ፣

ካብኡ ዚድግፍ ገዛኢ* ይመጽእ፣

ካብኡ ቐስቲ ውግእ ይመጽእ፣

ካብኡ ዅሉ ሓለቓ፡* ኵሉ ብሓባር ይወጽእ።

 5 ከም ጀጋኑ ድማ ኪዀኑ፡

ኣብ ውግእ ከኣ ኣብ ጐደናታት ጭቃ ኺረግጹ እዮም።

የሆዋ ምሳታቶም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፣+

ተወጣሕቲ ኣፍራስ ድማ ኪሓፍሩ እዮም።+

 6 ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡

ንቤት ዮሴፍ ከኣ ከድሕና እየ።+

ክምሕሮም እየ እሞ፡+

ክመልሶም እየ፣

ከም ዘይደርበኽዎም ድማ ኪዀኑ እዮም፣+

ኣነስ የሆዋ ኣምላኾም እየ፡ ክምልሰሎም እውን እየ።

 7 እቶም ካብ ኤፍሬም ዘበሉ ኸም ጀጋኑ ኪዀኑ እዮም፣

ልቦም ከኣ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ።+

ደቆም ድማ እዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፣

ልቦም እውን ብየሆዋ ባህ ኪብሎ እዩ።+

 8 ‘ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣

ኣነስ ክብጀዎም እየ፡+ ንሳቶም ከኣ ኪበዝሑ፡

መሊሶም እውን ኪበዝሑ እዮም እሞ፡

 9 ኣብ ህዝብታት እኳ እንተ ዘራእክዎም፡

ኣብ ርሑቕ ኪዝክሩኒ እዮም፣

ምስ ደቆም ድማ ኪሕደሱን ኪምለሱን እዮም።

10 ካብ ምድሪ ግብጺ ኽመልሶም፡

ካብ ኣሶር ከኣ ክእክቦም እየ፣+

ናብ ምድሪ ጊልዓድን+ ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፣

ዚኣኽሎም ቦታ ድማ ኣይኪርከብን እዩ።+

11 ንሱ ብባሕሪ ኣጨኒቑ ኺሓልፍ እዩ፣

ኣብ ባሕሪ ኸኣ ንማዕበላት ኪወቕዖ እዩ፣+

ኵሉ መዓሙቝ ኒል ኪነቅጽ እዩ።

ትምክሕቲ ኣሶር ኪወርድ፡

ዘንጊ ግብጺ ኺርሕቕ እዩ።+

12 ብየሆዋ ኸበርትዖም እየ፣+

ብስሙ ድማ ኪመላለሱ እዮም’+ ይብል የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ