ዘካርያስ
10 “ብግዜ ዝናም ጽብሓት ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ።
ብዛዕባ ዘይጠቅም ሕልምታቶም ይዛረቡ፣
ብኸንቱ ኸኣ ኬጸናንዑ ይፍትኑ።
ስለዚ፡ ከም ኣባጊዕ ኰለል ኪብሉ እዮም።
ጓሳ የልቦን እሞ፡ ኪሳቐዩ እዮም።
3 ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ኪነድድ፡
ነቶም ጨቈንቲ መራሕቲ* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣
የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ቘላሕታኡ ናብ መጓሰኡ፡ ናብ ቤት ይሁዳ ገይሩ ኣሎ፣+
ኣብ ውግእ ከኣ ከምቲ ግሩም ፈረሱ ኺገብሮም እዩ።
5 ከም ጀጋኑ ድማ ኪዀኑ፡
ኣብ ውግእ ከኣ ኣብ ጐደናታት ጭቃ ኺረግጹ እዮም።
6 ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡
ንቤት ዮሴፍ ከኣ ከድሕና እየ።+
7 እቶም ካብ ኤፍሬም ዘበሉ ኸም ጀጋኑ ኪዀኑ እዮም፣
ልቦም ከኣ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ።+
ደቆም ድማ እዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፣
ልቦም እውን ብየሆዋ ባህ ኪብሎ እዩ።+
8 ‘ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣
ኣነስ ክብጀዎም እየ፡+ ንሳቶም ከኣ ኪበዝሑ፡
መሊሶም እውን ኪበዝሑ እዮም እሞ፡
9 ኣብ ህዝብታት እኳ እንተ ዘራእክዎም፡
ኣብ ርሑቕ ኪዝክሩኒ እዮም፣
ምስ ደቆም ድማ ኪሕደሱን ኪምለሱን እዮም።
ትምክሕቲ ኣሶር ኪወርድ፡
ዘንጊ ግብጺ ኺርሕቕ እዩ።+