ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 42
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እቶም ህዝቢ ንኤርምያስ፡ መምርሒ ንምርካብ ኪጽልየሎም ሓተትዎ (1-6)

      • የሆዋ፡ “ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ” ኢሉ መለሰሎም (7-22)

ኤርምያስ 42:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:13, 14

ኤርምያስ 42:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:62

ኤርምያስ 42:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:16

ኤርምያስ 42:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክጕሂ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:36፣ ኤር 18:7, 8፣ ሚክ 7:18

ኤርምያስ 42:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:17, 18

ኤርምያስ 42:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6

ኤርምያስ 42:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:4, 7

ኤርምያስ 42:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክትጸንሑን።”

ኤርምያስ 42:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:45፣ ኤር 44:12-14, 27, 28

ኤርምያስ 42:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማምን።”

ኤርምያስ 42:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:8-10፣ 2ዜና 34:24, 25፣ 36:16, 17፣ ድጕ 2:4
  • +ኤር 29:18

ኤርምያስ 42:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኹም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 42:1, 2

ኤርምያስ 42:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:19፣ ነህ 9:26፣ ዘካ 7:11

ኤርምያስ 42:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:10, 11

ሓፈሻዊ

ኤር. 42:1ኤር 40:13, 14
ኤር. 42:2ዘዳ 28:62
ኤር. 42:8ኤር 41:16
ኤር. 42:10ዘዳ 32:36፣ ኤር 18:7, 8፣ ሚክ 7:18
ኤር. 42:11ኤር 41:17, 18
ኤር. 42:12ዘጸ 34:6
ኤር. 42:14ኤር 43:4, 7
ኤር. 42:16ዘዳ 28:45፣ ኤር 44:12-14, 27, 28
ኤር. 42:182ነገ 25:8-10፣ 2ዜና 34:24, 25፣ 36:16, 17፣ ድጕ 2:4
ኤር. 42:18ኤር 29:18
ኤር. 42:20ኤር 42:1, 2
ኤር. 42:212ዜና 24:19፣ ነህ 9:26፣ ዘካ 7:11
ኤር. 42:22ኤር 43:10, 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 42:1-22

ኤርምያስ

42 ሽዑ፡ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን የዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ቀሪቦም 2 ንነብዪ ኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “ከምዚ እትርእዮ፡ ካብ ብዙሓትሲ ሒደት እዮም ተሪፎም እሞ፡+ በጃኻ ንናይ ሞገስ ልማኖና ስማዕ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ ዅሉ እዚ ተረፍ ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸሊ። 3 የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ክንከደላ ዚግብኣና መገድን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣናን ይንገረና።”

4 ነብዪ ኤርምያስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፣ ከም ሕቶኹም ከኣ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ክጽሊ እየ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ዚምልሰልኩም ቃላት ድማ፡ ክነግረኩም እየ። ሓንቲ ቓል እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ።”

5 ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ብኣኻ ኣቢሉ ኽንገብሮ ዚእዝዘና እንተ ዘይጌርናስ፡ የሆዋ ኣንጻርና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹን። 6 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ብምእዛዝና ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልና፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ፡ ድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘለና የሆዋ ኣምላኽና ኽንእዘዝ ኢና።”

7 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ። 8 ንሱ ድማ ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸዊዑ፡+ 9 ከምዚ በሎም፦ “እቲ ናይ ሞገስ ልማኖኹም ኣብ ቅድሚኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ 10 ‘በቲ ዘምጻእኩልኩም መዓት ክጥዓስ* እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተ ጸኒሕኩም፡ ክሃንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፣ ክተኽለኩም እምበር፡ ኣይክምሕወኩምን እየ።+ 11 ብሰንኪ እቲ እትፈርህዎ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣይትፍርሁ።’+

“‘ኣነ ኻብ ኢዱ ኸድሕነኩምን ከናግፈኩምን ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ብሰንኩ ኣይትፍርሁ’ ይብል የሆዋ። 12 ‘ኣነ ድማ ክምሕረኩም እየ፣+ ንሱ እውን ኪምሕረኩምን ናብ ምድርኹም ኪመልሰኩምን እዩ።

13 “‘ግናኸ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣይንጸንሕን ኢና!” እንተ ኢልኩም፡ ንድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ 14 “ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላን ደሃይ መለኸት ዘይንሰምዓላን እንጌራ ዘይንጠምየላን ምድሪ ግብጺ ደኣ ኽንከይድ፡+ ኣብኣ እውን ክንነብር ኢና” ድማ እንተ ኢልኩም፡ 15 እምበኣር፡ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ናብ ግብጺ ኽትከዱን ኣብኡ ኼድኩም ክትነብሩን* ፈጺምኩም እንተ ቘሪጽኩም፡ 16 ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኼርክበኩም፡ እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብ ግብጺ ኺስዕበኩም፡ ኣብኣ ድማ ክትሞቱ ኢኹም።+ 17 ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ዝቘረጹ ሰባት ከኣ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪሞቱ እዮም። ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓትሲ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን ወይ ኣይኬምልጥን እዩ።”’

18 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ቝጥዓይን ነድረይን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም እተኻዕወ፡+ ከምኡ ድማ ናብ ግብጺ እንተ ኼድኩም፡ ነድረይ ኣባኻትኩም ኪክዖ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም፣+ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ደጊም ከቶ ኣይክትርእይዋን ኢኹም።’

19 “ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ የሆዋ ተዛሪቡኩም ኣሎ። ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ። ኣነ ሎሚ ኸም ዘጠንቀቕኩኹም ብርግጽ ፍለጡ፣ 20 ስሕተትኩም ህይወትኩም* ከም ዜስእነኩም እውን ብርግጽ ፍለጡ። ‘ምእንታና ናብ የሆዋ ኣምላኽና ጸሊ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብሎ ኸኣ ንገረና፣ ንሕና እውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩምሲ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም።+ 21 ኣነ ድማ ሎሚ ነጊረኩም ኣለኹ፣ ንስኻትኩም ግና ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣይክትእዘዙን፡ ከም ኵሉ እቲ ኽነግረኩም ዝለኣኸኒ እውን ኣይክትገብሩን ኢኹም።+ 22 ስለዚ፡ ኣብታ ኼድኩም ክትነብሩላ እትምነይዋ ዘለኹም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ከም እትሞቱ ብርግጽ ፍለጡ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ