ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ግራት ዓደገ (1-15)

      • ጸሎት ኤርምያስ (16-25)

      • ምላሽ የሆዋ (26-44)

ኤርምያስ 32:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:1

ኤርምያስ 32:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 3:25፣ ኤር 33:1፣ 38:28

ኤርምያስ 32:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:18, 21
  • +ኤር 34:2, 3፣ 37:8, 17

ኤርምያስ 32:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:6, 7፣ ኤር 38:17, 18፣ 39:5፣ ህዝ 12:13

ኤርምያስ 32:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:4፣ ህዝ 17:15

ኤርምያስ 32:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:23, 24
  • +እያ 21:8, 18፣ ኤር 1:1

ኤርምያስ 32:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 23:16

ኤርምያስ 32:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:44
  • +ሩት 4:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 18-19

    1/8/1997፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 32:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 11

    1/8/1997፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 32:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:4, 26
  • +ኤር 51:59
  • +ኤር 33:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/1997፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 32:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/1997፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 32:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 9:14፣ ዘካ 3:10

ኤርምያስ 32:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜደንቐካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:26፣ ራእ 4:11

ኤርምያስ 32:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፊ ደቆም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6, 7፣ ዘሁ 14:18

ኤርምያስ 32:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዕላማኻ ብዚምልከት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:29
  • +መክ 12:14፣ ኤር 17:10፣ ሮሜ 2:6
  • +ምሳ 15:3፣ እብ 4:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 119

ኤርምያስ 32:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 7:3, 5፣ 9:15, 16፣ ዘዳ 4:34፣ 2ሳሙ 7:23፣ ኢሳ 63:12

ኤርምያስ 32:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:1, 6፣ 15:16፣ ዘዳ 26:8

ኤርምያስ 32:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:8
  • +ዘፍ 13:14, 15፣ 26:3

ኤርምያስ 32:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15፣ እያ 23:16

ኤርምያስ 32:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕማምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:52፣ 2ነገ 25:1፣ ኤር 33:4፣ ህዝ 4:1, 2
  • +ዘሌ 26:31, 33
  • +ኤር 14:12፣ 15:2

ኤርምያስ 32:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”

  • *

    ወይ፡ “ዜደንቐኒ።”

ኤርምያስ 32:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:4፣ ኤር 20:5

ኤርምያስ 32:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:18፣ 19:13፣ 44:25
  • +2ነገ 25:9, 10፣ 2ዜና 36:17, 19፣ ድጕ 4:11

ኤርምያስ 32:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 9:7፣ 2ነገ 17:9

ኤርምያስ 32:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:27፣ 24:3, 4
  • +1ነገ 11:7፣ 2ነገ 21:1, 4

ኤርምያስ 32:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:9, 10፣ 2ነገ 23:26፣ 1ዜና 10:13
  • +ህዝ 22:6
  • +ሚክ 3:5, 11

ኤርምያስ 32:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:6፣ ኤር 2:27
  • +ኤር 25:3፣ 35:15

ኤርምያስ 32:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:1, 4፣ ኤር 23:11፣ ህዝ 8:5, 6

ኤርምያስ 32:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ሓሳበይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:1, 3፣ 33:1, 6፣ ኤር 7:31
  • +እያ 15:8, 12
  • +ዘሌ 18:21፣ ዘዳ 18:10, 12

ኤርምያስ 32:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ ኤር 29:14፣ ህዝ 37:21
  • +ኤር 23:3, 6፣ 33:16፣ ህዝ 34:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1995፡ ገጽ 21-22

ኤርምያስ 32:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:33፣ ሚክ 4:5

ኤርምያስ 32:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:29
  • +ህዝ 11:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1995፡ ገጽ 21-23

ኤርምያስ 32:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 39:29
  • +ኢሳ 55:3፣ 61:8
  • +ህዝ 36:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1995፡ ገጽ 21-23

ኤርምያስ 32:41

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:19፣ ጸፎ 3:17
  • +ኢሳ 58:11፣ ኤር 24:6፣ ኣሞ 9:15

ኤርምያስ 32:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:28፣ ዘካ 8:14, 15

ኤርምያስ 32:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 37:14

ኤርምያስ 32:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 126:1
  • +ኤር 32:10, 25
  • +ኤር 31:23
  • +ኤር 17:26፣ 33:13

ሓፈሻዊ

ኤር. 32:1ኤር 25:1
ኤር. 32:2ነህ 3:25፣ ኤር 33:1፣ 38:28
ኤር. 32:3ኤር 37:18, 21
ኤር. 32:3ኤር 34:2, 3፣ 37:8, 17
ኤር. 32:42ነገ 25:6, 7፣ ኤር 38:17, 18፣ 39:5፣ ህዝ 12:13
ኤር. 32:5ኤር 21:4፣ ህዝ 17:15
ኤር. 32:7ዘሌ 25:23, 24
ኤር. 32:7እያ 21:8, 18፣ ኤር 1:1
ኤር. 32:9ዘፍ 23:16
ኤር. 32:10ኤር 32:44
ኤር. 32:10ሩት 4:9
ኤር. 32:12ኤር 36:4, 26
ኤር. 32:12ኤር 51:59
ኤር. 32:12ኤር 33:1
ኤር. 32:15ኣሞ 9:14፣ ዘካ 3:10
ኤር. 32:17ኢሳ 40:26፣ ራእ 4:11
ኤር. 32:18ዘጸ 34:6, 7፣ ዘሁ 14:18
ኤር. 32:19ኢሳ 28:29
ኤር. 32:19መክ 12:14፣ ኤር 17:10፣ ሮሜ 2:6
ኤር. 32:19ምሳ 15:3፣ እብ 4:13
ኤር. 32:20ዘጸ 7:3, 5፣ 9:15, 16፣ ዘዳ 4:34፣ 2ሳሙ 7:23፣ ኢሳ 63:12
ኤር. 32:21ዘጸ 6:1, 6፣ 15:16፣ ዘዳ 26:8
ኤር. 32:22ዘጸ 3:8
ኤር. 32:22ዘፍ 13:14, 15፣ 26:3
ኤር. 32:23ዘዳ 28:15፣ እያ 23:16
ኤር. 32:24ዘዳ 28:52፣ 2ነገ 25:1፣ ኤር 33:4፣ ህዝ 4:1, 2
ኤር. 32:24ዘሌ 26:31, 33
ኤር. 32:24ኤር 14:12፣ 15:2
ኤር. 32:282ነገ 25:4፣ ኤር 20:5
ኤር. 32:29ኤር 7:18፣ 19:13፣ 44:25
ኤር. 32:292ነገ 25:9, 10፣ 2ዜና 36:17, 19፣ ድጕ 4:11
ኤር. 32:30ዘዳ 9:7፣ 2ነገ 17:9
ኤር. 32:312ነገ 23:27፣ 24:3, 4
ኤር. 32:311ነገ 11:7፣ 2ነገ 21:1, 4
ኤር. 32:321ነገ 11:9, 10፣ 2ነገ 23:26፣ 1ዜና 10:13
ኤር. 32:32ህዝ 22:6
ኤር. 32:32ሚክ 3:5, 11
ኤር. 32:332ዜና 29:6፣ ኤር 2:27
ኤር. 32:33ኤር 25:3፣ 35:15
ኤር. 32:342ነገ 21:1, 4፣ ኤር 23:11፣ ህዝ 8:5, 6
ኤር. 32:352ዜና 28:1, 3፣ 33:1, 6፣ ኤር 7:31
ኤር. 32:35እያ 15:8, 12
ኤር. 32:35ዘሌ 18:21፣ ዘዳ 18:10, 12
ኤር. 32:37ዘዳ 30:3፣ ኤር 29:14፣ ህዝ 37:21
ኤር. 32:37ኤር 23:3, 6፣ 33:16፣ ህዝ 34:25
ኤር. 32:38ኤር 31:33፣ ሚክ 4:5
ኤር. 32:39ዘዳ 5:29
ኤር. 32:39ህዝ 11:19
ኤር. 32:40ህዝ 39:29
ኤር. 32:40ኢሳ 55:3፣ 61:8
ኤር. 32:40ህዝ 36:26
ኤር. 32:41ኢሳ 65:19፣ ጸፎ 3:17
ኤር. 32:41ኢሳ 58:11፣ ኤር 24:6፣ ኣሞ 9:15
ኤር. 32:42ኤር 31:28፣ ዘካ 8:14, 15
ኤር. 32:43ህዝ 37:14
ኤር. 32:44መዝ 126:1
ኤር. 32:44ኤር 32:10, 25
ኤር. 32:44ኤር 31:23
ኤር. 32:44ኤር 17:26፣ 33:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 32:1-44

ኤርምያስ

32 ኣብ 10ይ ዓመት ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ማለት ኣብ መበል 18 ዓመት ነቡካድነጻር፡* ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።+ 2 ሽዑ፡ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፣ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ዚርከብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ነበረ።+ 3 ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳስ ከምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፦+ “ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ተነቢኻ፧ ንስኻስ ከምዚ ትብል ኣለኻ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።+ 4 ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኪውሃብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ከኣ ኪዛረቦ፡ ዓይኒ ንዓይኒ እውን ኪርእዮ እዩ እሞ፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይኬምልጥን እዩ።”’+ 5 ‘ንሱ ንጼዴቅያስ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ እዩ፣ ኣነ ቘላሕታ ኽሳዕ ዝገብረሉ እውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ’ ይብል የሆዋ። ‘ምስ ከለዳውያን እኳ እንተ ተዋጋእኩም፡ ኣይኪሰልጠኩምን እዩ።’”+

6 ኤርምያስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 7 ‘እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦኻ ሻሉም፡ “ቀዳማይ መሰል ምብጃው ዘሎካ ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ነታ ኣብ ዓናቶት ዘላ ግራተይ ንዓኻ ዓድጋ” ኢሉ ኺመጸካ እዩ።’”+

8 ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ናብቲ ኣጸድ ሓለውቲ መጺኡ፡ “ንስኻ መሰል ርስትን ምብጃውን ኣሎካ እሞ፡ ነታ ኣብ ዓናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ በጃኻ ዓድጋ። ንዓኻ ዓድጋ” በለኒ። ሽዑ፡ እዚ ብቓል የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጥኩ።

9 ስለዚ፡ ነታ ኣብ ዓናቶት ዘላ ግራት ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ። ነቲ ገንዘብ፡ ሸውዓተ ሲቃልን* ዓሰርተ ብሩርን ድማ መዘንኩሉ።+ 10 ኣብ ሰነድ ውዕል መዝጊበ፡+ ሓቲመ፡ መሰኻኽር ጸዊዐ ኸኣ፡+ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። 11 ነታ ሰነድ ውዕል መሸጣ፡ ነታ ኸም ትእዛዝን ሕግን እተሓትመትን ነታ ዘይተሓትመትን ወሲደ፡ 12 ነታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ዝጸሓፉ መሰኻኽርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሃብክዎ።+

13 ንባሩኽ ከኣ ከምዚ ኢለ ኣብ ቅድሚኦም ኣዘዝክዎ፦ 14 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንነዊሕ እዋን ኪዕቀባስ፡ ነዘን ሰነዳት ውዕል እዚአን፡ ነዛ ሰነድ ውዕል መሸጣ፡ ነታ እተሓትመትን ነታ ዘይተሓትመትን ሰነድ ውዕል ወሲድካ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’ 15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ‘ኣባይትን ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ብሓድሽ ኪዕደግ እዩ’ ይብል ኣሎ።”+

16 እታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ድማ፡ ከምዚ ኢለ ናብ የሆዋ ጸለኹ፦ 17 “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ንስኻ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ሰማያትን ምድርን ገበርካ።+ ንዓኻ ዚሰኣነካ* ነገር የልቦን። 18 ንስኻ ንኣሽሓት ብተኣማንነት እተፍቅር፡ ስሕተት ኣቦታት ግና ብድሕሪኦም ንደቆም* እትፈዲ፡+ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ዓብይን ሓያልን፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስምካ ኢኻ። 19 ብምኽሪ* ዓብዪ፡ ብግብሪ ድማ ሓያል፡+ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድታቱን ከከም ግብሩን ክትህቦስ+ ንዅሉ መገድታት ሰብ ብኣዒንትኻ እትዕዘብ ኢኻ።+ 20 ንስኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዚፍለጥ ትእምርትታትን ተኣምራትን ገበርካ፣ በዚ ኸምዚ ኣብ እስራኤልን ኣብ ሰባትን፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ንርእስኻ ስም ገበርካ።+ 21 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዜሸብር ተግባራትን ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእካዮ።+

22 “ነዛ ንኣቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ምድሪ፡ ነዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ+ ድማ ሃብካዮም።+ 23 ንሳቶም ከኣ መጺኦም ተረስተይዋ፣ ግናኸ፡ ንድምጽኻ ኣይተኣዘዙን፡ ብሕግኻ እውን ኣይተመላለሱን። ንዅሉ እቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበሩን፣ ስለዚ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ መዓት ኣውረድካሎም።+ 24 እንሆ፡ ነዛ ኸተማ ኺሕዝዋ ዕርዲ ኸበባ ዚዅምሩላ መጺኦም ኣለዉ፣+ ብሰሪ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ድማ፡ እዛ ኸተማ ብርግጽ ኣብ ኢድ እቶም ዚዋግእዋ ዘለዉ ከለዳውያን ክትወድቕ እያ፣ እቲ ዝበልካዮ፡ ከምዚ ሕጂ እትርእዮ ዘለኻ፡ ኵሉ ዀይኑ እዩ። 25 ግናኸ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዛ ኸተማ ብርግጽ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ክትውሃብ እኳ እንተ ዀነት፡ ‘ግራት ብገንዘብ ንዓኻ ዓድግ፡ መሰኻኽር ድማ ጸውዕ’ ኢልካኒ ኢኻ።”

26 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 27 “እንሆ፡ ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ* እየ። ንዓይዶ ዚሰኣነኒ* ነገር ኣሎ እዩ፧ 28 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።+ 29 እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዚዋግእዋ ዘለዉ ከለዳውያን ከኣ ኪመጹ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምስተን ምእንቲ ኬዀርዩንስ ኣብ ናሕሰን ንበዓል ዝሰውኡለንን መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዘፍሰሱለንን ኣባይቲ+ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም።’+

30 “‘ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳንሲ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ጥራይ እዮም ገይሮም፣+ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ብግብሪ ኣእዳዎም የቘጥዑኒ እዮም’ ይብል የሆዋ። 31 ‘እዛ ኸተማ እዚኣስ ካብታ ዝሃነጽዋ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ፡+ መቘጥዕን መነደርን ጥራይ እያ ዀይናትኒ፣+ 32 እዚ ድማ ብሰሪ እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፡—ንሳቶምን ነገስታቶምን+ መሳፍንቶምን+ ካህናቶምን ነብያቶምን+ ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡—ኬዀርዩኒ ዝገበርዎ ዅሉ እከይ እዩ። 33 ገጾም ዘይኰነስ፡ ዝባኖም መሊሶምለይ፣+ ደጋጊመ* ኽምህሮም እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ተግሳጽ ንምቕባልሲ ዋላ ሓዲኦም ኣይሰምዑን።+ 34 ነታ ብስመይ እትጽዋዕ ቤት ኬርክስዋ ኸኣ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ኣብኣ ኣንቢሮምዎም።+ 35 ንይሁዳ ኼሕጥእዎስ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ንሞሌኽ+ ብሓዊ ምእንቲ ኼሕልፉ፡ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም*+ በረኽቲ በዓል ሰሪሖም፣ ከምዚ ዝበለ ፍንፉን ነገር ምግባርሲ፡ ኣነ ዘይኣዘዝክዎን+ ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸን እዩ።’

36 “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እዛ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ እያ እትብላ ዘለኻ ኸተማ ኸምዚ ይብል፦ 37 ‘እንሆ፡ ካብቲ ብዅራይን ብነድረይን ብዓብዪ ቝጥዓይን ዝበተንክዎም ሃገራት ክእክቦም እየ፣+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ክመልሶም፡ ብደሓን ከኣ ከንብሮም እየ።+ 38 ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+ 39 ንጽቡቖምን ብድሕሪኦም ንጽቡቕ ደቆምን ወትሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡+ ሓደ ልብን+ ሓንቲ መገድን ክህቦም እየ። 40 ንዓታቶም ጽቡቕ ካብ ምግባር ከም ዘይምለስ+ ከኣ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣+ ካባይ ምእንቲ ኸይምለሱ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ።+ 41 ፍስሃይሲ ንዓታቶም ጽቡቕ ብምግባር ኪኸውን እዩ፣+ ብዅሉ ልበይን ብዅሉ ነፍሰይን* ድማ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብጽኑዕ ክተኽሎም እየ።’”+

42 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ እዚ ዓብዪ መዓት እዚ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘምጻእኩ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዘተስፍዎም ዘለኹ ዅሉ ጽቡቕ ከምጽኣሎም እየ።+ 43 “ሰብን እንስሳን ዘይብላ ባድም እያ፣ ንከለዳውያን ከኣ ኣሕሊፍካ ተዋሂባ እያ” ትብል እኳ እንተ ኣለኻ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግራውቲ ኸም ብሓድሽ ኪዕደግ እዩ።’+

44 “‘ኣነ ንምሩኻቶም ክመልሶም እየ እሞ፡+ ኣብ ምድሪ ብንያምን+ ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን+ ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ቈላን+ ኣብ ከተማታት ደቡብን ግራውቲ ብገንዘብ ኪዕደግ፡ ሰነዳት ውዕል መሸጣ ኸኣ ኪምዝገብን ኪሕተምን፡ መሰኻኽር እውን ኪጽውዑ እዮም’ ይብል የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ