ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 37
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ከለዳውያን ንግዜኡ ኣንሰሓቡ (1-10)

      • ኤርምያስ ተኣስረ (11-16)

      • ጼዴቅያስ ምስ ኤርምያስ ተራኸበ (17-21)

        • ንኤርምያስ እንጌራ ይውሃቦ ነበረ (21)

ኤርምያስ 37:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

  • *

    ዮያኪንን የኮንያን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:10-12
  • +2ነገ 24:17-19፣ 1ዜና 3:15
  • +2ነገ 24:12፣ ኤር 22:24

ኤርምያስ 37:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 38:1, 4
  • +2ነገ 25:18, 21፣ ኤር 21:1, 2፣ 29:25

ኤርምያስ 37:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:15

ኤርምያስ 37:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 17:15
  • +ኤር 34:21

ኤርምያስ 37:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:5፣ ድጕ 4:17፣ ህዝ 17:17

ኤርምያስ 37:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:29፣ 34:22፣ 39:8

ኤርምያስ 37:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኹም።”

ኤርምያስ 37:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:4

ኤርምያስ 37:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 34:21

ኤርምያስ 37:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:1

ኤርምያስ 37:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:11፣ 38:4
  • +ኤር 20:2፣ እብ 11:32, 36

ኤርምያስ 37:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት መዕቘር ማይ።”

ኤርምያስ 37:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 38:14
  • +ኤር 21:7፣ 24:8፣ 34:21፣ ህዝ 12:12, 13

ኤርምያስ 37:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:13፣ 23:16, 17፣ 27:14፣ 28:1, 2፣ ድጕ 2:14

ኤርምያስ 37:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:15፣ 38:8, 9
  • +ኤር 37:15

ኤርምያስ 37:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 3:25፣ ኤር 32:2፣ 33:1፣ 38:13, 28
  • +2ነገ 25:3፣ ኤር 38:9
  • +1ነገ 17:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/1997፡ ገጽ 3-4

ሓፈሻዊ

ኤር. 37:12ዜና 36:10-12
ኤር. 37:12ነገ 24:17-19፣ 1ዜና 3:15
ኤር. 37:12ነገ 24:12፣ ኤር 22:24
ኤር. 37:3ኤር 38:1, 4
ኤር. 37:32ነገ 25:18, 21፣ ኤር 21:1, 2፣ 29:25
ኤር. 37:4ኤር 37:15
ኤር. 37:5ህዝ 17:15
ኤር. 37:5ኤር 34:21
ኤር. 37:7ኤር 17:5፣ ድጕ 4:17፣ ህዝ 17:17
ኤር. 37:8ኤር 32:29፣ 34:22፣ 39:8
ኤር. 37:10ኤር 21:4
ኤር. 37:11ኤር 34:21
ኤር. 37:12ኤር 1:1
ኤር. 37:15ኤር 26:11፣ 38:4
ኤር. 37:15ኤር 20:2፣ እብ 11:32, 36
ኤር. 37:17ኤር 38:14
ኤር. 37:17ኤር 21:7፣ 24:8፣ 34:21፣ ህዝ 12:12, 13
ኤር. 37:19ኤር 14:13፣ 23:16, 17፣ 27:14፣ 28:1, 2፣ ድጕ 2:14
ኤር. 37:20ኤር 26:15፣ 38:8, 9
ኤር. 37:20ኤር 37:15
ኤር. 37:21ነህ 3:25፣ ኤር 32:2፣ 33:1፣ 38:13, 28
ኤር. 37:212ነገ 25:3፣ ኤር 38:9
ኤር. 37:211ነገ 17:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 37:1-21

ኤርምያስ

37 እቲ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘንገሶ+ ንጉስ ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም ነገሰ። 2 ንሱን ገላዉኡን ህዝቢ እታ ምድርን ግና ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣይሰምዑን።

3 ንጉስ ጼዴቅያስ ከኣ ንዮካል+ ወዲ ሸለምያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ “በጃኻ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ጸልየልና” ኺብልዎ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኾም። 4 ንኤርምያስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእተውዎን ነበሩ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ብናጻ ይንቀሳቐስ ነበረ።+ 5 ሰራዊት ፈርኦን ድማ ካብ ግብጺ ነቐለ፣+ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ከለዳውያን ከኣ ብዛዕባ እዚ ወረ ሰምዑ። ስለዚ፡ ካብ የሩሳሌም ኣንሳሓቡ።+ 6 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ኤርምያስ መጸ፦ 7 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኽትሓትቱኒ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ “እንሆ፡ እቲ ኺረድኣኩም ኢሉ ዚመጽእ ዘሎ ሰራዊት ፈርኦን ናብ ምድሩ ናብ ግብጺ ኺምለስ እዩ።+ 8 እቶም ከለዳውያን ከኣ ኪምለሱን ነዛ ኸተማ እዚኣ ኺዋግእዋን ኪሕዝዋን ብሓዊ ኼንድድዋን እዮም።”+ 9 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘እቶም ከለዳውያን ብርግጽ ካባና ኪኸዱ እዮም’ ኢልኩም ርእስኹም* ኣይተታልሉ፣ ንሳቶምሲ ኣይኪኸዱን እዮም። 10 ንብዘሎ ሰራዊት እቶም ዚዋግኡኹም ዘለዉ ከለዳውያን እኳ እንተ ትወቕዑ እሞ፡ ቍሱላት ሰቦም ጥራይ እኳ እንተ ዚተርፉ፡ ካብ ድንኳናቶም ተንሲኦም ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መንደድዋ።”’”+

11 ሰራዊት ከለዳውያን ብሰሪ ሰራዊት ፈርኦን ካብ የሩሳሌም ምስ ኣንሳሓበ፡+ 12 ኤርምያስ ኣብ መንጎ ህዝቡ ግደኡ ኺወስድ፡ ካብ የሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ነቐለ።+ 13 ኣብ ኣፍ ደገ ብንያም ምስ በጽሐ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ዝነበረ ይርያ ወዲ ሸለምያ ወዲ ሓናንያ ንነብዪ ኤርምያስ፡ “ናብ ከለዳውያን ትኸድዕ ኣለኻ!” ኢሉ ሓዞ። 14 ኤርምያስ ግና፡ “ሓሶት! ናብ ከለዳውያን ኣይከድዕን እየ ዘለኹ” በለ። ንሱ ግና ኣይሰምዖን። ይርያ ኸኣ ንኤርምያስ ሒዙ ናብ መሳፍንቲ ኣምጽኦ። 15 እቶም መሳፍንቲ ድማ ንኤርምያስ ተቘጥዕዎ፡+ ወቕዕዎ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ እውን ኣሰርዎ።+ 16 ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ፡* ኣብቲ ኸም ጉባ ዝናሕሱ ኽፍልታት ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሕ መዓልትታት ገበረ።

17 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ ልኢኹ ወሰዶ፣ ንጉስ ከኣ ብምስጢር ኣብ ቤቱ፡* “ካብ የሆዋ ዝመጸ ቓልዶ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ኤርምያስ ድማ፡ “እወ ኣሎ!” በሎ፣ ኣስዒቡ እውን፡ “ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ ኢኻ!” በሎ።+

18 ኤርምያስ ከኣ ንንጉስ ጼዴቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምንስ፡ ንዓኻን ንገላዉኻን ነዚ ህዝቢ እዝን እንታይ እየ በዲለ፧ 19 እቶም፡ ‘ንጉስ ባቢሎን ኣንጻርኩምን ኣንጻር እዛ ምድርን ኣይኪመጽእን እዩ፧’ ኢሎም እተነበዩልኩም ነብያትኩም ደኣ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ፧+ 20 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ በጃኻ ስማዕ። በጃኻ ኸምቲ ናይ ሞገስ ልማኖይ ፍቐደለይ። ኣብኣ ኸይመውትሲ፡+ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኣይትምለሰኒ።”+ 21 ስለዚ፡ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ+ ኪኸውን፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ እንጌራ ኽሳዕ ዚውዳእ+ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ጐደና ሰንከትቲ ሓደ ኸቢብ እንጌራ ኺውሃቦ፡+ ንጉስ ጼዴቅያስ ኣዘዘ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣጸድ ሓለውቲ ነበረ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ